ኮቪድ-19፡ ኣብ መዕቆቢ አንስሳት ሳንድያጎ፡ ንኣህባይ ናይ ፈተነ ክታበት ኮቪድ-19 ተዋሂቡ

ምንጪ ስእሊ, San Diego Zoo/Jennifer MacEwen
ኣብ መዕቆቢ እንስሳት ሳንዲያጎ ኣብ ዓበይቲ ኣህባይ ኮሮናቫይረስ ድሕሪ ምልብዑ፡ ብዙሓት ኣህባይ ንእንስሳታት ዝተዳለወ ናይ ፈተነ ክታበት ኮቪድ-19 ከምዝተውሃቦም ተገሊጹ፡፡
ኣርባዕተ 'ኦራንጉታን' ከምኡ ድማ ሓሙሽተ 'ባኖቦስ' ዝዓሌተም ኣህባይ ነፍሲወከፎም ዞቲስ ዝተባህለ ትካል መድሃኒት ዘፍረዮ ክልተ ብልቃጥ ክታበት ተዋሂቡዎም ኣሎ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ኣብ መዕቆቢ እንስሳት ሳንዲያጎ፡ ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም 8 'ጉሪላታት' ፈላሞት እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ኣህባይ እዮም፡፡
እቶም ኣህባይ፡ ካብቲ ቫይረስ ይሓውዩ ከምዝለዉ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ሰብሞያ ሓለዋ እንስሳት ግና ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ኣህባይ ዘሎ ስግኣት እቲ ለበዳ ኣሻቒልዎም ኣሎ፡፡
ብፍላይ ኩነታት እቶም ኣብ ሓደጋ ምጽናት ተመዝጊቦም ዝርከቡ ዓሌት ጉሪላ ከምዘሻቕሎም እቶም ሰብ ሞያ ይዛረቡ፡፡
ኣብ መዕቆቢ እንስሳት ሳንዲያጎ ላዕለወይቲ በዓልቲ ሞያ ሓለዋ፡ ናዲን ላምበርስኪ፡ ፈተነ እቲ ክታበት ዘይተለመደ ምዃኑ ብምግላጽ ‘‘ብክንድዚ ቅልጣፈ ናይ ፈተነ ክታበት ክቕርብ ርእየ ኣይፈልጥን፤ ነቲ ክታበት ንምርካብ ድማ ከምዚ እዋን ዓብዪ ድልየት ሓዲሩኒ ኣይፈልጥን’’ ኢላ፡፡
ኣብ 1994 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ፡ ፈላማይ መጥባሕቲ ልቢ ዝተገበረላ ካረን ተባሂላ እትጽዋዕ ኦሮንጉተን፡ ካብተን ክታበት ዝተውሃበን ኣህባይ እያ፡፡
ኣብቶም ክታበት ዝወሰዱ ኣህባይ ዘተፈለየ ጎናዊ ሳዕቤን ከምዘይረኣየት እትገልጽ ላምበርስኪ፡ ዕውትነት እቲ ክታበት ንምርግጋጽ ኣብ ቀረባ ምርመራ ኣንቲቦዲ ከምዝግበረሎም ተዛሪባ፡፡
ኮሮረናቫይረስ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ እንስሳት ብሮንክስ ኣብ ኣናብስን ነብርታትን፡ ኣብ ባርሴሎና ድማ ኣብ ኣናብስ ከምዝተረኸበ ይፍለጥ፡፡
እቲ ቫይረስ ብተመሳሳሊ ኣብ ድሙን ከልብን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ እንስሳት ዝተርኣየ ኮይኑ፡ መጠን እቲ መልከፍቲ ግን ብሓፈሻ ውሑድ እዩ፡፡
ትካል ኣፍራዪ መድሃኒት ዞይስ፡ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሆንግ ኮንግ ኣብ ከልቢ ምስተረኸበ ክታበት ምምዕባል ዝጀመረ ኮይኑ፡ እቲ ክትበት ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ንከልብን ድሙን ውሑስ ምዃኑ ተረጋጊጹ እዩ፡፡
እቲ ክታበት ክሳብ ለካቲት እዚ ዓመት ኣብ ካልኦት እንስሳት ዘይተፈተነ እንትኾን፡ ንከልብን ድሙን ዝወሃብ ክታበት ንኣንበሳን ነብርን ምሃብ ልሙድ ከምዝኾነ በዓልቲ ሞያ ሐለዋ እንስሳት ላምበርስኪ ንናሽናል ጂኦግራፊክ ተዛሪባ፡፡