እታ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝሓየለት ጓለንስተይቲ ኪም ዮ ጆንግ መን እያ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኣብ ሚድያ ክትረአ ዝጀመረት ኪም ዮ ጆንግ፡ ንፕረዚደንት ሰሜን ኮሪያ ኪም ጁንግ ኡን ንእሽቶ ሓፍቱ እያ።
ኣብ ሰሜን ኮርያ መን ንመን ከምዝእዝዝ ኣይፍለጥን እዩ። ግን ልዕሊ'ቲ መንእሰይ መራሕ እታ ሃገር ኪም የለን። ንሱ ገባርን ሓዳግን እዩ። ኩሉ ሰብ ብትሕቲኡ እዩ፤ ካብቶም ታሕተዎትን ማእከሎትን ግን ሓንቲ ተሰማዒት "ኪም ዮ ጆንግ" እትበሃል ጓለንስተይቲ ፖለቲከኛ ኣላ።
ኣብ ዝቕጽል ዛንታና ብኣሕጽሮም ኪም ኢልና ክንጽውዓ ኢና። ንምዃኑ ኪም መን እያ።
ንመጀመርያ ግዜ ብቓልዕ ዝተራእየትሉ ኣብ 2018 እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ምስ ሓዋ ናብ ደቡብ ኮርያ ንመንግስታዊ ምብጻሕ ከይዳ። ሽዑኡ ክልተ ተጻረርቲ ሃገራት ናይ ክረምቲ ኦሊምፒክ ንምድላው ላዕልን ታሕትን ይብላ ነይረን።
ብድሕሪኡ ምስ ሓዋ ኮይና ናይ ደቡብ ኮሪያ ፕረዚዳንት ንሙን ጄ ኢንን፡ ናይ ቻይና ሺ ጂን ፒንግን ከምኡ እውን ናይ ኣመሪካ ፕሬዝዳንት ነበር ዶናልድ ትራምፕን ረኺባቶም። ኣብቲ እዋን እቲ "ኪም" ቀላል ሰብ ከምዘይኮነት ዓለም ከተስተውዕል ዝጀመረት። ኣብ ሚያዝያ 2000 ሓዋ ኪም ጆንግ ኡን ካብ መስኮት ቴሌቪዥን ጠፊኡ።
ህዝቢ እታ ሃገር፡ መራሒና ስለዝኸሰዐስ፡ ሽኮርያን ብዝሒ ደምን'ዶ በርቲዑዎ ይኸውን? መንከ ክትክኦ እዩ ክብል ኢሉ ተጨኒቑ። ሽዑ ተስፋ ሰሜን ኮሪያ "ኪም" እያ ነይራ።
ሓፍቲ ኪም ኣብ ጥቅምቲ 2017 ፖለቲካዊ ተራኣ ብወግዒ ተራእዩ። ሽዑ ከም ቅያር ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ተመዚዛ። ቅድሚኡ ዳይረክተር ፕሮፖጋንዳን ምንቕቓሕን እያ ነይራ።
ሕጂ እውን እንተኾነ ግን እቲ ስርሓ ኣይገደፈቶን። ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ሽማ ምስቶም ብኣመሪካ ማዕቀብ ዝተገብረሎም ሰበ ስልጣን ሰሜን ኮርያ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዑ ኣሎ።
ስለዝኾነ ማንም ናይ ኣመሪካ ኩባንያ ኮነ ግለሰብ ምስኣ ናይ ገንዘብ ተንከፍ ርክብ ከይህልዎ ብሕጊ ክልኩል እዩ። ኣብ ምድረ ኣመሪካ ብስማ ዝተመዝገበ ንብረት እንተልዩ ደስኪሉ ኣሎ። ኪም ሓዋ ኣብ ዝገብሮ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ኩሉ ሳዕ ኣላ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኪም ማዕረ ክንደይ ሓያል እያ?
