ሱዳን ካብ ኢትዮጵያ ንዝቐረበላ ክሲ ተቓዊማቶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሱዳን፡ ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ብኢትዮጵያ ንዝቐረበላ ክሲ ብምቅዋም መልሲ ሂባትሉ።
መንግስቲ ኢትዯጵያ፡ ኣብ'ቲ ቅድም ኢሉ ዘውጸኦ መግለጺ 'ሱዳን፡ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዶባዊ ግጭት ንምልዓል ትተዃቱኽ ኣላ' ክብል እዩ ከሲሱ ነይሩ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ብቀዳም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ድማ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ክሲ ብትሪ ዝነቐፈ ኮይኑ፡ ነቲ ብኢትዮጵያ ዝተውሃበ መግለጺ 'ንርክባት ክልቲኤን ሃገራትን ንዝምድና ህዝብታት ክልቲኤን ሃገራትን ዝኽሕድ' ክብል ከምዝገለጾ'ውን ወኪል ዜና ሱና ጸብጺቡ።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ዝርከብን ኢትዮጵያን ሓረስቶት ሰፊሮም ክሓርስዎ ንዝጸንሑ ልሙዕ ናይ ሕርሻ ቦታታት፡ ናታ ግዝኣት ከምዝኾነ ብምግላጽ ሱዳን ድሕሪ ምቁጽጻራ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ምስሕሓብ ከምዝጸንሓ ዝፍለጥ እዩ።
እዚ ምስሕሓብ ገና ንኣዋርሕ ቀጺሉ ዘሎ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ፡ ብዶብ ብምስባብ "ክልቲአን ሃገራት ናብ ኩናት ክኣትዋ መታን፡ ሓይሊ ምክልኻል ሱዳን ብተኹታኹነት ናይ ሳልሳይ ወገን መጥቀሚ ይኸውን ኣሎ" ክትብል እያ ትኸስስ።
እቲ ብኢትዮጵያ ዝተውሃበ መግለጺ፡ ካብቶም ቅድም ክብል ክወሃቡ ዝጸንሑ ርእይቶታት ዝተረረ ምንባሩ እዩ ዝግለጽ። "ንሱዳን ዘናዕቕን ይቕረ ዘይበሃል ጸርፍን እዩ" ክትብል ድማ ሱዳን ተቓዊማቶ ኣላ።
እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ነዚ ምስሕሓብ ንምዝሓልን ሰላማዊ ዕልባት ክረክብ ንምግባርን፡ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ዝተቐበልዎ ልኡኽ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ካርቱም ከምዝኣተወ ገሊጹ'ሎ።
ሱዳን ወሲኻ፡ እቲ ዘሰሓሕብ ዘሎ ቦታታት ልዑላዊ ግዝኣታ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኢትዮጵያ እንተደልያ ግን ዞባውን ዓለማውን ሕጋዊ ኣማራጽታት ክትስዕብ ከምእትኽእል ገሊጻ'ላ።
ኢትዮጵያ ድማ" ኣብ'ቲ ቅድም ክትብል ዝሃበቶ ንሓይሊ ምክልኻል ሱዳን ዝነቐፈትሉ መግለጺኣ፡ "ሰራዊት ሱዳን ዓለምለኻዊ ሕጊ ጥሒሱ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ወራር ፈጺሙ" ምባላ ዝዝከር እዩ።
ሰራዊት ሱዳን 'ንብረት ዘሚቱ፣ መዓስከራት ኣቃጺሉ፣ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ኣፈናቒሉ፣ ጥርሖም ዝነበሩ መዓስከር ሰራዊት ኢትዮጵያ'ውን ተቖጻጺሩ' ክትብል ከሲሳ ነይራ።
ሱዳን ብወገና፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ግዝኣታ ኣትዩ ወራር ከምዝፈጸመ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።
ላዕለዎት ሰብ መዚ ክልቲኤን ሃገራት፡ ብሰንኪ እዚ ዶቧዊ ምስሕሓብ ናብ ኩናት ክኣትዉ ድልየት ከምዘይብሎም እዮም ዝገልጹ።
እንተኾነ፡ ኣብ'ቲ ዶባት ዝርከቡ ነበርቲ ከምዝብልዎ ግን፡ ኣብ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ወጥሪ ዓሲሉ እዩ ዘሎ።
ኣብ ክልቲኡ ሸነኻት እቲ ዶባት ዘሎ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ እውን እናወሰኸ ምምጽኡ ይግለጽ።
ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሱዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከብ ኣምባሳደር እታ ሃገር "ንምኽሪ" ናብ ካርቱም ከምዝጸወዓቶ ዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ ስጉምቲ ምስ'ቲ ዶቧዊ ምስሕሓብ ዝራኸብ ብዛዕባ ምዃኑ ኣይተፈልጠን።
ኢትዮጵያን ሱዳንን ከባቢ 750 ኪ.ሜ ዝበጽሕ ናይ ሓባር ዶብ ክህልወን እንከሎ፤ እቲ ዝበዝሐ ክፋሉ ብንጹር ኣብ ባይታ ኣይተመልከተን።
እቲ ንልዕሊ ሓደ ሚእቲ ዓመታት ንኽልቲአን ሃገራት ዘሰሓሕብ ዘሎ ዶብ ኣልፋሻጋ፡ ዓቢይ ናይ ሕርሻ ልምዓትን ምስኡ ዝተሓሓዝ ወፍርን ዝካየደሉ እዩ።
ኩርናዕ ኣልፋሻጋ
ኩርናዕ ኣልፋሻጋ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሱዳን፡ ዞባ ገዳርፍ ዝርከብ ኮይኑ፡ 250 ትርብዒት ኪሎሜተር ዝሽፍን ልዕሊ 240 ሄክታር ልሙዕ መሬት ምዃኑ ይግለጽ።
ክልቲኦም መንግስታት ኣቐዲሞም፡ ነዚ ኣሰሓሓቢ ዶብ፡ ዳግማይ ንምሕንጻጽ ናይ ሓባር ፕሮጀክትታት ንምጅማርን፡ ንህዝቢ እቲ ከባቢ ተረባሒ ንምግባርን ተሰማሚዕም ምንባሮም ይዝከር።
ኣብ 2014 ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝን ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ናይ ክልቲአን ሃገራት ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፡ እቲ ዶብ ኣብ ባይታ ዝምልከተሉ ዕለት ክውስኑ ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም ነይሮም።
እንተኾነ ግና ኣብ ባይታ ዶብ ናይ ምምልካት ስራሕ ክሳዕ ሎሚ ኣይተፈጸመን።