'መገድታት ሬሳ መሊኡ ነይሩ' - ጎንጺ ትግራይ ዝፈላለየን ኣደን ጓልን

ሰምሃልን ኣዲኣን

ምንጪ ስእሊ, Semhal

መግለጺ ስእሊ,

ኣብ ትግራይ መራኸብታት ምስተዓጸወ፤ ሰምሃል፡ ኣዲኣ ብህይወት ትሃሉ ኣይትሃሉ ትፈልጦ ኣይነበራን።

ሰምሃል ግርማይ፡ ኣብ ኣመሪካ ከተማ ዴንቨር እያ እትነብር። ንሳ ኢትዮጵያዊት ኣመሪካዊት እያ።

ክልቲኦም ወለዳ ተወለድቲ ትግራይ ኮይኖም፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኩናት ኣብ 1980ታት ሃገሮም ገዲፎም ክስደዱ ተገዲዶም።

ኣብ'ቲ እዋን፡ ኣብ ሱዳን ናብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ምስኣተዉ፡ ኣብኡ እዮም ተራኺቦም። ሰምሃል እውን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን እያ ተወሊዳ።

ድሕሪ ግዜ፡ እቶም ስድራ ናብ ኣመሪካ ኣትዮም ኣብኡ ክነብሩ ጀሚሮም። እንተኾነ፡ መብዛሕትኦም ስድረኦም ሕዚ'ውን ኣብ ትግራይ እዮም ዝነብሩ።

ናይ ሰምሃል እነሓጎ፣ ኣኮታታ፣ ሓወቦታታን ካልኦት ኣዝማዳን ኣብ ትግራይ ኣለዉ።

ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር፡ ኣዲኣ ናብ ትግራይ ዝገሸት'ውን ንስድረኣ ክትሓትት እዩ ነይሩ። ኣዲኣ ንሰምሃል፡ ሃንደበት ኩናት ክውላዕ ኣይሓሰበቶን።

እንተኾነ፡ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ጎንጺ ተወሊዑ።

"ክሳብ እታ [ኩናት ዝተወለዐላ] መዓልቲ እናደወለት ትሓተና ነይራ" ትብል ሰምሃል።

ሰምሃል ኣብ ትግራይ ኩናት ከምዝተወለዐ ኣብ ትዊተር እያ ፈለማ ርእያቶ። ናብ ኣዲኣ ኸኣ ደዊላ።

"ስልካ ጠቕሊሉ ኣይሰርሕን ነይሩ። ናብ ካልኦት ኣዝማድና'ውን ደዊለ። ናቶም'ውን ኣይሰርሓለይን። ሽዑ፡ ገለ ነገር ከምዘጋጠመ ተረዲኡኒ" ትብል።

ድሕሪኡ፡ ርክብ ዝበሃል ጠፊኡ። ኢንተርኔት፡ መስመር ቴሌፎንን ሞባይልን ኩሉ ተቛሪጹ። ሰምሃል'ውን ኣብ ትግራይ እንታይ ይፍጸም ምህላዉ ካብ ማሕበራዊ መራኸብታትን ካብ ሰባትን ጥራይ እያ ትሰምዕ ዝነበረት።

"ኣዝዩ ልቢ ዝሰብር እዩ ነይሩ። ኣደይ ንዓይ ከም ፍትውቲ መሓዛይ እያ። ንዓኣ ከየዛረብኹ ምቕናይ ከቢድ እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ፡ ነቲ ቀደም ዘሕለፈቶ ናይ ኩናት መከራ ደጊማ ትነብሮ ምህላዋ ምፍላጥ ዘሕምም ነይሩ" ትብል ሰምሃል።

ምንጪ ስእሊ, EDUARDO SOTERAS

ብኸምዚ ኩነታት ሰሙናት ሓሊፉ፡ ሰምሃል ኣዲኣ ብህይወት ትሃሉ ትሙት ትፈልጦ ኣይነበራን።

ሰምሃል ናብ ኣዲኣ ብቐጥታ ክትልእኽ ዘይትኽእል ምዃና እኳ እንተፈለጠት፡ ስለዝሓርበታ ጥራይ ግን ብኢንስታግራም ኣቢላ ንኣዲኣ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ሰደደት።

ከም ገለ ኢሉ እቲ መልእኽቲ ይበጽሓ ዶ ይኾን ብዝብል ተስፋ እያ ሰምሃል ነቲ ቪድዮ ብማሕበራዊ መራኸቢ ፈኒዋቶ።

ሰምሃል፡ ኣብ'ቲ ሓጺር ቪድዮ እናበኸየት እያ ናብ ኣዲኣ መልእኽቲ ሰዲዳ።

"ከም'ዚ ስለዘጋጠመኪ ኣዝየ እየ ዝሓዝን። ዝኾነ ሰብ እዚ ኣይግበኦን፡ ነብሲወከፍ መዓልቲ ድማ ምእንታኹም ንቃለስ ከምዘለና ፍለጡ፡ እዚ ክሓልፍ እዩ፡ ንትግራይ ድማ ደጊምና ክንሃንጻ ኢና" ክትብል ኣብ'ቲ ቪድዮ ትስማዕ።

