ኮሮናቫይረስ ዘስግኣ ብሪጣንያ ካብ ኢትዮጵያ ዝኸድዋ ገያሾ ክትእግድ’ያ

ናብ ዓዲ እንግሊዝ ትኣቱ ዘላ ገያሺት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዓባይ ብሪጣንያ: ብምኽንያት ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ካብ ኣርባዕተ ሃገራት ዝግበር መገሻታት ካብ ዓርቢ ዝጅምር እገዳ ከምዘንበረት ኣፍሊጣ።

ቅድም ክብል’ውን ኣብ ልዕሊ 30 ሃገራት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ዝወሰደት ብሪጣንያ ሕዚ ድማ ንኢትዮጵያ፣ ቐጠር፣ ኦማንን ሶማልያን ናብቲ ዝርዝር ኣካቲታ’ላ።

እቲ ስጉምቲ: ብወፍሪ ዝወሃብ ዘሎ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ኣብ ዘለሉ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ብራዚልን ንዝተረኣዩ ዓሌታት እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ዝተወስደ’ዩ።

ኣብቲ “ቀይሕ ዝርዝር” ዝብል ስያመ ዝሃበቶ መዝገብ ዝሰፈራ ኢትዮጵያ ትርከበን ሃገራት ካብ ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ 10 መጋቢት 2013 (19 መጋቢት 2021) ጀሚሩ ናብተን ሃገራት ዝበጽሑ ወይ በተን ሃገራት ዝሓለፉ ገያሾ ናብ እንግሊዝ ክኣትዉ ኣይክፍቀደሎምን እዩ።

እቶም ገያሾ ዜጋታት ብሪጣንያ ወይ ኣየርላንድ ወይ ከኣ ናይ ነዊሕ እዋን ቪዛን መንበሪ ፍቓድን ዘለዎም እንተኾይኖም ግን ንኽኣትዉ ክፍቀደሎም እዩ። እዚ ንክኸውን ግን ብመንግስቲ ኣፍልጦ ኣብ ዝተወሃቦም መወሸቢ ማእኸላት ን10 መዓልታት ክጸንሑን ኣብ ሻምናይ መዓልቶም መርመራ ክገብሩን ክግደዱ እዮም።

ብዘይካ ገያሾ ካብተን ሃገራት ዝኸዳ ናይ ንግድን ውልቃውን ነፈርቲ እውን እገዳ ተነቢሩ’ሎ። እቲ እገዳ ንናይ ጽዕነት ነፈርቲ ከምዘይምልከት ተፈሊጡ።

ኣብቲ ዝርዝር ሰፊረን ናይ ዘለዋ ሃገራት ኩነታት በቢእዋኑ እናተረኣየ ዝውሰኻ ወይ ዝንከያ ክህልዋ እየን። በዚ መሰረት ካብተን ኣቐድም ኣቢለን ናብቲ ዝርዝር ኣትየን ዝጸንሓ ፖርቱጋልን ሞሪሽየስን እቲ ገደብ ከምዝተልዓለለን ተሓቢሩ’ሎ።

ዓዲ እንግሊዝ (ብሪጣንያ): ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ እገዳ ዘንበረትለን ሃገራት 30 ዝበጽሓ ኮይነን: እተን ዝበዝሓ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ማእኸላይ ምብራቕን ደቡብ ኣሜሪካን ዝርከባ እየን።

ኣብታ ሃገር ዛጊት፡ ልዕሊ 125,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ 4.2 ሚልዮን ተለኺፎም። ልዕሊ 8000 ካብቶም ዝተለኽፉ ኣብ ሆስፒታላት ይርከቡ።

እቲ ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ዕጽዋ በብቑሩብ ኣብ ዝፈዂሰሉ ዘሎ እዋን፡ ልዕሊ 24 ሚልዮን ሰባት ድሮ ቀዳማይ ክታበት ወሲዶም ኣለዉ።