ቅልውላው ትግራይ: ኤርትራ 'ወተሃደራታ ካብ ኢትዮጵያ ከተውጽእ' ሕብረት ኣውሮጳ ጸዊዑ

ቤት-ጽሕፈት ኤውሮጳዊ ሕብረት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኤርትራ ሰራዊታ ካብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ከተውጽእ ሕብረት ኣውሮጳ ጸዊዑ።

ኣብቲ ሎሚ ዝወጸ መግለጺ፡ እቲ ሕብረት በቲ ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ዘሎ ዘሕዝን ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣዝዩ ተሻቒሉ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይገደብ ከምቲ ዝድለ ክኣቱ ኣይክኣለን ኢሉ።

"ዝበዝሐ ክፋል ማእከላይን ምዕራባዊን ትግራይ ምብጻሕ ኣይተኻእለን፡ ናብቶም ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከብሎም መዓስከራት ምብጻሕ'ውን ፍጹም ኣይተኻእለን" ይብል እቲ ብላዕለዎት ዝምልከቶም ሓለፍቲ ናይ ሕብረት ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ሎሚ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ናብቲ ክልል ሰብኣዊ ሓገዛት ከእትዉ ከምዝተሰማምዑ ሓቢሮም ኣለዉ።

ነቲ ኩነታት ብኣካል ንምዕዛብ ብ8 ለካቲት ኣብ ክልል ትግራይ ምብጻሕ ዘካየደ፡ ሓላፊ ትካል መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት፡ ዴቪድ ቢዝሊይ፡"ኣብ ትግራይ ሰለስተ ሚልዮን ህዝቢ ናትና ህጹጽ ሓገዝ ይጽበ ኣሎ። ዝባኽን ግዜ የብልናን" ክብል ብትዊተር ሓቢሩ።

ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ጆሰፕ ቦረል፡ ኮሚሽነር ዓለምለኻዊ ምትሕግጋዝ ጁታ አርፕለይነንን ኮሚሽነር ህጹጽ ግብረመልሲ ጃነዝ ሌናርኪክ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዉሑስ "ሓለዋ" ክግበረሎም ጠሊቦም።

"ዓለምለኻዊ ሕግታት ስደተኛታት፡ ሰባዊ መሰላትን ሰብኣውነትን ብዝእዝዞ መሰረት፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ከይምለሱ ይኹን ጉድኣት ከይበጽሖም ውሑስ ሓለዋ ክግበረሎም ኣለዎ"።

ብዘይካ'ዚ እቲ ሕብረት "ንጻውዒት ኣመሪካ ብምድጋፍ፡ ወታሃደራት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ንጽውዕ" ኢሉ።

ሓይልታት ኤርትራ "ነቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት የጋድድዎን ግፍዕታት ይፍጽሙን" ምህላዎም፡ ከምኡ'ውን "ነቲ ዘሎ ብሄር መሰረት ዝገበረ ግጭት ከምዝብእስ ይገብሩ" ከምዘለዉን ጸብጻባት ከምዝበጽሖም'ውን ጠቒሶም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ መንግስቲ ኣመሪካ ስራዊት ኤርትራ "ብህጹጽ ካብ ትግራይ" ክወጽእ "ብቐጥታ" ንመንግስቲ ኤርትራ ሓቲቱ ምንባሩ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣብ ዝሓላፈ ዓርቢ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ "እቶም ክስታት ግጉያትን ግምታውን" እዮም ብምባል መንግስቱ ነቲ ክሲ ከምዝነጽጎ ኣብ ትዊተር ኣፍሊጡ ነይሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ኣትዮም ይዋግኡ ኣለዉ ንዝብል ክሲ "መሰረት ዘይብሉ ፕሮፖጋንዳ'ዩ" ብምባል ክነጽጎ ጸኒሑ'ዩ።

እቲ ገለ ካብ መራሕቱ ብመንግስቲ ዝምዘዝሉ ኮሚሽን ሰባዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነቶም ኣብቲ ንልዕሊ ሰለስተ ውርሒ ቀጺሉ ዘሎ ኲናት ተፈጺሞም ዝብሃሉ ቅትለታት፡ ጾታዊ ዓመጻት፡ ዝምታን፡ ጭውያን ዝርከብዎም ገበናት ክምርምሮም ከምዝድግፍ'ውን እቲ ሕብረት ገሊጹ'ሎ።

ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ኣብቲ ግጭት ከቢድ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከምዝተፈጸሙ ዝገልጹ "እሙናት ጸብጻባት" ከምዝረኸቡ ብጥቃስ፡ ብናጻን ዘይሻራውን ኣካላት ክምርመሩ ክጽውዑ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ብኻልእ ወገን፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ፕሮጀክት ሲንዲኬት ኣብ ዝተሓተመ ጽሑፉ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝበጽሕ ዘሎ ስቓይን መከራን፡ ቀዳምነት ከምዝህቦ ብምግላጽ፡ ትካላት ረድኤት ዓለም ምስ መንግስቱ ተሓባቢሮም ክሰርሑ ጸዊዑ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ክልል ትግራይ፡ ረድኤት ንምብጻሕን እቲ ኩነታት ናብ ንቡር ንክምለስን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎን እቲ 'ብህወሓት ኮነ ተባሂሉ ተቛሪጹ' ዝበሎ መሰረተ ልምዓት ርክባት እቲ ክልል፡ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ እዋኑ ንኸይበጽሕ ፈተና ኮይንዎ ከምዝጸንሐን፡ ማሕበረሰብ ዓለም እዚ ኣብ ምፍታሕ ክተሓባበሮን'ውን ሓቲቱ።

ዋላ'ኳ መንግስቲ ነቲ ብ4 ሕዳር ዝተወለዐ ግጭት ኣብ መወዳእታ ሕዳር 2020 ብዓወት ከምዝተዛዘመ ገሊጹ እንተነበረ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ረጽሚ ከምዘሎ ይግለጽ።

ኣብቲ ግጭት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት።

ኣመዓባብላ እቲ ጎንጺ

እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነበረ ምትፍናን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ።

ቅድሚ መጀመርታ ሕዳር 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ።

ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስመጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።