ሚያንማር፡ ምስሊ ዴሞክራሲ ዝነበረት ኣንግ ኣንግ ሱ ቺ ብኸመይ ደገፍን ክብርን ስኢና?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/BBC
ብሰኑይ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ፡ ሰራዊት ሚያንማር ነታ ከም መራሒት እታ ሃገር እትግለጽ ኣንግ ሳን ሱ ቺን ካልኦት መራሕትን ኣብ ቀይዲ ብምእታው ስልጣን ተቖጻጺሩ።
እቲ ዕልዋ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ መንጎ'ቲ ብግብሪ ብሱ ቺ ዝምራሕ ሲቪላዊ መንግስትን ሰራዊት እታ ሃገርን ኣብ ጉዳይ ምርጫ ዝተፈጥረ ምትፍናን'ዩ ተወሲዱ።
ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝተኻየደ ምርጫ፡ ብኣንግ ሳን ሱ ቺ ዝምራሕ ሰልፊ ሃገራዊ ሕብረት ንደሞክራሲ (NLD) ሓድሽ መንግስቲ ንምቛም እኹል መናብር ተዓዊቱ ነይሩ።
ብሰኑይ፡ ሓድሽ ፓርላማ ቀዳማይ ኣኼባኡ ቅድሚ ምክያዱ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ብሰንኪ "ኣብ ምርጫ ዝተፈጸመ ምጥፍፋእ" ስልጣን ናብ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ናይቲ ሰራዊት ጀነራል ሚን ኣንግ ህሌንግ ከምዘሰጋገረ ኣፍሊጡ።
ኣብታ ሃገር ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ህጹጽ እዋን ከም ዝተኣወጀን ስልጣን ናብ ሰራዊት ምስግጋሩን መደበር ተለቪዥን ሰራዊት ኣዊጃ።
ኣንግ ሳን ሱ ቺ ብወገና፡ ንደገፍታ ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ "ነዚ ከይትቕበልዎ" ብምባል "ኣንጻር እቲ ዕልዋ ተቓውሞታትኩም ኣስምዑ" ኢላ።
እታ በርማ ተባሂላ'ውን እትጽዋዕ ሚያንማር፡ ኣብ 2011 ደሞክራሲያዊ ለውጥታት ክሳብ ዝጅምር ኣብ ትሕቲ ወታሃደራዊ ምሕደራ'ያ ነይራ።
ኣብ 2015፡ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ውድድር ዝተራእየሉ ምርጫ ምስ ተኻየደ ድማ፡ ብኣንግ ሳን ሱ ቺ ዝምራሕ ሰልፊ ብገፊሕ ተዓዊቱ፤ ንሳ ድማ ናብ ስልጣን ደይባ።
ውልቃዊ ናጽነታ ምእንቲ ደሞክራሲ ዝሰውአትን ኣንጻር'ቶም ስልጣን ዝተቖጻጸሩ ጀነራላት እታ ሃገር ደው ዝበለት ሓርበኛ ተቓላሲት ተባሂላ'ያ ትግለጽ።
ኣብታ ሃገር፡ ኣብቶም ተኸተልቲ እምነት ቡድሂዝም ዝኾኑ ዝበዝሑ ዜጋታት ሰፊሕ ደገፍ ኣለዋ።
ብዓይኒ ዓለም ግን፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ልዕሊ ዓሌት ሮሂንጋ ዝኾኑ ኣስላም እታ ሃገር ዝተፈጸመ ዓመጽ ክብራ ተደዊኑ'ዩ።
ናብ ስልጣን ንምምጻእ ዝሓለፈቶ ጉዕዞ
ኣንግ ሳን ሱ ቺ ካብ 1989 ክሳብ 2010 ኣብ ዝነበረ እዋን ን15 ዓመት ኣብ ቀይዲ ኣሕሊፋቶ።
ኣብ 1991፡ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር እንከላ፡ "ብሉጽ ኣብነት ሓይሊ ናይቶም ሓይሊ ዘይብሎም" ተባሂላ ሽልማት ኖበል ሰላም ተዓዊታ።
