ቅልውላዉ ትግራይ፡ ዝድለዩ ዘለዉ መራሕቲ ህወሓት ኢዶም ክህቡ ‘ናይ መወዳእታ መጸዋዕታ’ ቀሪብሎም’

ሓይሊታት ትግራይ

ብረት ዓጢቖም ኣብ ጎኒ ህወሓት ዝዋግኡ ዘለዉ "ተወለድቲ ክልል ትግራይ" ናብ ሰላማዊ ናብርኦም ክምለሱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸዊዑ።

መንግስቲ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ካብ ማእሰርትን ሞትን ዘምለጡን ዝድለዩ ዘለዉን ላዕለዎት ፖለቲካዊን ወታሃደራዊን መራሕቲ ህወሓት'ውን "ናይ ዜጋታት ደም ብኸንቱ ከይፈስስን "ንባዕሎም ካብ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ" ንምንጋፍን ኢዶም ክህቡ መጸዋዕታ ኣቕሪቡሎም።

መራሒ ክልል ትግራይን ህወሓትን ዝነበረ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝርከቦም ሓያሎ መራሕቲ ኣብ በረኻታት ትግራይ ይቃለሱ ምህላዎም ይንገር።

"ኣብ ልዕሊ'ቶም ነዚ ናይ መወዳእታ መጸዋዕታ ተጠቒሞም ንገዛእ ርእሶም ናብ ፍትሒ ዘየቕርቡ ላዕለዎት ወተሃደራዊን ፖለቲካዊን መራሕቲ ህወሓት ግን፡ ሕጊ ብዘፍቅዶ ኩሉ ዓይነት መንገዲ፡ ሕጊ ንምኽባር ተባሂሉ፡ ኣድላዪ ዝተባህለ ኩሉ ክፍጸም ምዃኑ ኣቐዲምና ንገልጽ" ክብል መንግስቲ ኣጠንቂቑ'ሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ መወዳእታ ሕዳር 2020 እቲ "ሕጊ ንምኽባር" ብዝብል ኣብ ትግራይ ዝኣወጆ ወታሃደራዊ ስርሒት ብዓወት ሰራዊት ፌደራል ከምዝተዛዘመ'ኳ ገሊጹ እንተነበረ፡ እቲ ኣብ ፈለማ ናይቲ ወርሒ ዝተወለዐ ኲናት ይቕጽል ምህላዉ ይፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, Tigray tv

መግለጺ ስእሊ,

ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

"በዚ መገዲ ካብቲ ገበነኛ ጉጅለ ተፈልዮም ናብ ሰላማዊ ናብርኦም ዝምለሱ ተወለድቲ ናይቲ ክልል ዝኾኑ ዜጋታት፡ ዝኾነ ሕጋዊ ተሓታትነት ከይሃለዎም፡ ካብ ገበናዊ ተግባራት ተቖጢቦም፡ ስርሖምን ናብርኦምን ብሰላም ክመርሑ ይኽእሉ'ዮም" ይብል እቲ መግለጺ።

"ነዞም ዜጋታት እዚኣቶም ብጽቡቕ ኩነታት ንምቕባል ክተሓባበሩን ደገፍ ክገብርሎምን ንዝምልከቶም ናይ ጸጥታ፡ ምምሕዳርን ኣኸበርቲ ሕጊ ትካላትን ኣድላዪ መምርሒ ተዋሂብዎም ኣሎ።"

ኣብቲ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግለጽ። ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ክፈናቐሉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 60,000 ካብቲ ኲናት ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ኣለዉ።

ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ትካላት ሰባዊ መሰላት፡ ኣብቲ ግጭት ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰባዊነትን ዝዳረግ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ተፈጺሞም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይገልጹ። ኩሎም ወገናት እቶም ጸብጻባት ብናጻ ኣካል ክምርመሩ ይጽውዑ።

ሓላፊት ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባቸለት፡ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጺሙ ዝተባህለ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓባራዊ መርመራ ንኽገብሩ ከምዝተሰማመዐት ኣፈኛ እቲ ትካል ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ።

ብዛዕባ'ቲ ቅልውላዉ ንምዝርራብ ፍሉይ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ትሰድድ ዘላ ኣመሪካ፡ ኣብቲ ክልል "ምጽናት ዓሌት" ይፍጸም ኣሎ ክትብል ከሲሳ'ላ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣመሪካ እቶም ኣብቲ ግፍዕታት ኢድ ኣለዎም ተባሂሎ ዝግለጹ ሓይልታት ኤርትራን ክልል ኣምሓራን ካብቲ ክልል ከወጹ ትጽውዕ። ኤርትራ ግን ነቲ ብተጣበቕቲ ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ ሰራዊታ ዝቐርብ ክስታት "ጃምላዊ ቅትለት" ትነጽጎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ኣብቲ ኲናት ዝተጋህሰ ሰባዊ መሰላት ከምዘየለ'ዩ ዝምጉት።

ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ህወሓት ዝቐርብ ክስታት መንግስቲ

ብ3 ሕዳር 2020 ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣብ ልዕሊ'ቲ ካብ ከተማ መቐለ ውጽእ ኢሉ ዝርከብ ቀንዲ መዓስከር ናይቲ ኣብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዕጥቅን ሰብን ዝሓየለ ምዃኑ ዝንገረሉ ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ተቖጻጺሮሞ።

ንጽባሒቱ 4 ሕዳር ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ እቲ ስጉምቲ "ቀይሕ መስመር ዝሰገረ'ዩ" ብምባል ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ወታሃደራዊ ሰጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።

ገለ መራሕቲ ህወሓት እቲ ዝወሰድዎ ስጉምቲ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ተወጢኑ ዝነበሩ ስጉምቲ ንምቕዳም ዝተወስደ 'ቅድመ-መጥቃዕቲ' ምዃኑ ምግላጾም ይዝከር።

