ምክትል ፕረዝደንት ሶማሊላንድ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ

ምንጪ ስእሊ, Tweeter @VPsomaliland
ምክትል ፕረዝደንት ሶማሊላንድ ዓብድራሓማን ሳይሊሲ
ምክትል ፕረዝደንት ሶማሊላንድ ዓብድራሓማን ሳይሊሲ፡ ብኮሮናቫይረስ ምልካፉ ብምርመራ ከምዘረጋገፀ ኣፍሊጡ።
እቲ ምክትል ፕረዝደንት ትማሊ ብመገዲ ትዊተር ከምዝሓበሮ፡ "ህዝቢ ሶማሊላንድ፡ ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ብኮሮናቫይረስ ከምዝሓመምኩ ክሕብረኩም እደሊ” ኢሉ።
ህዝቢ፡ ብሰብመዚ ጥዕና ዝተቐመጡ መምርሕታት ኮቪድ-19 ከኸብሩን፡ ንዑ ድማ ክፅልይሉን ተማሕፂኑ።
ሶማሊላንድ፡ ድሕሪ መሪር ኲናት ሕድሕድ ፡ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶማልያ ፡ ኣብ 1991 ካብ ሶማልያ ብምፍላይ ብባዕላዊ ውሳነ ከም ሃገር ከምዝኣወጀት ይዝከር።
እንተኾነ፡ እታ 3.5 ሚሊየን በዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሶማሊላንድ፡ ዛጊድ ብደርጃ ዓለም ኣፍልጦ ኣይረኸበትን ዘላ።