ኣብታ ኣብ ትሕቲ ወታሃደራዊ ምልኪ ዝነበረት ሃገር ዴሞክራሲ ንምምጻእ ዘሕለፈቶ ውልቃዊ ገድሊ ዓለምለኻዊት ትእምርቲ ሰላማዊ ቃልሲ ኣንጻር ዓመጽ ክትከውን ኣኽኢሉዋ።
ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ሕዳር 2015፡ ሃገራዊ ሕብረት ንደሞክራሲ ዝበሃል ሰልፊ ብምምራሕ፡ ድሕሪ 25 ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ክፉት ምርጫ ብገፊሕ ተዓዊታ።
እዚ ግን፡ ናይ ወጻኢ ዜግነት ዘለዎም ቆልዑ ስለ ዘለውዋ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ክትከውን ቅዋም እታ ሃገር ኣየፍቀደላን።
ይኹን እምበር፡ እታ ጓል 75 ዓመት ኮይና ዘላ ፖለቲከኛ መራሒት እታ ሃገር ከም ዝኮነት'ያ እትፍለጥ።
ወግዓዊ መዝነታ፡ ኣማኻሪት መንግስቲ እዩ። ፕረዚደንት እታ ሃገር ዊን ሚዪንት ሓደ ካብ ተሓጋገዝታ ምንባሩ'ዩ ዝግለጽ።
'ሪኤ ከምዘይራኣኹ ሱቕ ክብል ኣይክኣልኩን'
ኣንግ ሳን ሱ ቺ፡ ጓል እቲ ጅግና ቃልሲ ንናጽነት ማያንማር ዝኾነ ጀነራል ኣንግ ሳን'ያ።
እንተኾነ፡ ጓል ክልተ ዓመት እንከላ፡ ማያንማር ኣብ 1948 ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብሪጣንያ ናጻ ቅድሚ ምውጽኣ ተቐቲሉ።
ሳን ሱ ቺ፡ ተቓላሲት ሰብኣዊ መሰላትን ተቓላሲት ናጽነት ኣንጻር ንዓሰርታት ዓመታት ዝነበረ ምልካዊ ወተሃደራዊ ምሕደራን ከም ዝኾነት ይፍለጥ።
ኣብ 1960፡ ምስታ ኣምባሳደር በርማ ኣብ ህንዲ ዝነበረት ኣዲኣ ዳው ኪን ኪዪ ናብ ህንዲ ከይዳ።
ድሕሪ 4 ዓመት ድማ ናብ ብሪጣንያ ብምኻድ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ፍልስፍና፣ ፖለቲካን ስነቁጠባን ተማሂራ።
ኣብኡ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ምስቲ ድሓር ብዓልቤታ ዝኾነ መምህር ዩኒቨርሲቲ ማይክል ኣሪስ ተላልያ።
ኣብ ጃፓንን ብሁታንን (Bhutan) ንሓጺር እዋን ክትነብርን ክትሰርሕን ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ፡ ደቃ፡ ኣለክሳንደርን ኪምን ከተዕቢ ናብ ብሪጣንያ ተመሊሳ።
ሃገራ ሚያንማር ግን ካብ ኣእምሮኣ ኣይተፈልየትን።
ምንጪ ስእሊ, Aris Family Collection/Getty Images
ኣብ 1988፡ ነታ ብጽኑዕ ሓሚማ ዝነበረት ኣዲኣ ክትኣሊ ናብታ ሽዑ ራንጉን እትብሃል ዝነበረት ከተማ ያንጉን ኣብ ዝተመለሰትሉ እዋን፡ ሚያንማር ኣብ ፖለቲካዊ ቅልውላዉ'ያ ነይራ።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተምሃሮ፡ ሰራሕተኛታት ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን፡ ፈለስቲ እምነት ሁንዲዝምን፡ ደሞክራስያዊ ለውጢ ብምጥላብ ኣብ ጎደናታት ዝወጽሉ ዝነበረ እዋን'ዩ።
"ጓል ኣቦይ ኮይነ፡ ነቲ ዝኸውን ዝነበረ ኩሉ ሪእየ ከምዘይራኣኹ ክኽውን ኣይክኣልኩን" ክትብል ኣብቲ ብ26 ነሓሰ ኣብ ከተማ ራንጉን ዘስምዓቶ መደረ ተዛሪባ ነይራ።
