ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣዳላዊ ፊልሚ ሆሊዉድ ሃብቱ ጾታዊ ግህሰት ንዝፈጸመለን ክከፋፈል ተወሲኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻም ዝተኸሰሰን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብን ፍሉጥ ኣዳላዊ ['ፕሮድዩሰር'] ፊልምታት ሆሊውድ ሃርቨይ ዊንስቲን፡ ካብ ዝነበሮ ሃብቲ እቲ ናይ ሓደ ኩባንያ 17 ሚልዮን ዶላር ንግዳያቱ ክከፋፈል ተወሲኑ።
እቲ ኩባንያ ኪሳራ ከምዘጋጠሞ ብምግላጽ ይዕጾ ዝነበረ ኮይኑ፡ 'ዊንስቲን ኮ' ብዝብል ይፍለጥ።
ኪሳራ ከምዘጋጠሞ ወግዓዊ ብምግባር ይዕጾ ኣብ ዘለወሉ እዋን ዝተርፎ ገንዘብ ከኣ ጾታዊ መጥቃዕቲ ንዘብጸሐለን ግዳያቱ ንኽከፋፈል ውሳነ ተዋሂቡ።
ኣብ ኣሜሪካ ነቲ ጉዳይ ዝከታተል ዳኛ፡ ኩባንያ 'ዊንስቲን ኮ' ምስተዓጸወ ዝተርፍ 17 ሚልዮን ዶላር እተን ግዳያት ክማቐልኦ ወሲኑ'ሎ።
ወዲ 68 ዓመት ዊንስቲን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስተኸሰሰ ማእሰርቲ 23 ዓመታት ከምዝተፈረዶ ይዝከር።
ኩባንያ 'ዊንስቲን ኮ' ፊልሚታት ዝዳለወሉ ስቱድዮ ኮይኑ ንኽሰርሕ'ዩ ተጣይሹ። ካብ ሞንጎ መስረትቱ ሓደ ዝኾነ ሃርቨይ ድማ ብጾታዊ ግህሰት ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዩ።
ኣብ 2017 ስምን ዝናን ሃርቫይ እናተበላሸወ ምስ ከደ እቲ ኩባንያ'ውን ናብ ጸገማት ክቃላዕ ጀሚሩ።
ሽዑ ሃርቫይ ሓጋዚቱ ንዝነበረትን ካልእ ተዋሳኢትን ብምድፋር ክሲ ቀሪቡሉ ነይሩ። ኣብዚ እዋን ከኣ ካብቲ ኩባንያ ዝርከብ 17 ሚልዮን ዶላር ን50 ከሰስቱ ከምዝከፋፈል ተፈሊጡ።
ናብዚ ውሳነ ዝተበጽሐ ድማ ከሰስቱ ድምጺ ንኽህባ ምስተገበረ ኮይኑ፡ ካብ ከሰስቱ እተን 39 ነቲ ገንዘብ ንማቐሎ ኣብ ዝብል ድምጺ ሂበን።
እቲ ዓብዪ ኩባንያ ፊልም ዝነበሮ ንብረት፡ 'ላንቴርን' ንዝተባሃለ ትካል ምዝንጋዕ ['ኢንተርቴይንመንት'] ብ289 ሚልዮን ከምዝሸጠ ይግለጽ።