ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን “ሓዳር ሕደ ፆታውያን ኣይትባርኽን” ኢላ

ሊቀ ጳጳስ ፍራንሲስ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን፡ ጥምረት ሕደ ፆታውያን ናይ ምብራኽ ስልጣን ከምዘይብላ፡ ጉባኤ ንኣስተምህሮ እምነት ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጉባኤ ንኣስተምህሮ እምነት [CDF]፡ ትማሊ ሰኑይ ከምዝሓበሮ፡ ኣምላኽ “ንሓጥያት ክባርኽ ኣይከኣሎን” ኢሉ።

እንተኾነ፡ ኣብ ርክብ ሕደ-ፆታውያን “እወንታዊ ባእታታት” ከምዘለዉ ገሊፁ።

ሊቀ ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ሕደ-ፆታውያን ዝኾኑ መፃምዲ፡ ሲቪላዊ ጥምረት (ሲቪል ዩንየን) ክህልዎም ክፍቀደሎም ይግባእ ምባሎም ይዝከር።

ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ባርኾት ንቐሺ ወይ ድማ ብስም እታ ቤተክርስትያን ብካልእ ሚኒስቴር እዩ ዝወሃብ።

ሊቀ ጳጳስ ፍራንሲስ “ቅኑዕ ብዘይኮነ መገዲ ኣድልዎ ንምፍጣር ዘይኮነስ፡ ሓቃውነት እቲ ስርዓት ዶግማን ቀኖናን ንምዝኽኻር እዩ” ብምባል፡ ነቲ ኣብ ሕደ ፆታውያን ኣመልኪቱ ብ ‘CDF’ ዝተውሃበ ምላሽ፡ ኣፅዲቐሞ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ኣብ ኣሜሪካን ጀርመንን ሓዊሱ፡ ገለ ኣስተምህሮ እታ ቤተ-ክርስትያን ንሕደ ፆታውያን ባርኾት ምሃብ ከምዝጀመራ፡ ማዕኸን ዜና ሮይተርስ ፀብፂቡ።

ጉባኤ ንኣስተምህሮ እምነት፡ እዛ ቤተክርስትያን ንሕደ ፆታውያን ባርኾት ትህብ ድያ? ዝብል ሕቶ ኣብ ዝቀረበሉ ግዘ እዩ፡ “ኣይፋሉን” ዝብል ምላሽ ሂቡሉ ዘሎ።

ኣብ ሞንጎ ጓል ኣንስተይትን ወዲ ተባዕታይን ዝግበር መርዓ ክቡር ሃይማኖታዊ ፅምብል ከምዝኾነ ብምግላፅ፡ ባርኾት ንሕደ ፆታውያን ክወሃብ ኣይኽእልን ኢሉ።

“ብምኽንያት እዚ፡ ካብ ሓዳር ወፃኢ ፆታዊ ርክብ ንዝፈፀሙ መፃምዲ፡ ዋላ ርክቦም ፅኑዕ ይኹን፡ ባርኾት ምሃብ ሕጋዊ ኣይኮነን። እዚ ዋላ ንሕደ ፆታውያን መፃምዲ ዝሓውስ እዩ” ኢሉ ኣሎ፡ ሰረተ-እምነት ቤት-ፅሕፈት ቫቲካን ።

ነዚ ስዒቡ፡ ሕደ ፆታውያን ዝኾኑ ብዙሓት ሰባት፡ ናይ መርዕኦም ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብምልጣፍ፡ ንቅዋም እታ ቤተክርስትያን ይቃወምዎ ኣለዉ።

ኣብ 2013 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ሊቀ ጳጳስ ፍራንሲስ፡ “ ኣነ መን ስለዝኾንኩ እየ፡ ንሕደ ፆታውያን ሰባት ዝፈርድ?” ኢሎም ኔሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ኣብ ሓደ ሰነዳዊ ምድላው፡ “ሕደ ፆታውያን ዝኾኑ ሰባት ኣካል ስድራ ናይ ምዃን መሰል ኣለዎም፤ ደቂ ኣምላኽ እዮም” ምባሎም ይዝከር።