ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ቤተመንግስቲ ዋይት ሃውስ ተሰናቢቱ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ

እቲ ‘ነበር’ ክኸውን ሒደት ስዓታት ጥራይ ተሪፈንኦ ዘለዋ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንመወዳእታ ግዜ ንቤት ጽሐፈቱ ተሰናቢቱ’ሎ።

ንሱ ኣብቲ ፕረዚደንታት ዝኣትውሉን ዝወጽሉን ኣብ ርእሰከተማ ዋሽንግተን ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ኣንድሪውስ ናይ ስንብታ መደረ ኣስሚዑ።

እቲ ንመወዳእታ ግዜ በተን ፍሉጣት፡ ’ማሪን ዋን’ ሄለኮፕተርን ‘ኤርፎርስ ዋን’ ዝብል መጸውዒ ዘለዋ ነፋሪት ፕረዚደንት ኣመሪካን ዝበረረ ትራምፕ ናብቲ ኣብ ክፍለሃገር ፍሎሪዳን፡ ፓልም ቢች ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ኣምሪሑ’ሎች።

ኣብቲ ብምትኳስ ናይ ክብሪ መዳፍዕ ዝተሰነየ ስንብታ፡ ምምሕዳሩ ተጓናጺሕፍዎም ዝበሎም ነገራት ዘርዚሩ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት በትረ ስልጣን ዝርከብ ጆ ባይደን፡ ንገለ ካብ ቀንዲ ፖሊስታት ትራምፕ ክስርዞም ትጽቢት ይግበር።

ጆ ባይደን ብወገኑ፡ ቅድሚ ብወግዒ ስልጣን ምርካቡ፡ ብፕረዚደንታት ነበር፡ ባራክ ኦባማ፡ ቢል ክሊንተን፡ ጆርጅ ቡሽን፡ ላዕለዎት መራሕቲ ሪፓብሊካዊ ፓርቲን ቤተሰቡን ተዓጂቡ፡ ኣብ ቤተክርስትያን ኣብ ዝተፈጸመ ስርዓተ ጸሎት ተሳቲፉ።

ትራምፕ፡ ነቲ ንቡር ፕሮቶኮል ሰላማዊ ምርኽኻብ ስልጣን ብምጥሓስ’ዩ፡ ኣብ ስነስርዓት ቃለማሕላ ጆ ባይደን ንኸይርከብ ኣቐዲሙ ካብታ ከተማ ወጺኡ ዘሎ። ምክትሉ ማይክ ፐንስ ግን ኣብቲ ስነስርዓት ክሳተፍ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር፡ ቃለማሕላ ሓድሽ ፕረዚደንት ብኣቆጻጽራ ዋሽንግተን ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ እዩ ዝፍጸም።

እቲ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ደገፍቲ ዝርከብሉ ጽንብል ግን፡ በሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ደገፍቲ ትራምፕ ዝፈጠርዎ ስግኣትን፡ ዳርጋ ኣብ ዝጸመወ ቅርዓት’ዩ ክፍጸም።

ኣብ ክንድኡ እቲ ‘ናሽናል ሞል’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቅርዓት ንዝኽሪ ኩሎም ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዝሞቱ ብባንዴራታትን መብራህትን ወቂቡ’ሎ።