ኢትዮጵያ ሕጉሳት ዜጋታት ብምሓዝ፡ ካብ 149 ሃገራት ኣብ መበል 133 ደረጃ ተሰሪዓ

እትስሕቕ ዘላ ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፊንላንድ ንተኸታተልቲ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ዓለም ሕጉሳት ዜጋታት ዘለዉዋ ሃገር ብምዃን ብቐዳምነት ምምራሕ ቀጺላትሉ። ኢትዮጵያ ድማ መበል 133 ተሰሪዓ’ላ።

ብመሰረት እዚ ብሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ዝካየድ ዓመታዊ ዳህሳስ ሕጉሳት ህዝብታት ዘለውወን ሃገራት፤ ኣብ ኣውሮጳ ዝርከባ ኣርባዕተ ሃገራት ኣብ ቅድሚት ተሰሪዐን ኣለዋ።

ኣብ'ቲ ናይ 149 ሃገራት ዝርዝር፡ ኢትዮጵያ መበል 133 ደረጃ ተሰሪዓ’ላ።

ካብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ተሰሪዐን ዘለዋ ሃገራት ድማ ሊብያ መበል 80፣ ኮንጎ ብራዛቪል መበል 83 ከምኡ’ውን ኣይቮሪኮስት መበል 85 እየን።

ጎረባብቲ ኢትዮጵያ ኮይነን ኣብቲ ዝርዝር ካብ ሞንጎ ዝኣተዋ ሓንቲ ዝኾነት ኬንያ፡ መበል 121 ደረጃ ከምዝሓዘት ተፈሊጡ።

ብዝተፈላለዩ መዕቀኒታት ሕጉሳት ህዝብታት ዘለዉዋ ሃገር ተባሂላ ኣብ ቅድሚት ዝተሰርዐት ፊንላንድ ክትኸውን ከላ ዴንማርክ ካልኣይ ደረጃ፣ ስዊዘርላንድ ሳልሳይ ደረጃ፣ ኣይስላንድ ራብዓይ ከምኡ’ውን ኔዘርላንድስ ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ተቐሚጠን።

እቲ መጽናዕቲ ሕጉሳት ዜጋታት ዘለዉወን ብዝብል ካብ ቀዳማይ ክሳብ ዓሽራይ ደረጃ ካብ ሞንጎ ዝሰርዐን ሃገራት ኣውሮጳዊት ዘይኮነት ኒው ዚላንድ ጥራይ ትርከበን።

ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ ከኣ ካብ 149 ሃገራት ንዝተኣከበ መረዳእታ መሰረት ዝገበረ እዩ።

ናይቶም ሰባት ሕጉስ ምዃን ድማ ንዝረኽብዎ ማሕበራዊ ደገፋት፣ ውልቃዊ ናጽነት፣ ንሓፈሻዊ ሃገራዊ ምህርቲ [ጂዲፒ ]፣ ኣብተን ሃገራት ንዘሎ መጠን ብልሽውናን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን መሰረት ብምግባር ከምዝዕቀን ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ናይ'ዚ ዓመት ዝርዝር ሕጉሳት ዘይኮኑ ዜጋታት ኣለዉወን ዝተበሃላ ሃገራት ኣፍጋኒስታን፣ ሩዋንዳን ዚምባብወን እየን።

ኣዳለውቲ እቲ መጽናዕቲ “ብሰንኪ’ቲ ኣብ ዓለም ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ሲሶ [ስልሲት] ካብተን ሃገራት ኣብ ሰባት ብተደጋጋሚ ዝረኣዩ ኣሉታዊ ስምዒታት ነይሮም’ዮም” ኢሎም።

ብዙሓት ሃገራት እስያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝነበራሉ ኩነታት ምምሕያሽ ኣርእየን ኣለዋ። በዚ መሰረት ቻይና ዓሚ ካብ ዝነበረትሊ መበል 94 ደረጃ ናብ መበል 84 ደይባ’ላ።

እታ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ዘላ ፊንላንድ ብፍላይ ኣብ እዋን ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንኹነታት መነባብሮ ህዝባ ክንክን ብምግባር ካብ ካልኦት ሃገራት ኣዝዩ ዝለዓለ ነጥቢ ክትረክብ ከምዝኸኣለት ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ኣካላት ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ኣብዚ ዓመት ወግዓዊ ዝተገበረ ደረጃ፤ ፊንላንድ፣ ስዊዘርላንድ፣ ኣይስላንድ፣ ኔዘርላንድስ፣ ኖርዌይ፣ ስዊዲን፣ ሉክሰንበርግ፣ ኒው ዚላንድን ኦስትሪያን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ዓስራይ ተሰሪዐን ኣለዋ።