ናይጀርያዊት ንጎዚ ኦኮንጆ-ኢዊላ ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ዋና ዳይረክተር ውድብ ንግዲ ዓለም ኮይና

ንጎዚ ኦኮንጆ-ኢዊላ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ,

ሚኒስተር ፋይናንስ ናይጀርያ ነበር ንጎዚ ኦኮንጆ-ኢዊላ

ሚኒስተር ፋይናንስ ናይጀርያ ነበር፡ ንጎዚ ኦኮንጆ-ኢዊላ ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ዋና ዳይረክተር ውድብ ንግዲ ዓለም (WTO) ኮይና ተመሪጻ።

እታ ፈላመይቲ ጓለንስተይቲ መራሒት ናይቲ ውድብ ኮይና ዘላ ኣፍሪቃዊት፡ ብምሉእ ድምጺ ኣኼባ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ናይቲ ውድብ'ያ ተሓርያ።

ናይ ኣመሪካ ዜግነት ከምዘለዋ እትፍለጥ ዶ/ር ኦኮንጆ-ኢዊላ፡ ኣካያዲት ዓለማዊ ባንክ ዝነበረት ምዃና'ውን ይፍለጥ።

ካብ ቀንዲ ዝጽበይዋ ዓበይቲ ብድሆታት፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ንግዳዊ ምስሕሓባትን እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ዓጋቲ ንግዳዊ ፖሊሲታትን ከምኡ'ውን እቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣጋጢሙ ዘሎ ምድስካል ቁጠባ ዓለም ክኾኑ'ዮም።

እቲ ነዞም ዓበይቲ ብድሆታት መፍትሒ ከይረኸበሎም ዝጸንሐ ውድብ ኣብ ቅልውላዉ ከምዝርከብ ተንተንቲ ይዛረቡ።

ድሕረ-ባይታ ኦኮንጆ-ኢዊላ

እታ ጓል 66 ዓመት ኦኮንጆ-ኢዊላ፡ ኣብ ሃገራን ኣብቲ ን25 ዓመታት ዝሰርሓትሉ ዓለማዊ ባንክን ዘዋህለለቶ ዓለምለኻዊ ተሞክሮታት ዘለዋ'ያ።

ኣብቲ ባንክ ብሓላፍነት ኣብ እትሰርሓሉ ዝነበረት እዋን፡ ትሑት እቶት ንዝነበረን ሃገራት ዝድግፉ ተበግሶታትን፡ ንድኻታት ሃገራት ዝድግፍ ማዕከን ኣብ ምቛምን ዓቢ ተራ ከምዝነበራ ይንገረላ።

ሓደ ካብ ቀንዲ ዝተዓወተትሉ ነገራት ድማ፡ ሃገራ ናይ 18 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ክስረዘላ ምግባራ'ዩ።

እታ ሃገር ካብ 1980ታት ኣትሒዛ ዘዋህለለቶ ልዕሊ 35 ቢልዮን ዶላር ምንባሩ ይፍለጥ።

እቲ ኣብ ሃገራ ዘተኣተወቶ ቁጠባዊ ጽገናታት ንቁጠባ'ታ ሃገር ዘድሓነ ምንባሩ ይግለጽ።

እንተኾነ ግን፡ ብፍላይ ኣንጻር ናይቲ ኣብ ጽላት ቀንዲ ምንጪ ሃገራዊ እቶት ዝኾነ ነዳዲ ዝርአ ብልሽውና ዘካየደቶ ዕዉት ወፍሪ ዋጋ ኣኽፊሉዋ'ዩ።

ኣብ 2012 ሓኪምን ፕሮፌሰር ስነሕብረተሰብን ዝኾነት ጥሮተኛ ጓል 82 ዓመት ወላዲታ፡ ካማነ ኦኮንጆ፡ ካብ ገዝኣ ተጨውያ ነይራ።

ጨወይታ ድማ፡ እታ ሚኒስተር ካብ መዝነታ ክትወርድን ገንዘብ ክትከፍልን ጠሊቦም።

እንተኾነ፡ ንጎዚ ኦኮንጆ-ኢዊላ ንክልቲኡ ጠለባቶም ነጺጋቶ። ድሕሪ 5 መዓልቲ ድማ ኣዲኣ ተፈቲሓ። ጭውያ ኣብ ናይጀርያ ልሙድ መዝማዚ ተግባር ምዃኑ ይፍለጥ።

እታ ምርቕቲ ፍሉጥ ኣመሪካዊ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ዝኾነት ኦኮንጆ-ኢዊላ ኣብ 2006 ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ናይጀርያ ኮይና ኣገልጊላ ምንባራ'ወን ይዝከር።

ኣብ ሰነ 2020 ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሃማዱ ቡሃሪ ዋና ኣካያዲት ውድብ ንግዲ ዓለም ክትከውን ሓጽዩዋ።