ሓያል ዝናብ ፍሒሩ ዘውጽኦ ጥንታዊ ቅርጺ ግሪካውያን

ጥንታዊ ቅርጺ ብዕራይ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ግሪክ ዝወቐዐ ሓያል ዝናብ፡ ኣሽሓት ዓመታት ዕድመ ዘለዎ ቅርጺ ብዕራይ፡ ተቓሊዑ ክረኣይ ምኽንያት ኮይኑ።

እቲ ኣብ ጥንታዊ ከባቢ ኦሎምፒያ ካብ መሬት ተፋሒሩ ዝተቐልዐ ካብ ነሓስ ዝተሰርሐ ቅርጺ ብዕራይ፡ ብውሑድ 2,500 ዓመታት ዕድመ ከምዘቑጸረ ተገሚቱ’ሎ።

ኣብ'ቲ ቅርጺ ዘለዉ በሰላ ዝመስሉ ምልክታት ከኣ፡ ምናልባት ሓደ ካብቶም ንኣምላኸ ግሪክ 'ዚዮስ' ይቐርቡሉ ዝነበሩ ህያባት ክኸውን ከምዝኽእል ዘመልክቱ እዮም ተባሂሉ።

ሚንስትሪ ባህሊ ግሪክ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ንኢሸተይ መጠን ዘለዎ ቅርጺ፡ ብሙሁራት ስነዃዕቲ እዩ ተረኺቡ።

ሓያል ዝናብ ድሕሪ ምውቅዑ፡ እቶም ሙሁራት ስነኳዕቲ ፈለማ ኣብ ውሽጢ ጭቃ ንቐርኒ እቲ ብዕራይ ክሪኡ ከምዝኸኣሉ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ሽዑ ንተወሳኺ ምርመራ ናብ ቤተፈተነ ተወሲዱ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እቲ ሚንስትሪ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ከምዝሓበሮ፡ ኣፈናዊ ውጽኢታት ምርመራ ቤተፈተነ ከምዘርእይዎ እንተኾይኑ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተረኸበ ቅርጺ፡ ኣብ 1050 ክሳብ 700 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝነበረ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ከም ብዕራይ ፈረስን ዝበሉ እንስታት ኣብ ህላወ ሰባት ንዘለዎም ረብሓ መሰረት ብምግባር ይምለኹ ምንባሮም ይግለጽ።

እዚ ቅርጺ ብዕራይ፡ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ናይ እንስሳትን ናይ ሰባት ቅርጽን፡ ኣመንቲ ንመስዋእትነት ዘቕረብዎ ክኸውን ከምዝኽእል ሚንስትሪ ባህሊ ግሪክ ሓቢሩ’ሎ።

ኣብ ግሪክ ዝርከብ ኦሎምፒያ ዝተባሀለ ከባቢ፡ መቦቆል ጥንታዊ ጸዋታታት ኦሎምፒክ ከምዝኾነ ይፍለጥ።