ኣብታ ምስጢራዊት ሃገር ሰሜን ኮርያ መን ንመን ከምዝእዝዝ ንምፍላጥ ከቢድ እዩ። ስለዝኾነ ሓፍቲ-ኪም ማዕረ ከንደይ ስልጣን ከምዝተዋህባ እቲ ዝሃባ ሓዋ ጥራሕ እዩ ዝፈልጥ።
ብግዳም ከም ዝውረ ግን ኣብታ ሃገር ድሕሪ ሓዋ ብስልጣን ንዓኣ ዝወዳደር ሰብ ከምዘየሎ እዩ ዝዝረብ። ድሕሪ ኪም ብኻልኣይ ደረጃ እትስራዕ ተፈራሒት ሰብ ንሳ እያ።
ኪም ንወዲ የቾ ርዮንግ ሄ ከምዝተመርዓወት እዩ ዝዝረብ። ንሱ ናይ ሰሜን ኮሪያ ኮሚኒስት ፓርቲ ዋና ጸሓፊ እዩ። እቲ ሕሜታ ሓቂ እንተኾይኑ፡ ኪም ብመውስቦ እውን ዝያዳ ተፈራሒት ዝገብራ ምትእስሳር ፈጢራ ኣላ።
ምኽንያቱ ኣብ ሰሜን ኮርያ ጸሓፊ ሰልፊ፡ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ሰብ እዩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ፡ ኪም ኣንጻር ኣመሪካን ደቡብ ኮርያን ሓያል ዘፈራርሕ ዘረባ ክትዛረብ ተሰሚዓ።
ንኣመሪካ፡ "ንሰሜን ኮርያ ከይተቖጥዕያ" ክትብል ኣፈራሪሓታ። ኣብ ዝሓለፈ ሰነ በቶም ካብ ሃገራ ከዲዖም ናብ ደቡብ ብምኻድ ብባላንቺና በራሪ ጽሑፍ ብዝልእኩ ሰባት ተቖጢዓ፡ ሰራዊት ሃገራ ናብ ዶብ ደቡብ ኮርያ ከምእትልኽ ኣፈራሪሓ ነይራ።
ብድሕሪኡ ናይ ክልቲአን ኮርያታት ናይ ርከብ ኣብያተ ጽሕፈት ንኽዕጾ ኣዚዛ።
ኣብ ሰነ 16 ከኣ ከቢድ ነትጕ ተሰሚዑ። ምንጭታት ደቡብ ኮሪያ ከምዘረጋገጹዎ ከኣ እቲ ብ8 ሚሊዮን ዶላር ዝተሓደሰ ብደቡብ ኮሪያ ዝተለገሰ ናይ ክልቲአን ሃገራት ናይ ርክብ ቤት ጽሕፈት ከምዘይነበረ ተደምሲሱ።
ወሃቢት ትእዛዝ እቲ ዕንወት ከኣ ሓፍቲ ኪም ምዃና ተፊሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዘርኢ ሓረግ ኪም ከመይ እዩ?
