ኣመሪካ፡ ካብ ሰማይ ዝወደቐ መኽደን ሞተረ ነፋሪት፡ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ዓሊቡ

ምንጪ ስእሊ, Hayden Smith/@speedbird5280/Reuters
ሓንቲ ቦይንግ ነፋሪት ኣብ ሰማይ እንከላ፡ ሓደ ሞተረኣ ካብ ስራሕ ወጻኢ ብምዃኑ፡ ኣብ ጥቃ ከተማ ዴንቨር ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይቲ ተበታቲኑ ከምዝውደቐ ተፈሊጡ።
እዛ ብግስ ምስ በለት ናይ ሞተረ ምብልሻው ዘጋጠማ ነፋሪት ቦይንግ 777፡ 231 ገያሾን 10 ኣባላት በረራ ኣሳፊራ ዝነበረት ኮይና ብዘይ ዝኾነ ጸገም ናብቲ ዝተበገሰቶ መዓርፎ ነፈርቲ ዴንቨር ተመሊሳ ብሰላም ዓሊባ።
ፖሊስ ናይ'ታ ጥቃ ከተማ ዴኒቨር እትርከብ ከተማ ብሩምፊልድ፡ እቲ ስብርባር ዝዓለበሉ ቦታታት ብስእሊ ኣሰንዮም ኣብ ናይ ፌስቡክ ዘርጊሐሞ።
ኣብ'ታ ነፋሪት ዝነበሩ ተጓዓዝቲ፡ እታ ነፋሪት ኣብ ሰማያት ነዊሕ ከይከደት 'ብርቱዕ ድምጺ ምፍንጃር' ከምዝሰምዑ ተዛሪቦም።
እዛ ብቁጽሪ በረራ 328 ትበርር ዝነበረት ብመገዲ ኣየር ዩናይትድ ትውነን ቦይንግ 777፡ ኣብ የማናይ ሸነኽ ዝነበረ ሞተረኣ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ከምዝኾነ ምምሕዳር ፈዴራል ኣቬየሽን ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ሓደ ካብቶም ኣብ'ታ ነፋሪት ተሳፊሮም ዝነበሩ ገየሽቲ ንወኪል ዜና ኤፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብርቱዕ ድምጺ ኣብ ዝተሰማዓሉ፡ እቲ ኣብራሪ ብመጉልሒ ጽምጺ ንተጓዝቲ ሓበሬታ ይህቦም ከምዝነበረ ገሊጹ።
እቲ ደቪድ ድሉቸሽያ ዝተብሃለ ተጓዓዚ "እታ ነፋሪት ብኸቢድ ክትሕቆን ጀሚራ፡ ካብቲ ንኸዶ ዝነበርና ብራኸ ኸኣ ንታሕቲ ገጽና ክንንቆት ጀሚርና" ኢሉ።
ምንጪ ስእሊ, Broomfield PD
ምንጪ ስእሊ, Broomfield PD
ምንጪ ስእሊ, Broomfield PD via EPA
ወሲኹ ድማ፡ ንሱን ብዓልቱ ቤቱን ምናልባት እታ ነፋሪት እንተወዲቓ ሬሰኦም መታን ክልለ ኢሎም ነቲ ንመንነቶም ዝገልጽ ወርቓቕቲ ኣብ ጅበኦም ከምዘቐመጥዎ ሓቢሩ።
ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርገሐ ኣሳእል፡ እታ ነፋሪት ኣብ ሰማይ እንከላ ካብ ሓደ ሞቶረኣ ትኪ ይወጽእ ምንባሩ የርኢ።
ሓደ ኣብ ውሽጢ እታ ነፋሪ ኮይኑ ዝሰኣሎ ተንቀሳቃሲ ምስሊ'ውን ሓደ ሞተረ ናይ'ታ ነፋሪት ሓዊ እናተቓጸለ የርኢ።
እቲ ክስተት ብኣቆጻጽራ ከባቢ ኮሎራዶ፡ ቀዳም ከባቢ ሰዓት 1 ናይ ድሕሪ ቀትሪ እዩ ኣጋጢሙ።
ፖሊስ ከተማ ብሩምፊልድ፡ ነበርቲ ወዲቑ ንዝጸንሖም ክፋል ሞተረ ናይ'ዛ ነፋሪት፡ መታን ንጠንቂ እቲ ባርዕ ንምፍላጥን ንመርመራ ክሕግዝን፡ ብኢዶም ከይትንክፉ ተማሕጺኖም ኣለዉ።
ሓንቲ ነባሪት ብሩምፊልድ ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዝተበታተነ ክፋል ናይ'ቲ ሞተር ካብ ሰማይ እናወረደ እንከሎ ብዓይና ከምዝርኣየቶን ምስ ደቃ ኣብ ከውሊ ከምዝተሓብአትን ንሲኤንኤን ገሊጻ።