ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ግዳያት ባርዕ የመን ስርዓተ ቀብሮም ተፈጺሙ

ስርዓተ ቀብሪ ግዳያት ባርዕ ኣብ የመን

ምንጪ ስእሊ, FB

ቅድሚ ሰሙን ኣብ የመን: ከተማ ሰንዓ ኣብ ዝርከብ መጽንሒ ስደተኛታት ብሰንኪ ዘጋጠመ ባርዕ ካብ ሞንጎ ዝሞቱ ሰባት እቶም 43 ስርዓተ ቀብሮም ከምዝተፈጸመ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል እቲ ሚንስትሪ: ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ንመራኸቢ ሓፋሽ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ከምዝሓበሮ፡ ካብ ሞንጎ’ቶም በቲ ዘጋጠመ ባርዕ ዝሞቱ 43 ስደተኛታት ክንደይ ኢትዮጵያውያን ይርከብዎም ዝብል ግን ብንጹር ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ሎሚ [ሰሉስ 16 መጋቢት] 150 ኣብታ ሃገር ዝጸንሑ ኢትዮጵያውን ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ’ውን ኣምባሳደር ዲና ገሊጹ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ተጣባቒ መሰላት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከምዘመልከቶ እንተኾይኑ ካብ ዓመጽቲ ሑቲ ብዝተተኮሰ ነታጒ እዩ እቲ ባርዕ ኣጋጢሙ።

“ጥንቃቐ ዘይተመልኦ ኣጠቓቕማ ኣጽዋር ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ዘኸተሎ ሞት፤ ህይወት ናይቶም ኣብታ ብዂናት ትሕመስ ዘላ የመን ዝርከቡ ስደተኛታት ክንድምንታይ ብሓደጋ ዝተኸበበ ምዃኑ ዘርእይ እዩ” ክብል እውን ኣብ መግለጺኡ ጠቒሱ።

እቲ ትካል ሰብኣዊ መሰላት: ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ: ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣብ ዝርከብ መጽንሒ ምስ ዘለዉ ሓሙሽተ ኢትዮጵያውያንን ኣብ የመን ዝርከቡ ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራትን ከምዝተዘራረበ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣብ ጉዳይ ጽርየትን ምጭንናቕን እቲ መጽንሒ ተቓውሞ ዘለዎም 550 ስደተኛታት ኣብ ኣድማ ምሕሳም ምግቢ ከምዝርከቡ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

እቶም ስደተኛታት ከምዝብልዎ: ኣብ ውሽጢ እቲ መጽንሒ ዓመታት ዘቑጸሩ ኮይኖም: ካብኡ ንምውጻእ ንሰራሕተኛታት ሓለዋ 70 ሽሕ ሪያል የመን (280 ዶላር) ክኸፍሉ ይግደዱ።

ካብቶም ሰራሕተኛታት ሓለዋ’ውን ዝተፈላለዩ ዓሌታውን ጸያፍን ጸርፍታት ከምዝበጽሕዎም ንሂዩማን ራይትስ ዎች ተዛሪቦም።

ዝበዝሑ ካብቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ዝሓበረ እቲ ትካል: ሓደጋ ምቑሳል ዘጋጠሞም ስደተኛታት ኣብ ሆስፒታል ከምዝርከቡ ገሊጹ።

ኣብ የመን መጽንሒ ስደተኛታት 6000 ሰባት ከምዝርከቡ ዝገልጽ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት (ኣይ-ኦ-ኤም) ብወገኑ: ካልኦት ኣሽሓት ድማ ብሰምሰርቲ (ኣስገርቲ) ተዓጊቶም ይርከቡ ይብል።

ብሰንኪ'ቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝተወስደ እገዳ መገሻታት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ናብ ካልኦት ሃገራት ከይሰግሩ ኣብ የመን ሓዲግ ተሪፎም ምህላዎም ይግለጽ።

ብፍላይ መበገሲኦም ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝኾነ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምእታዉ ንየመን ከምመሰጋገሪ ይጥቀሙላ።