ብድሕሪ'ዚ እያ ኣንጻር እቲ ሽዑ ዝመርሕ ዝነበረ ምልካዊ መራሒ ጀነራል ነ ዊን ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ ክትመርሖ ጀሚራ።
ናይ ገዛ ማሕዩር
በቲ ፍሉጥ ጸሊም ኣመሪካዊ ተጣባቒ ሲቪላዊ መሰላት ዝነበረ ማርቲን ሉተር ኪንግን ህንዳዊ ማሕተማ ጋንዲ ዝተጠቕምሉ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ ተመሪሓ፡ ደሞክራስያዊ ለውጥን ናጻ ምርጫን ብምጥላብ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ሰላማዊ ተቓውሞታትን ጎስጓሳትን ከተካይድ ጀሚራ።
ይኹን እምበር፡ እቲ ብ18 መስከረም 1988 ብዕልዋ ስልጣን ዝሓጨበጠ ሰራዊት ነቶም ትውድቦም ዝነበረት ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ጭካነ ብዝተመልኦ ጎነጽ ደው የብሎም ነይሩ።
ኣብ 1989 ድማ ኣንግ ሳን ሱ ቺ ብወግዒ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ኣትያ።
እቲ ወታሃደራዊ መንግስቲ፡ ኣብ ግንቦት 1990 ሃገራዊ ምርጫ ክካየድ ወሲኑ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ምርጫ ድማ፡ እቲ ብሱ ቺ ዝምራሕ ሃገራዊ ሕብረት ንደሞክራሲ ብዘተኣማምን ደረጃ ተዓዊቱ።
ይኹን እምበር እቲ ሰራዊት ስልጣን ምርካብ ኣብዩ።
ን6 ዓመታት ኣብ ከተማ ራንጉን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1995 ተፈቲሓ።
ኣብ መስከረም 2000፡ ንዝተገብረላ ናይ ምንቅስቓስ ገደብ ብምጥሓስ ናብ ከተማ ማንዳላይ ክትከይድ ኣብ ዝፈተነትሉ ድማ ንካልኣይ ግዜ ናብቲ ዝነበረቶ ናይ ገዛ ማሕዩር ተመሊሳ።
ኣብ 2002 ብዘይዝኾነ ቅድመ ኩነት ተፈቲሓ።
ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ኣብ መንጎ ደገፍታን ደገፍቲ እቲ ወታሃደራዊ መንግስትን ብዝተፈጥረ ግጭት ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ኣትያ።
ምንጪ ስእሊ, AFP
ጸኒሓ ምስ ተፈትሐት፡ ናብ ገዝኣ ክትምለስ'ኳ እንተ ተፈቕደላ፡ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ክትጸንሕ'ዩ ተገይሩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ቀይዲ ኣብ ዝነበረትሉ፡ ምስ መራሕቲ ናይቲ ሰልፊን ዲፕሎማሰኛታትን ክትራኸብ ይፍቀደላ ነይሩ።
ኣብ ፈለማ ዓመታት ግን ኣብ ሸላ'ያ በይና ተታሒዛ ነይራ።
ንክልተ ደቃን ነቲ ኣብ 1999 ብሕማም መንሽሮ ዝሞተ ብዓልቤታን ክትራኸብ ግን ኣይፍቀደላን'ዩ ነይሩ።
ብዓልቤታ ኣዝዩ ምስ ሓመመ፡ ክትሪኦ ናብ ብሪጣንያ ክትከይድ'ኳ እንተ ፈቐዱላ፡ ናብታ ሃገር ምምላስ ከይክልክልዋ ብምስጋእ ኣይተቐበለቶን።
ምምላስ ናብ ፖለቲካ
ኣንግ ሳን ሱ ቺ፡ ኣብቲ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ብ7 ሕዳር 2010 ዝተገብረ ምርጫ ከይትሳተፍ ምእንቲ፡ ድሕሪ 6 መዓልታት ተፈቲሓ።