ንመራሒ ሰሜን ኮሪያ ኪም ጆንግ ኡን ዝትክኡ ኣብቲ ዝርዝር ዝስርዑ ቀዳሞት ሰባት ናይ ኪም ቤተሰብ እዮም። ኣብ ፕሮፓጋንዳ እታ ሃገር ንዘመናት ክንገር ዝጸንሐ ሰሜን ኮሪያ 'ፓክቱ' በዝበሃል ናይ ዘርኢ ሓረግ እያ ትመሓደር።
እቲ ነታ ሃገር ዝመስረታ ሓረግ ከኣ ከይዱ ከይዱ ኣብ ኪም ኢል ሱንግ እዩ ዝዓልብ።
እዚ መንእሰይ መራሒ ኪም ጆንግ ኡን ብወግዕን ብምስጢርን ዝወለዶም ብርክት ዝበሉ ዓቕመ ኣዳም ዘይበጽሑ ናእሽቱ ቖልዑ ኣለውዎ። ሓፍቱ ኪም ናይቲ ፓክቲ ዝበሃል ሓረግ ስለዘለዋ ሓዋ ገለ ነገር እንተኾይኑ ካብኣ ንላዕሊ ስልጣን ክርከብ ዝኽእል መራሕ የለን ኣብታ ሃገር።
ኪም ዮ ጆንግ ፡ ጓል መራሒ ሰሜን ኮሪያ ነበር ሓፍቲ ኪም ጆንግ ኢል እያ። ንሳን ሓዋን ካብ በቦን ኣደን አሕዋት እዮም። ቾል ዝበሃል ሳልሳይ ሓዎም እውን ኣለዎን ግን ኣብ ፖለቲካ ተገዳስነት የብሎምን።
ኪም ኣብ 1987 እያ ተወሊዳ። ካብ ሓዋ ኪም ጆንግ ኡን ብ4 ዓመት ትንእስ። ክልቲኦም ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ በርን እዮም ተማሂሮምን ንዝተወሰነ ዓመታት ነቢሮምን። ሰበስልጣን ስዊዘርላንድ ከምዝብልዎ ኪም ብብዙሓት ቅሉዓትን ምስጢራውያን ሓለውቲ ክትትል እናተገብረላ እያ ተማሂራን ነቢራን።
ሓንሳብ ሰዓል ሒዙዋስ ብጉያ ጉያ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስደትን፡ ብሰንኪ ጽዑቕ ሓለዋ ተነጺላ ምስ ዘመድን ፈታውን ከይተራኸበት ከምዝዓበየት ይዝረብ።
ሕጂ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዘለዋ ሓላፍነት እኳ ብግቡእ ዘይፍለጥ እንተኾነ ብቐንዱ ግን ምስልን ስምን ሓዋ ንምዕባይ እያ ክትሰርሕ ጸኒሓ። ናይ ሓዋ ቀንዲ ፖለቲካዊት ኣማኻሪት ምዃና ካብቲ እትሰርሖ ስራሕ ክግመት ይከኣል።
ኣብ 2019፡ ኪም፡ ኣብ ቬትናም ሀኖይ ምስ ትራምፕ ተራኺቦም ነይሮም ግን ርክቦም ፍረ ኣይነበሮን። ብድሕሪኡ ካብ መስኮት ተለቪዥን ርሒቓ ነይራ። ሽዑኡ ምናልባት ካብ ስልጣና ተሰጉጋ'ዶ ኾይና ተባሂሉ ነይሩ።
እንተኾነ ኣብ 2020 ተለዋጢት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኮይና ስርሓ ተሰላስል ኣላ።
ኣብ 2011 አቦኣ ክመውት እንከሎ ኣብ ቀብሪ ነይራ። ብድሕሪኡ ግን ሳሕቲ እንተዘይኮይኑ ተራእያ ኣይትፈልጥን ነይራ። ኣብ 2014 ሓዋ ምስተመርጸ ከኣ ኣብ በዓለ ሽመቱ ነይራ።
መጻኢ መራሕ ሰሜን ኮርያ?
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሰሜን ኮሪያ፡ ሓዋ ከምዝሓመመ ወይ ኣብ ተሌቪዥን እንተዘይተራእዩ'ሞ ዝኾነ ጽንጽንታ እንተተሰሚዑ፡ ሰብ ብዛዕባአ እዩ ዝዛረብ።
ሰሜን ኮርያ ኮነ ዓለም ንሳ መጻኢት ፕረዚደንት ከምእትኸውን እዩ ዝርዳእ። ይኹን እምበር ኣብ ሰሜን ኮርያ እትረፍዶ ብዛዕባ ዝመጽእ ስልጣን ክትዛረብ ብዛዕባ ሎሚ እውን ብወግዒ ዝፍለጥ ነገር የሎን።
ኣብ ሰሜን ኮርያ ፖለቲካ ጽኑዕ ሃይማኖት እዩ። ሽመት እናተጸበየት ከም ዓቢ ሓወቦኣ ኣብ ኣደባባይ ክትስቀል ትኽእል እያ። ኣብ ሰሜን ኮርያ ናይ ሰልጣን ግምት ምሃብ ኣዝዩ ከቢድ እዩ።