ሰሜን ኮርያ: ሓፍቲ ኪም ጆንግ-ኡን ንኣመሪካ 'ሕማቕ ኣይተጭንውና' ክትብል ኣጠንቂቓ

ኣብ 2018 ናይ ክልቲአን ኮርያ ናይ ሰላም ኣኼባ ኣብ ዝተሳተፍሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ኪም ጆንግ-ኡን ምስ ሓያል ሓፍቱ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ሓድሽ ፖሊሲ ዕላዊ ንክገብር ኣብ ዝዳለወሉ ኣብ'ዚ ሕዚ እዋን፡ ዓብዪ ጽልዋ ዘለዋ፡ ሓፍቲ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን፡ ንኣመሪካ 'ሕማቅ ኣይተጭንውና' ክትብል ኣጠንቂቓ።

ኪም ዮ-ጆንግ፡ ኣብ'ቲ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ወጺኣ ዝተዛረበቶ፡ ኣመሪካን ደቡብ ኮርያን ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ልምምድ ምግባረን ነቒፋ።

እቲ ርእይቶ ዝሃበትሉ መዓልቲ ድማ፡ ላዕለዎት ሰብ-ስልጣን ኣመሪካ፡ ናብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኮርያ [ሲኦል] ክበጽሑ ምዃኑ ኣብ ዝተዘርበሉ፡ ድሮ እዩ ዝኸውን ዘሎ።

መንግስቲ ኣመሪካ ንሰሙናት ዝኣክል ምስ ሰበ-ስልጣን ሰሜን ኮርያ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ንምጅማር ጻዕሪ ከምዝገበሩ'ኳ እንተገለጹ፡ ሰማዒ ከምዝሰኣኑ እዮም ዝዛረቡ።

መንግሰቲ ሰሜን ኮርያ፡ ጆ ባይደን ስልጣን ተረኪቡ ከም ዘሎ ንምቕባል ጌና ድልው ኣይኮነን።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ምምዕባል ኣጽዋራት ኑኩሌርን ሚሳኤልን ኣይቀዳደዋን።

ኪም ዮ-ጆንግ፡ ሮዶንግ ሲሙን ዝበሃል መንግታዊ ጋዜጣ ከምዝጠቐሶ፡ "ነቲ ባሕሪ ሰጊሩ ኣብ ምድርና ባሩድ ከጭኑ ዝፍትን ንዘሎ ምምሕዳር ኣመሪካ፡ ሓንቲ ናይ ምኽሪ ቃል ኣላትኒ" ኢላ።

"ንመጻእቲ ኣርባዕተ ዓመታት ብሰላም ክድቅስ እንተደልዩ፤ ቀዳማይ ነገር ሕማቕ ጨና እንተዘይሰደልና" ክትብል ኣጠንቂቓ።

ሃገራ ኣብ ጉዳይ ናይ ክልቲአን ሃገራት -ደቡብ ኮርያን ኣመሪካን - ሓበረዊ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ ዘለዋ ተቓውሞ ድማ ኣንጸባሪቓ።

"ደቡብ ኮርያ ሕዚ'ውን ደጊሙ ኲናት ይጽሕትር ኣሎ። ናብ ቅልውላው ኲናት ይስጉም ኣሎ" ብምባል ተቓውሞኣ ገሊጻ።

ኣብዚ ሰሙን፡ ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ከምኡ'ውን ዋና ጸሓፊ ክፍሊ ምክልኻል ሃገር ሎይድ ኣውስቲን፡ ናብ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ዝገበርዎ ዑደት፡ ጉዳይ ኑክሌር ዓብዪ ዛዕባ ከምዝኾነ ዘመላኽት እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ዶናልድ ትራምፕ ምስ ኪም ጆንግ-ኡን

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ሓድሽ ምምሕዳሩ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዝኽተሎ ፖሊሲ ከምዝገምገመን፡ ኣብ መጻኢ ወርሒ ዕላዊ ከምዝገብርን እዩ ኣፍሊጡ ዘሎ።

ኣብ እዋን ጎስጓስ መረጻ፡ ባይደን ንመራሒ ሰሜን ኮርያ 'ዒባ?' ዝበሎ ኮይኑ፡ ከምኡ'ውን ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ምፍዃሱ እቶም ኑክሌር ዝልሕመሎም ማእከላት ሰሜን ኮርያ ክዓንዉ ኣለዎም ምባሉን ዝዝከር እዩ።

ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሰሜን ኮርያን ዘሎ ርክብ እናተበላሸወ ዝመጸአ፡ ኣብ 2017 ሰሜን ኮርያ ንከተማታት ኣመሪካ ከዕንው ዝኽእል ሚሳይላት ምፍታና ስዒቡ እዩ።

እቲ ዝጸንሐ ወጥሪ፡ ትራምፕ ምስ ፕረዚደንት ኪም ብዘዝፈጠሮ ውልቃዊ ርክባት ከዘሓሕሎ ፈቲኑ ነይሩ፡ ።

እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ሲንጋፑርን ቬትናምን ዝካየድ ዝነበረ ነቲ ኑክሌር ናይ ምምካን ዛዕባ ዝምለከቱ ተኸታተልቲ አኼባታት ውጽኢት ኣየፍረዩን።