ቢል ጌትስ፡ 'ኮሮናቫይረስ ምስ ክሊማዊ ለውጢ እንክነጻጸር ቀሊል'ዩ'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቢልዮነር ቢል ጌትስ፡ ሰባት፡ ብዛዕባ ኩነታት ክሊማዊ ለውጢ ክሓስቡ '51 ቢልዮን ንባዶ' ንእትብል ኣሃዝ ክዝክሩ የተሓሳሰብ።
ንሱ ከምዝብሎ፡ ወዲሰብ ነዚ ከነጻጸሮ እንተኽኢሉ ኣብ ታሪኽ ህይወት ወዲሰብ እቲ ዝዓዘዘ ዓወት ኮይኑ እዩ ክምዝገብ።
ከምኡ ምግባር ከቢድ ከምዝኾነ እንተረድእ ድማ፡ ምስ ምቁጽጻር ኮቪድ-19 ብምንጽጻር እዩ።
ሓድሽ መጽሓፍ ቢል ጌትስ፡ "How to Avoid a Climate Disaster" ለውጢ ኩነታት ኣየር ብኸመይ ምክልኻል ይከኣል ዝብል ትርጉም ዘለዎ እዩ።
እቲ መጽሓፍ፡ ዓለም ወዲኣ ናብ ሓደጋ ለውጢ ኣየር ቅድሚ ምእታዋ ክውሰዱ ዝግበኦም ነገራት ይዝርዝር።
እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ዝመጽእ 30 ዓመታት ዓለምና ኣብ ታሪክ ወዲ ሰብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ፈተና ክገጥማ እዩ እዩ ዝብል።
ነዚ ከረድእ ድማ፡ ክልተ ጠቐምቲ ኣሃዛት የልዕል።
51 ቢሊዮን ንባዶ!
እቶም ኣሃዛት፡ ዓለም ኣብ ዓመት ናብ ከባቢ ኣየር እትሰዶ ናይ ግሪን ጋዝ መጠን ዘርኢ እዩ።
እዚ ናብ ኣየር ዝፍኖ፡ 51 ቢልዮን ዝተቓጸለ በካሊ ግሪንጋዝ ፡ ደቂ ሰባት ነዚ መጠን ናብ ዜሮ ከውርድዎ ኣለዎም።
ወዲ ሰብ ነዚ እንተተዓዊቱ፡ ኣብ ታሪክ ወዲ ሰብ ዓብዪ ዓወት እዩ ክኸውን ይብል።
ትኹረት ቢልጌትስ፡ እዚ ንምግባር እቶም ተማሂዞም ዘለው ቴክኖሎጂታት ብኸመይ ክሕግዙ ይኽእሉ ዝብል እዩ።
ከም ናይ ንፋስ ሓይሊን ጸሓያዊ ብርሃንን ዝኣመሰሉ ተተካእቲ ጸዓታት ምጥቃም እቲ ዝፍኖ ካርቦን ብዓብዪ ደረጃ ይንኪዪ።
እዚ ግን፡ ካብቲ ጠቕላላ 30 ሚኢታዊ ጥራይ እዩ ምንካይ ዘኽእል-ይብል።
ንሱ ከምዝብሎ፡ ቁጠባ ዓለም 70 ሚኢታዊት ናብ ተተካኢ ጸዓት ክኣቱ ኣለዎ። እንተዘይኮይኑ፡ ዓለም ናብ መዋጥር እያ ክትኣቱ በሃላይ እዩ።
ብፍላይ ምስ ሓጺነ መጺን፣ ሲሚንቶ፣ ምስ መጓዓዝያን ዘመናዊ ድኹዕን ካልኦት ተኣሳሲሩ፡ ብሙሉእ ናብ ሓድሽን ተተካእን ከምኡ ድማ ካብ ካርቦን ነጻ ብዝኾነ ሜላ ክትክኡ ኣለዎም ይብል።
"ቀሊል ስራሕ ኣይከውንን"።
እዚ 70 ሚኢታዊት ቁጠባ ዓለም ብድድ ኢልካ ዝግበር ኣይኮነን፤ ዓቕሙን ሓሳቡን የብልናን-ይብል ቢልጌትስ።
ኣብዚ እዋን ወዲ ሰብ ነዳድን ናፍታን ተጠቒሙ መኪና ብምሽክርካሩ ዝኸፍሎ ዘሎ ዋጋ ኣይረአዮን።
መንግስታት ግን፡ ዓለም ካብ ጥፍኣት ከድሕንዋ ኣለዎም ክብል ይላቦ።
ተራ ዜጋ፡ እቲ ዝበጽሕ ዘሎ ጉድኣት ክርድኦን ከሕሞን ኣይኽእልን ስለዝኾነ፡ መንግስታት ኢዶም ከእትዉ ይሓትት።
ናይ ብሕቲ ትካላት፡ ኣብ ተተካእቲ ጸዓታት ጥራይ ከትኩሩን፡ ነዚ ዘየኽብሩ ከበድቲ መቕጸዕቲ ከንብሩሎምን ይሓትት።
ሰልፊ ሪፐብሊካ ኣብ ኣመሪካ ንክሊማዊ ለውጢ ዝሃቦ ትሑት ትኹረት ከስተኻኽል ኣለዎ ድማ ይብል።
ትኹረት ቢል ጌትስ
ቢል ጌትስ ኣብ 1975 ምስ መሻርኽቱ ማይክሮሶፍት ዝፈጠረ በዓል ሃፍቲ ኾይኑ፡ ካብ ዓለም 124 ቢልዮን ዶላር ብምውናን ራብዓይ ዝሃብተመ ሰብ እዩ።
ካብ ሃብቱ 50 ቢልዮን ዶላር ንገበርቲ ሰናይ ዘውዓለ ቢልጌትስ ብፍላይ ብሜሊንዳ ፋውንዴሽን ብዙሓት ዓይነታት ጥዕናዊ ጉዳያት ይሕግዙ።
ብፍላይ ኣብ ትምህርቲ፣ ጥዕናን ለውጢ ከባቢ ኣየርን ዓብዪ ኣበርክቶ ዘለዎ ሰብ እዩ።
ቢል ጌትስ፡ ቅድም ኢሉ ንከም ኮቪድ-19 ዓይነት ሕማማት ክፍጠሩ ከምዝኽእሉ ብምትንባዩ፡ 'ንሱ እዩ ፈጢርዎ' ዝብል ናይ ሽርሒ ትንታነ ርእይቶ ተዋሂቡ ነይሩ።
እዞም ነዚ ናይ ሽርሒ ትንታነ ዝለቛቑሙ ወገናት፡ ቢል ጌትስ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ንክንኪ እዩ ከምኡ ገይሩ ኢሎም እዮም ዝሓምይዎ።