ምክትል ፕረዚደንት ሱዳን ነበር 'ናዕቢ ኣጓሃሂርካ' ተባሂሉ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ባኒ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ እዋን ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሺር፡ ምክትል ፕረዚደንት ዝነበረ ሓሳቦ መሓምደ ዓብደል ራሓም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተገሊጹ።

ንሱ፡ ብዛዕባ ምውሳኽ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ኣሳቢቡ ንሰሙናት ዝቐጸለ ናዕቢ ኣጓሃሂርካ ተባሂሉ'ዩ ኣብ ቀይዲ ኣቲዩ።

ካልኦት ኣብ እዋን ምምሕዳር ዑመር ኣልበሽር ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ተኣሲሮም ከምዘለው'ውን ተፈሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ሱዳን ብተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ ከባቢ 300 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተውን፡ ኣብ ዓርባተ ዞባታት እታ ሃገር ድማ እዋን እቶ እቶ ከምዝተኣወጀን ይፍለጥ።

ኣብታ ሃገር ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ዋሕዲ ባኒ፡ ነዳዲ ከምኡ'ውን ኣገልግለት ኤለክትሪክ ከምዘሎን፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲ ነቲ ወዲቑ ዘሎ ቁጠባ ንምዕራይ ይቓለስ ከምዘሎን ይግለጽ።

ሱዳን፡ ካብ መዝገብ ግብረ-ሽበራ ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ከምዝወጻት ይፍለጥ።

እዚ ድማ ነቲ ዘቑቢቡ ዘሎ ቁጠባ እታ ሃገር ህይወት ክዘርኣሉ ከምዝኽእል ተንተንቲ ይሕብሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣመሪካ፡ ንሱዳን ኣብ መዝገብ ሽበራ ዘእተወታ ብ 1993 ኮይኑ፡ ንመራሒ ኣል-ቃዒዳ ኦሳማ ቢን ላደን ሓዊሱ፡ ግብረ-ሽበራውያን እትድግፍ እያ ብዝብል እዩ።

ዑመር ኣልበሺር፡ ኣብ 1989 ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ንሱዳን ማእከል ዓለማዊ ተቓለስቲ ጅሃዳውያን ምንባሩ ይግለጽ።

እዞም እስላማዊ ጥሩፋት ጉጅለታት፡ ኣብ 1993 ኣብ ዓለዋዊ ማእከል ንግድ ኣመሪካ ፈላሚ መጥቃዕቲ ምስ ፈጸሙ፡ ኣመሪካ፡ ንሱዳን ኣብ መዝገብ ግበረ-ሽበራ ዝምውላ ሃገራት ኣእትያታ።

ኣብዚ እዋን ሱዳን፡ ካብ ዓለም ለኻዊ ገንዘብን ካልኦት ፋይናንሳዊ ትካላትን ለቓሕ ክትወስድን ምስራዝ ዕዳ ክትሓትትን ትኽእል።

ንሱዳን ን30 ዓመት ብምልኪ ዝመርሓ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽን፡ ኣብ 2019 ዋጋ ባኒን ነዳዲን ዝመንቀሊኡ ብሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ'ዩ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።