ዕጡቓት ሞዛምቢክ ቆልዑ ይሓርዱ ምህላዎም ሓደ ትካል ረድኤት ጸብጺቡ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብምኽንያት እቲ ጎንጺ ክሳዕ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ንጥምየት ተቓሊዑ ከም ዘሎ ህጻናት ኣድሕን ይገልጽ
ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ካቦ ደልጋዶ፡ ሞዛምቢክ፡ እስላማውያን ዕጡቓት፡ ደቂ 11 ዓመት ዝርከብዎም ቆልዑ ይሓርዱ ከም ዘለው 'ሴቭ ዘ ቺልድረን' [ህጻናት ኣድሕን] ዝተባህለ ትካል ረድኤት ሓቢሩ።
ሓንቲ ኣደ ነቲ ትካል ኣብ ዝሃበቶ ምስክርነት፡ ኣብቲ ምስ ካልኦት ቆልዑ ተሓቢኣትሉ ኣብ ዝነበረት ስፍራ ወዲ 12 ውላዳ ክቕተል ከሎ እናረኣየት፡ ዝረድኣ ከም ዘይረኸበት ተዛሪባ።
እቲ እስላማዊ ጉጅለ ኣብቲ ዞባ ምንቅስቓስ ካብ ዝጀመረሉ 2017 ንደሓር ልዕሊ 2500 ሰባት ክቕተሉ እንከለው፤ 700,000 ካብ መንበሪኦም ከም እተመዛበሉ ይግለጽ።
እቶም እስላማውያን ዕጡቓት፡ ምስ እላማዊ ጉጅለ ኣይኤስ ርክብ ከም ዘለዎም ይፍለጥ።
'ሴቭ ዘቺልድረን' ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነ ዞባ፡ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉን ዘስካሕክሕ ክስተታት ዝረኣዩን ስድራቤታት ከም ዘዘራረበ ሓቢሩ።
ሓንቲ ኤልሳ ዝተባህለት ኣደ ወዳ ኣብ ከባቢ እቲ ምስ ካልኦት ደቃ ተሓቢኣ ኣብ ዝነበረትሉ ከባቢ ብኸመይ ከም ዝተቐትለ ክትነግር ከላ ከምዚ ትብል።
"ኣብ ገዛይ ምስ ኣርባዕተ ደቀይ እየ ነይረ። ሽዑ ምሸት እቲ ቁሸት መጥቃዕቲ በጺሕዎ፡ ኣባይትና'ውን ተቓጺሉ። ናብቲ ጫካ ክንሃድም ፈቲንና፤ ነቲ በኹሪ ወደይ ግና ሒዞም ክሳዱ ሰዪፎምዎ። ዋላ ሓደ ክንገብሮ እንኽእል ነገር ኣይነበረን፤ ምኽንያቱ ንኣና'ውን ኣይምሓደጉናን" ኢላ።
ካልእ ኣመልያ ዝተባህለት ኣደ ብወገና ንሳን ካልኦት ሰለሰተ ደቃን ክሃድሙ ኣብ ዝተገደዱሉ፡ ወዳ በቶም ዕጡቓት ከም ዝተቐትለ ተዛሪባ።
"ወዲ 11 ዓመት ውላደይ ምስ ተቐትለ፡ እቲ ቁሸት ውሑስ ከም ዘይኾነ ተረዲኡና፤ ናብቲ ኣቦይ ዝነበረሉ ካልእ ቁሸት ሃዲምና። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ግና ኣብኡ'ውን እቲ መጥቃዕቲ ጀሚሩ" ኢላ።
ኣብ ሞዛምቢክ ዳይሬክተር ህጻናት ኣድሕን፡ ቻንስ ብሪግስ ጸብጻባት እቲ ኣብ ህጻናት ዝተፈጸመ ቅትለት ዘሰቅቕ ምዃኑ ይሕብር።
"ነቲ በተን ኣዴታት ዝንገር ዛንታታት ክሰምዑ ከለው፡ ኣባላትና ብንብዓት እዮም ጠልቅዮም፤ እዚ ጎንጺ ደው ክብል ኣለዎ። እተን ዝተመዛበላ ስድራቤታት'ውን ከሕገዛ የድልይ" ኢሉ።
እቶም እስላማውያን ዕጡቓት ሰባት ከም ዝሓርዱ ዝገልጹ ጸብጻባት ኣቐዲሞም ወጽዮም ነይሮም እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር፡ ኣብ ዞባ ካቦ ደልጋዶ ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ፡ ልዕሊ 50 ሰባት ከም ዝተሓረዱ፡ መንግስታዊ ማእከን ዜና እታ ሃገር ጸብጺቡ ነይሩ።