ቅልውላዉ ትግራይ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ንዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣሲሩ

ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ ግርማይ ገብሩ
መግለጺ ስእሊ,

ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ ግርማይ ገብሩ

ሰራዊት ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝጸንሐ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ግርማይ ገብሩ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ፡ ቢቢሲ ማእሰርቲ ጋዜጠኛኡ ከምዘሻቐሎ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ።

እቲ ጋዜጠኛ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዝርከብ ሓደ እንዳ ሻሂ'ዩ ወታሃደራዊ ልብሲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዝተኸድኑ ወታሃደራት ምስ ካልኦት 4 ሰባት ተወሲዱ።

መሰኻኽር ዓይኒ ከምዝበልዎ፡ ግርማይ ወታሃደራዊ ክዳን ሰራዊት ፈደራል ብዝለበሱ ወታሃደራት ናብ ሓደ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ወታሃደራዊ መዓስከር ተወሲዱ'ሎ።

ስለምንታይ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ዛጊት ዝተፈልጠ የለን። ቢቢሲ ጋዜጠኛኡ ኣብ ቀይዲ ምእታዉ ከምዘሻቐሎ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ'ሎ።

ውሃቢ ቃል ቢቢሲ "ስክፍታና ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጽና ኣለና፤ ምላሾም ኸኣ ንጽበ ኣለና" ኢሉ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ክልተ ንጋዜጠኛታት ኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒን ፋይናንሻል ታይምስ ዝተባህለ ጋዜጣን ዝትርጉሙን ዝተሓጋገዙን ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም'ዩ ጋዜጠኛ ቢቢሲ'ውን ተኣሲሩ ዘሎ።

ሓደ ታምራት የማነ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ'ውን ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ብሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ምህላዉ ይፍለጥ።

ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ትካል ሲፒጄ፡ ነዚ ማእሰርትታት ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ኣሲርዎም ዘሎ ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ሚድያን ክፈትሕን፡ መራኸብቲ ብዙሓን ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንጺ ከይፈርሑ ክጽብጽቡ ከፍቅድን" ጸዊዑ'ሎ።

ብዛዕባ እዚ ማእሰርትታት ርእይቶ ንምርካብ ናብ ግዚያዊ ኣመሓዳሪ ትግራይ ሙሉ ነጋ ከምዝደወለ ዝገለጸ ሲፒጄ፡ ንሱ ስልኩ ከምዘየልዓለ ገሊጹ።

ክልል ትግራይ ካብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ፡ ኣብ ትሕቲ ወታሃደራዊ እዚ ኣትያ ምህላዋ ይፍለጥ።

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ወርሒ፡ ሰራዊት ፈደራል ንከተማ መቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ እቲ ኣንጻር ሓይልታት ህወሓት ዝኣወጆ ወታሃደራዊ ስርሒት ከምዝተዛዘመ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ግጭት፡ ብ3 ሕዳር 2020 ሓይልታት ህወሓት ንሰራዊት ሰሜን እዚ ብምጥቃዕ፡ መዓስከራቱ ድሕሪ ምቁጽጻሮም'ዩ ተወሊዑ።

ኣብቲ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት። ኣብቲ ክልል ሓያሎ ገበናት ከምዝተፈጸሙ ይግለጽ። እቲ ኲናት ሰፊሕ ምፍንቓል ዝርከቦ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ'ሎ።

ዓለምለኻውያን ናይ ዜና ትካላት ናብቲ ክልል ከይኣትዉ ንኣዋርሕ ድሕሪ ምእጋዱ፡ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጋዜጠኛታቶም ናብቲ ክልል ብምእታው ክጽብጽቡ ኣፍቂዱ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓደ ብዓልስልጣን ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና፡ "ኣብ ልዕሊ'ቶም ንዓለምለኻውያን ማዕከናት ዜና ዘጋግዩ ስጉምቲ ክውሰድ'ዩ" ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ኣግልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒን ፋይናንሻል ታይምስን ኣብ ትግራይ ኣትዮም ክጽብጽቡ ካብ ብዓልመዚ ብሮድካስቲንግ ኢትዮጵያን ሚኒስትሪ ሰላምን ፍቓድ ተዋሂብዎም'ዩ።

"ብዛዕባ'ቲ ኣብ ልዕሊ ፍጹም ብርሃነ ዝቐረበ ክሲ ዝተነግረና የለን። ብህጹጽ ክፍታሕ ድማ ንጽውዕ" ክብል ኣካያዲ ጉዳያት ዓለም ኤ-ኤፍ-ፒ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ተዛሪቡ።

ፋይናንሻል ታይምስ ብወገኑ፡ ነቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ተርጎምቲ ንምውጻእ "ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲታት" ንወስድ ኣለና ክብል ገሊጹ'ሎ።

ዋላ'ኳ ኣብ መወዳእታ ሕዳር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሰራዊቱ ንመቐለ ድሕሪ ምሓዝ፡ እቲ ዝኣወጆ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ብዓወት ከምዝተዛዘመ እንተገለጸ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ረጽሚ ይቕጽል ከምዘሎ ይንገር። እቲ ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣብታ ክልል ዝኣወጆ ህጹጽ ግዜ'ውን ጸኒዑ'ሎ።