ወዳ ኪም ድማ ድሕሪ ኣስታት 10 ዓመት ክርእያ ዕድል ረኺቡ።
እቲ ኣብቲ ምርጫ ስልጣን ዝሓዘ መንግስቲ ደሞክራስያዊ ለውጥታት ድሕሪ ምግባሩ፡ ሳን ሱ ቺን እቲ እትመርሖ ሃገራዊ ሕብረት ንደሞክራስን ናብ ፖለቲካ እታ ሃገር ተመሊሶም።
ኣብቲ 2012 ዝተኻየደ ተወሳኺ ምርጫ፡ ካብቶም ዝነበሩ 45 መናብር 43 ብምርካብ ምዕዋቶም ድማ ዝነበራ ህዝባዊ ደገፍ ከም ዘለዋ ኣመስኪራ።
ንፈለማ እዋን ድማ ኣባል ባይቶን መራሒት ተቓዋሚ ስልፊ ብምዃን ቃለማሕላ ፈጺማ።
ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይቲ ዓመት ድማ፡ ድሕሪ 24 ዓመታት ካብታ ሃገር ክትወጽእ ምውሳና፡ ክትምለስ ከም እትኽእል ምትእምማን ከምዝነበራ ዘርኢ'ዩ ነይሩ።
ቅልውላዉ ሮሂንጋ
ካብ ምሉእ ዓለም ዝነበሩ ደገፍታ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሮሂንጋውያን ዝፍጸም ዝነበረ ጾታዊ ዓመጻት፡ ቅትለትን፡ ምጽናት ዓሌት ክኽውን ከምዝኽእል ዝተገልጸ ገበናት ደው ከተብሎ ዘይምኻኣላ ተሪር ነቐፌታ በጺሑዋ'ዩ።
ካብኡ ሓሊፋ'ውን፡ ነቲ ገበናት ዝፍጽም ዝነበረ ሰራዊት እታ ሃገር ዘይምኹናን፡ ክትከላኸለሉ ምፍታናን ነቲ ዝነበራ ደገፍን ክብርን ኣጉዲልዎን ደዊንዎን'ዩ።
ፈለማ ገለ ካብ ደገፍታ ነቲ ዝነበረ ዝተሓላለኸ ዝምድናታት ብዙሕነት ብሄራት እታ ሃገር ኣብ ምምሕዳር ቀሊል ኣይኮነን ብምባል ክከላኸሉላ ፈቲኖም ነይሮም።
ነቲ ናብ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ፍትሒ ብኣካል ተረኺባ፡ ነቲ ዝቐረበ ክስታት ብምንጻግ ንተግባራት እቲ ሰራዊት ምድጋፋ፡ ነቲ ተሪፉዋ ዝነበረ ዝተጸንቀቐ ክብሪ ኣህሲስዎ።
እታ "እምበይተይ" ዝብል ናይ ክብሪ መጸውዒ ዘለዋ ሳን ሱ ቺ፡ ብዓይኒ እቶም ኣንጻር ሮሂንጋ ዝኾኑ ዝበዝሑ ዜጋታት እታ ሃገር ዝኾኑ ተኸተልቲ ቡድሂዝም ግን፡ ልዑል ደገፍ'ዩ ዘለዋ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተገብረ ዳህሳስ፡ 79 ሚእታዊት ህዝቢ'ታ ሃገር ከምዝድግፋ ጸብጻባት ይገልጹ።
ምንጪ ስእሊ, EPA
ዝደስከሉ ፖለቲካዊ ጽገናታት
ንሳን እቲ ትመርሖ ሰልፊን ናብ ስልጣን ድሕሪ ምድያቦም፡ ኣብታ ሃገር መግዛእታዊ ሕግታት ብምጥቃም ንጋዜጠኛታትን ተጣበቕትን ምስርጣዮም ክንቀፉ ጺኒሖም።
ዋላ'ኳ ገለ ለውጥታት ክገብሩ እንተኽኣሉ፡ እቲ ኣብ ፓርላማ ርብዒ መናብር ዘለዎን፡ ኣገዳስቲ መንግስታዊ ቦታታት ዝሐዘን ሰራዊት ግን ዕንቅፋት ከምዝኾኖም ይግለጽ።
ሰራዊት እታ ሃገር ናይ ምክልኻል፡ ውሽጣዊ ጉዳያትን ጉዳያት ዶባትን ዝምልከቱ ናይ ስልጣን ቦታታት ተቖጻጺሩ ጸኒሑ'ዩ።
ኣብ 2018፡ ኣንግ ሳን ሱ ቺ፡ እቶም ጀነራላት "ጥዑማት'ዮም" ክትብል ገሊጻቶም ነይራ።
ተንተንቲ ፖለቲካ እታ ሃገር ከምዝብልዎ፡ እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ምስግጋር ናብ ደሞክራሲ ተዓጊቱ ይርከብ።
እቲ ብሰራዊት ተወሲዱ ዘሎ ናይ ዕልዋ ስጉምቲ ድማ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ከም ዘምርሕ ይዛረቡ።