ከም'ቲ ናታ፡ ኣብ ደገ ዝነብሩ ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ'ውን ደሃይ ስደረኦም ጠፊእዎም ሓርቢትዎም ስለዝነበረ፡ ከም'ቲ ናታ ናብ ስደረኦምን መቕርቦምን ናይ ቪድዮ መልእኽትታት እናቐድሑ ፈኒዎም።

ነቲ ናይ ሰምሃል ቪድዮ'ውን እናተቐባበሉ ብዙሓት ሰባት ዘርጊሖምዎ። ኣብ መዓልታት ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ርእዮምዎ።

ሰምሃል ግን ንሰሙናት ደሃይ ኣዲኣ ኣይረኸበትን።

ንሳ ኣይፈለጠትን ደኣ'ምበር፡ ኣዲኣን ኣኮኣን ነታ ዝነበሩላ ከተማ መቐለ ገዲፎም፡ ናብ ሓውዜን ከይዶም ነይሮም። እኖሓጎኣ ንምሃል ኣብ ሓውዜን ስለዝነበራ፡ ኣብኡ ይሓይሽ ይኾን ኢሎም እዮም ሓሲቦም።

እንተኾነ፡ ሓውዜን ዝገደደ ኮይኑ ረኺቦምዎ። ድምጺ ከቢድ ብረት እናቐረበ ምስመጸ፡ ነብሶም ከድሕኑ መሊሶም ካብ ሓውዜን ናብ በረኻ ወጺኦም።

ፎቖዶ ጎቦታት፡ መዕቆቢ ኣብ ዝረኸብሉ እናተዓቖቡ፡ መግብን ማይን እናለመኑ ቀንዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰምሃል ነዚ ኹሉ ዝፈለጠት ቀንዩ ስልኪ ተደዊሉላ ምስተራኸቡ እዩ ነይሩ።

"[ኣደይ] ናብ'ቲ ጎቦታት ሃዲማ። ንመዓልታት ብእግራ ተጓዒዛ። ኣእጋራ ሓቢጡ። --- ምግቢ ኣይነበረን ሰባት ይጠምዩ ነይሮም ኢላ። ሕጽረት ማይ ነይሩ። ኣብ ቀጻሊ ፍርሒ እዮም ነይሮም። መዓልታዊ ነብሶም ከድሕኑ ይጎይዩ። ን 12 መዓልታት ኣብኡ ነይራ" ትብል ሰምሃል።

ፎቖዶ በረኻ ዝነበረ ከርተት ልዕሊ ዓቕሚ ምስኮነ፡ ኣዲኣ ንሰምሃል ናብ ሓውዜን ናብ ገዛ ወላዲታ ክትምለስ ግድን ኮነ።

"እቲ ጉዕዞ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ ኢላ። መገድታት ሬሳ መሊኡ፤ ሕማቕ ጨና ነይሩ" ክትብል ሰምሃል ነቲ ካብ ኣዲኣ ዝሰምዓቶ ተዘንቱ።

ኣደ ሰምሃል ናብ ሓውዜን ምስተመለሰት፡ ገዛ ወላዲታ ተዘሚቱ እዩ ጸኒሕዋ።

"ዝተረፈ ነገር ኣይነበረን። ኮበርታ ካብ ዓራት ኣዲኣ ተወሲዱ" እትብል ሰምሃል፡ ምግብን ካልእ ንብረትን'ውን ተዘሚቱ ዝተረፈ ነገር ኣይነበረን ብምባል ተዘንቱ።

ኣዲኣ ንሰምሃል ድሕሪ ግዜ ንመቐለ ምስተመለሰት ነቲ ዘጋጠመ ኹሉ ስልኪ ደዊላ ንጓላ ነጊራታ።

"ኣነ እበኪ ነይረ፡ ንሳ'ውን ትበኪ ነይራ" ትብል ሰምሃል። ነቲ ዝለኣኸትላ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ'ውን ብሰብ ሰብ ከምዝሰምዓቶ ነጊራታ።

ኣደ ሰምሃል፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ እያ ነዚ ኹሉ ስቓይ ሓሊፋ ናብ'ቲ እትነብረሉ ኣመሪካ ተመሊሳ። ሰምሃል ግን፡ ሕዚ'ውን ብዛዕባ እቶም ኣብ ትግራይ ዝተረፉ ትሻቐል።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኹነታት ግንዛበ ንምፍጣር'ውን ምስ ካልኦት ኮይና ኣብ ኢንተርነት ትነጥፍ ኣላ። ደገፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ብኦንላይን ከምዝድህልዋን ዘጥቅዕዋን እያ ትገልጽ።

"ትሕስዉ ኢኹም ዘለኹም ኣብ ኢትዮጵያ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ እምበር ኩናት የለን ዝብሉ ብዙሓት መልእኽትታት በጺሖምኒ እዮም። ተኸፊሉኩም ኢኹም ፕሮፖጋንዳ ትሰርሑ ዘለኹም ዝብሉና'ውን ኣለዉ" ትብል።