ብድሕሪ'ቲ ፍጸመ መንግስቲ ፈደራል በቲ መጥቃዕቲ ክሕተቱ ኣለዎም ዝበሎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ወታሃደራዊን ፖለቲካውን መራሕቲ ህወሓት ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ ኣዚዙ።

ንምሓዞም ድማ ኣብ ትግራይ ብእዝታት፡ ነፈርቲ ውግእ፡ ሰብኣልቦ ነፈርቲን፡ ከምኡ'ውን ሓይልታት ጸጥታ ክልል ኣምሓራ ዝተደገፈ ገዚፍ ወታሃደራዊ ወፍሪ ጀሚሩ።

ኣብቲ እዋን ንክልል ትግራይ ዝመርሑ ዝነበሩ መራሕቲ ህወሓት ብወገኖም፡ ኣንጻር'ቶም "ወረርቲ" ኢሎም ዝገልጽዎም ሓይልታት መንግስቲ ከምዝቃለሱ ብምፍላጥ፡ ካብ ከተማታት ተደፊኦም ኣብ በረኻታት ትግራይ ደባይ ተዋጋእቲ ኮይኖም ቀጺሎም።

'ኣንጻር ማእከላይ መንግስቲ ዕጥቃዊ ተቓውሞ' ምክያዶም ሓደ ካብቲ ቀሪብሎም ዘሎ ክሲ'ዩ።

ኣብ ዝቐጸሉ ወታሃደራዊ ስርሒታት ድማ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ሓያሎ ቀንዲ መስረቲን መራሕትን ህወሓት ዝኾኑን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ዝነበሩን ቀቲሉን ኣሲሩን።

ንኣስታት 20 ዓመት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ዝሰርሐን ሓደ ካብ ቀዳሞት መስረቲ ህወሓትን ዝኾነ ኣቶ ስዩም መስፍንን መዘናኡ ብዓል-ስልጣን መንግስቲ ነበርን ሓደ ካብ መስረቲ ህወሓትን ኣቶ ኣባይ ጸሃየን ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ 2021 ተቐቲሎም። ዓይነስዉርን ስንኩልን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓት ዝነበረ ኣቶ ኣስመላሽ ወልደስላሰ'ውን ምስኦም ተቐቲሉ።

ሓደ ካብ ፍሉጣት መራሕቲ ህወሓት ዝኾነን ዓቢ ጽልዋ ከምዝነበሮ ዝንገረሉን ኣቶ ስብሓት ነጋ ድማ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ጥሪ 2021 ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። ንሱ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ሌ/ኮለነል ጻዕዱ ሪችን፡ ሓፍቱ ቅዱሳን ነጋን'ዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዘሎ።

ብዘይካኡ፡ ንነዊሕ ኣዋን ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ኮይኑ ዘገልገለ ኣቶ ኣባይ ወልዱ፡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ናይቲ ክልልን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ዝነበረ ዶ/ር ኣብራሃም ተኸስተ ዝርከቦም ሓያሎ መራሕቲ ትግራይ'ውን ተኣሲሮም ኣለዉ።

ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መንግስቲ መጥቃዕቲ ፈጺሞም፡ ኣንጻር መንግስቲ ዕጥቃዊ ተቓውሞ ኣካይዶም ዝብሉ ክስታት ቀሪቦምሎም ኣለዉ።

ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ሓንቲ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝነበረት ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም ድማ "ኢዳ ሂባ" ንኣዋርሕ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ተፈቲሓ'ላ።

ምንጪ ስእሊ, House of Federation

መግለጺ ስእሊ,

ኣፈጉባኤ ባይቶ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ነበር ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም

ኣመዓባብላ ናይቲ ኵናት

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።

ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ዓትዒትዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ።

ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለዘይተቐበሎ ከምዝወጽእ ኣነጺሩ። ኣብ ክፍላ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ። በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ።

ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።

እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ "ዘይሕገመንግስታዊን" "ዘይሕጋውን" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ ነጺግዎ። ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከምዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ'ውን፡ እታ ኣፈጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝነበረትን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ዝነበረት ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም እቲ ውሳነ ከይሓለፈ እንከሎ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ወሪዳ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ድሕሪ ምጽዳቑ ኸኣ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ብ12 ሰነ 2020 ወሲኑ።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ክልላዊ ምርጫ ከካይዶ'ኳ ብወገን ትግራይ ጠለብ ቀሪቡሉ እንተነበረ፡ ስለዝነጸጎ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ተገዲዱ።

ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ።

ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።

'ክራይስስ ግሩፕ' ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ እቲ ምትፍናን ናብ ጎነጽ ከየምረሐ እንከሎ ብልዝብ ክፍታሕ ኣለዎ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ብውገን ህወሓት፡ ዝርርብ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕን ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክፍጠርን ዝብል ቅድመ ኵነት ቀሪቡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መወዳእታ ሓምለ 2020 ምስ መደበር ቴሌቪዥን ፋና ብትግርኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ምስ ክልል ትግራይ ናይ ምውጋእ መደብ እንተለዎ ምስ ተሓተተ፡ "ናይ ዕብዳን ዘረባ'ዩ፡ ካብ [ባሃሊኡ] ደጋሚኡ" ክብል መሊሱ። ንሱ ይኹን እቲ ዝመርሖ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ንህዝቢ ትግራይ ናይ ምጉዳእ ሃቐነ ከም ዘይብሎም'ውን ገሊጹ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ እናኸረረ ዝመጸ ምትፍናንን ወጥሪን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕን ሰፊሕን ኲናት ኣምሪሑ፡ ኣብቲ ክልል ከቢድ ቅልውላዉ ፈጢሩ ይርከብ።