ቆጸራ ብዝሒ ሓራምዝ ካብ ጠፈር ብሳትላይት ይካየድ ኣሎ

ሓራምዝ

ምንጪ ስእሊ, Anup Shah/SCIENCE PHOTO LIBRARY

መግለጺ ስእሊ,

ሓራምዝ

ተመራመርቲ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ክንደይ ዝኣኽሉ ሓራምዝ ከምዘለዉ ንምፍላጥ፡ ፈቖዶ ዱራት ምኻድ ኣይከድልዮምን'ዩ።

የግዳስ ብዝሒ እቶም ሓራምዝ ካብ ህዋ ብሳትላይት ምፍላጥ ይከኣል እዩ ብምባል፡ ኣብዚ ይዓሙ ኣለዉ።

እዞም ስእልታት ካብ መሬት 600 ኪሎሜትር ርሒቓ ዑደት ካብ ትገብር ዘላ ሳትላይት፡ ዝመፅኡ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Maxar Technologies

መግለጺ ስእሊ,

ሓራምዝ ካብ ሳተላእት ክርኣዩ እንከለዉ

እዚ ካብ ህዋ ብሳትላይት ዝካየድ ዘሎ ምቁጻር ሓራምዝ ንመጀመመርታ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ክሳብ 5 ሽሕ ትርብዒት ኩሎሜተር ዝሽፍን መሬት ክዕዘብ ዝኽእል እዩ ተባሂሉ።

መግለጺ ቪድዮ,

ዘትክኽ ሓርማዝ ኣብ ሃገረ ህንዲ

ነዚ ቆጸራ ዘካይዱ መሳርሕታት፡ 'ኣየናይ እዩ ሓርማዝ፡ ኣየናይ'ከ ኣይኮነን' ዝብል ንከለልዩ ከኣ፡ ብኮምፒዩተር 'ኣልጎሪዝም' ዝሰልጠኑ እዮም።

መምህር ዩኒቨርሲቲ ባዝ ዶክተር ኦልጋ ኢሱፖቫ፡ "ናህትና ስራሕ ሓንሳብ ነቲ ኣልጎሪዝም፡ እዚ ሓርማዝ እዩ፤ እዚ ድማ ሓርማዝ ኣይኮነን ኢልና ምንጋር ጥራሕ እዩ። እቲ ካልእ ዝተረፈ ስራሕ ግና ናይ ኮምዩተር ስራሕ እዩ። እዚ ብምግባር ድማ፡ ንሕና ብዓይንና ክንርእዮም ዘይንኽእል ደቀቕቲ ነገራት፡ እቲ ኣልጎሪዝም ክርእዮምን ክፈልዮምን ኣኽኢልና" ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Maxar Technologies

እዞም ተመራመርቲ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣዶ ኣብ ዝበሃል ሃገራዊ ሕዛእቲ እዮም፡ ፈላማይ ቆፀራ ሓራምዝ ኣካይዶም።

እዚ ሕዛእቲ ንፈለማ ግዘ ዝተመረፀ ድማ፡ ብዙሓት ሓራምዝ ስለዝርከብሉ እዩ። እዚ ሕዛእቲ ፅዑቕ ዱር ብምዃኑ፡ ብባህላዊ መገዲ ንምቑፃር ከቢድ እዩ።

ቅድሚ ሕዚ፡ ኣብ ውሱናት ቦታታት ንኣሽቱ ነፈርቲ ብምጥቃም መፅናዕቲ ብምክያድ፡ ንጠቕላላ ከባቢ ግምት ዝውሰደሉ መስርሕ እዩ ነይሩ።

መግለጺ ቪድዮ,

ኣብ መዓልቲ ጽምብሎም ነጠባ ዝወደቖም ስሪላንካውያን

ሕዚ ግና እዚ ሳትላይት እቲ ኣብ መሬት ኩሉ ብንፁር ከምዝነግሮምን፡ ንዕቃበ እንስሳት ድማ ፅቡቕ ከምዝኾነን፡ እቶም ተመራመርቲ ገሊፆም።