ፕረዚደንት ጆ ባይደን መበል 46 ፕረዚደንት ኣመሪካ ብምዃን ቃለማሕላ ፈጺሙ

ጆ ባይደን

ፕረዚደንት ጆ ባይደን መብል 46 ፕረዚደንት ኣመሪካ ብምዃን ሎሚ 20 ጥሪ 2020 ቃለማሕላ ፈጺሙ።

ጸላም ኣመሪካዊት ካማላ ሃሪስ ድማ ፈላሚት ጓልኣንስተይቲ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ብምዃን ቃለማሕላ ፈጺማ'ላ።

ንሱ፡ ቃለማሕላ ድሕሪ ምፍጻሙ ኣብ ዘስምዖ መደረ "ሓድነት ክህልወና ኣለዎ" ክብል ነቲ ተኸፋፊሉ ዝርከብ ህዝቢ ኣመሪካ ተማሕጺኑ።

ኣብቲ ጽንብል ፕረዚደንታት ነበር፡ ባራክ ኦባማ፡ ጆርጅ ቡሽ፡ ቢል ክሊንተንን ተረኺቦም ነይሮም።

ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ግን ዘይንቡር ብምግባር ኣብቲ ጽንብል ኣይተሳተፈን። ምክትሉ ማይክ ፐንስ ግን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺቡ ነይሩ።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ መደርኡ ነቲ ኣብታ ሃገር ልዕሊ 400 ሽሕ ቀቲሉ ዘሎ ዝዓበየ ብድሆ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሓድነት ክግጠም ጸዊዑ።

ንሱ፡ ነቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ልዕሊ'ቲ ቃለማሕላ ዝፈጸመሉ ህንጻ 'ካፒቶል' ብደገፍቲ ትራምፕ ዝተፈጸመ "ውሽጣዊ ሽበራ" እውን ኮኒኑ።

ናይ ኩሉ ኣመሪካዊ ፕረዚደንት ኮይኑ ከምዘገልግል'ውን ቃል ኣትዩ'ሎ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንዝሓለፉ 50 ዓመታት ኣብ ፖለቲካ ዝጸንሐ ምኩር ኣመሪካዊ ፕሎተከኛ እዩ። ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ክፍጽሞም ትጽቢት ካብ ዝግበረሉ ተግባራት ሓደ ኣመሪካ ናብ ስምምዕ ክሊማዊ ለውጢ ፓሪስ ምምላስ እዩ፡፡

ዕድመ ስልጣኑ ሎሚ ዘብቅዐ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝወሰኖም ኣዘራረብቲ ውሳነታት እውን ክስርዞም ትጽቢት ይግበር፡፡

ካብዚኦም ሓደ ካብ ሙስሊም ሃገራት ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ዝተነበረ ናይ ኢሚግሬሽን እገዳታት ዝጥቀስ እዩ፡፡

ብተወሳኺ ውድብ ጥዕና ዓለም ንቻይና የዳሉ እዩ ብምባል ፕረዚደንት ትራምፕ ሃገሩ ካብ ኣባልነት እቲ ውድብ ከምዘውጸኣ ይዝከር፡፡ ኣመሪካ ናቲ ውድብ ምምላስ ካብ ኣጀንዳታት ባይደን ሓደ እዩ፡፡

መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር ግድን ክኸውን እዩ

ኣብ ኣመሪካ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ሞይቶም ኣለዉ፡፡ እቲ ሓድሽ ምምሕዳር ትኹረት ካብ ዝገብረሎም ጉዳያት ድማ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዩ፡፡

ኮሮረናቫይረስ ‘‘ንምምሕዳርና ካብ ዝገጥምዎ ፈተናታት ሓደ እዩ’’ ክብል ዝገለጸ ባይደን፡ ነቲ ቫይረስ ንምክልኻል ናይ ጥንቃቐ ስጉምቲታት ክትገብር ምዃኑ ቃል ኣትዩ’ሎ፡፡

ኣብ መንግስታዊ ትካላትን ኣብ እዋን ጉዕዞን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር ካብ ዝተሓላለፉ ውሳነታት ሓደ ክኸውን እዩ፡፡

ባይደን ነዚ ንምትግባር ዝፈቕደሉ ሕጊ ስለዘየለ ድማ ንኣመሓደርቲ ግዝኣታት ከእምኖም ተሊሙ ኣሎ፡፡

ስልጣን ኣብ ዝሕዘሎም ናይ መጀመርታ 100 መዓልቲታት ድማ 100 ሚልዮን ሰባት ክኽተቡ መደብ ሒዙ ክሰርሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ፡፡

ቁጠባዊ ውሳነታት

ብዘይካ’ዚ፡ ካብ ገዝኦም ብግዲ ክወጹ ተወሲንዎም ዝነበሩ ሰባት፡ ተወሳኺ ግዘ ምሃብ ካብ ምምሕዳር ባይደን ትጽቢት ዝግበረሉ ውሳነ እዩ፡፡

መንግስቲ ንተምሃሮ ዝህቦ ገንዘብ እውን ከቐጽሎ እዩ ተባሂሉ ኣሎ፡፡

ንካቢነኡ እውን ንሰራሕተኛታት ዕረፍቲ ዝህብ ቁጠባዊ ውሳነታት ከሕልፍ ክእዝዝ እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበረሉ፡፡

ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ጉድኣት ንዝበጸሖ ቁጠባ እታ ሃገር ንምድጋፍ ናይ 1.9 ትሪልዮን ዶላር ገንዘባዊ ደገፍ ንምግባር ከምዝተለመ’ውን ዝዝከር እዩ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ትልሚ እንድሕር ኣጽዲቕዎ፡ ነፍሲወከፍ ኣመሪካዊ 1 ሽሕን 400 ዶላር ክረክብ’ዩ፡፡

ኣብ ዝቕጽሉ 100 መዓልታት ኣብያተ ትምህርቲ ብጥንቃቐ ክኽፈታ እየን፡፡

ኣከራኻሪ ዝነበረ ናይ ትራምፕ ውሳነ ምጉዳል ክፍሊት ግብሪ ክስርዞ ምዃኑት’ውን ተሓቢሩ ኣሎ። ባይደን እቲ 2017 ዝሓለፈ ውሳነ ምጉዳል ግብሪ ንሃብታማት ብዘይ ግቡእ ዝጠቐመ እዩ ብምባል ክነቕፎ ጸኒሑ እዩ፡፡

ብተወሳኺ ትካላት ኣመሪካ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝገብርዎም ንግዳዊ ምንቅስቓሳት ግብሪ ክውስኽ ሃቂኑ ኣሎ። እዚ ንክኸውን ግን ነቲ ናይ ግብሪ ፖሊሲ ቤት ምኽሪ ከጽድቖ ኣለዎ፡፡

ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝምልከት

ባይደን ስልጣን ኣብ ዝሓዘላ መዓልቲ ንሃገሩ ናብ ስምምዕ ክሊማዊ ለውጢ ፓሪስ ክመልሳ ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ’ዩ፡፡

ስምምዕ ፓሪስ መጠን ሙቐት ዓለም ትሕቲ 2.0 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ክኸውን ከምዘለዎ ዝእምም’ዩ፡፡

ኣብዚ ጉዳይ ጥቡቕ ስጉምቲታት ክወስድ ትጽቢት ዝግበረሉ ባይደን፡ ኣብ ናይ መጀመርታ 100 መዓልቲ ስልጣኑ ዘተ ክሊማዊ ለውጢ ክገብር ትጽቢት ይግበረሉ፡፡

ኣብ 2050 ኣመሪካ ናብ ከባቢ ኣየር እትሰዶ መጠን ጋዝ ናብ ባዶ ናይ ምውራድ ትልሚ እውን ኣለዎ፡፡

ለውጢ ፖሊሲ ስደተኛታት

ትራምፕ ስልጣን ምስሓዘ ኣብ መበል ሻብዓይ መዓልቲ እዩ ካብ ሙስሊም ሃገራት ናብ ኣመሪካ ዝግበር ጉዕዞ ዝኸልከለ፡፡

አቲ እገዳ ንሃገራት ኢራን፣ ሊብያ፣ ሶማልያ፣ ሶርያን የመንን ከምኡ እውን ቬነዝዌላን ሰሜን ኮርያን ዝሓወሰ እዩ፡፡

እዚ ውሳነ ድማ ካብቶም ኣብ ዘበነ ባይደን ክቕየሩ ትጽቢት ዝግበረሎም ሓደ እዩ፡፡

ኣስታት 11 ሚልዮን ናይ መንነት ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታት ዜግነት ክረኽብሉ ዝኽእሉ ስርዓት ናብ ኮንግረስ ከምዝልእኽ ተፈሊጡ’ሎ፡፡

ባይደን ናይ ምረጹኒ ወፍሪ ይገብረሉ ኣብ ዝነበረ እዋን 545 ስደተኛታት ህጻናት ምስ ቤተሰቦም ክራኸቡ ከምዝገብር ቃል ኣትዩ ነይሩ፡፡

ነቲ ትራምፕ ዝጀመሮ ኣብ መንጎ ሜክሲኮን ኣመሪካን ዝህነጽ ዘሎ ሓጹር እውን ደው ከብሎ እዩ፡፡

ዓሌታውን ዘይፍትሓውን ሕግታት ምስራዝ

ምስ ዋንነት መንበሪ ኣባይትን መድሕን ጥዕናን ተተሓሒዙ ዓሌታውን ዘይፍትሓውን ዝበሃሉ ውሳነታት ባይደን ክስርዞም እዩ ተባሂሉ ኣሎ፡፡

ኣብ ናይ መጀመርታ 100 መዓልቲታት ካብ ዝወስዶም ስጉምቲታት ድማ ትካላት ፖሊስ ከምብሓድሽ ምውቓር እቲ ቀዳምነት ዝወሃቦ እዩ፡፡

መሰል ሕደ ጾታውያን

ባይደን ንሕደ -ጾታውያን ካብ መጥቃዕቲ ዝከላኸሉ ከምኡ እውን ኣብ ቤት ትምህርትን ወታሃደራዊ ኣገልግትን ዘሎ ኣድልዎ ዘትርፉ ውሳነታት ከመሓላልፍ ምዃኑ'ውን መብጽዓ ኣትዩ እዩ፡፡

ነቲ ውሳነ ብቤት ምኽሪ ኣቢሉ ኣብ ክንደይ ዝኣክል ግዘ ውሳነ ከምዘሕልፍ ግን ብሕጂ ዝረአ ክኸውን’ዩ፡፡