ሊቨርፒል ኣብ ርብዒ ፍጻመ ግጥማት ቻምፒዮንስሊግ ምስ ሪያልማድሪድ ተደልዲላ

ሊቨርፑል

ምንጪ ስእሊ, Reuters & PA

እንግሊዛዊት ጋንታ ሊቨርፑል ኣብ'ቲ ሸሞንተ ጋንታት ዝሳተፋሉ ግጥማት ርብዒ ፍጻመ ቻምፒዮንስሊግ ኣውሮጳ ምስ ስጳኛዊት ጋንታ ሪያልማድሪድ ተደልዲላ።

ኣብቲ ዕጫ ድልድል፡ ማንቸስተር ሲቲ ምስ ቦርሲያ ዶርቱሙንድ ክበጽሓ ከሎ፤ ቸልሲ ምስ ፖርቶ ፓሪስ ሰይንት ጀርመይን [ፒኤስጂ] ኣብ ግጥማት ርብዒ ፍጻመ ክራኸባ እየን።

በዚ መሰረት ከኣ ሪያልማድሪድ ምስ ሊቨርፑል ኣብ ዝገብርኦ ግጥም ዝተዓወተት ካብቲ ኣብ ሞንጎ ፖርቶን ቸልሲን ዝካየድ ጸዋታ ተዓዊታ ምስ እትወጽእ ጋንታ፡ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ከምዝራኸባ ተፈሊጡ’ሎ።

ተዓዋቲት ግጥም ማንቸስተር ሲቲ ምስ ዶርትመንድ ድማ ምስ'ታ ኣብ ሞንጎ ባየርንን ፒኤስጂን ኣብ ዝግበር ጸዋታ እትዕወት ጋንታ ክትገጥም’ያ።

እቲ ብኽልተ ናይ መልሲ ጸዋታ ዝካየድ ናይ ርብዒ ፍጻመ ግጥም፡ ኣብ 6 ን 7 ከምኡ’ውን 13 ን 14 ሚያዝያ [ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ] ክካየድ ምዃኑ ዝወጽአ መደብ የመልክት።

ናይ ፍርቂ ፍጻመ ግጥማት ድማ ኣብ 27ን 28 ሚያዝያ ከምአ’ውን 4ን 5ን ጉንበት ከምዝካየድ ተፈሊጡ።

ሊቨርፑልን ሪያልማድሪድን ኣብ ናይ ኣውሮጳ ዓበይቲ ውድድራት ሽድሽተ ግዜ ዝተራኸባ ኮይነን ብነብሲ ወከፍ ሰሰለስተ ዓወት ረኺበን።

ኣብ ናይ ኣውዲቅካ ምሕላፍ ግጥም ዝተራኸባሉ እዋን ብ2009 ኮይኑ፡ ሽዑ 16 ጋንታት ተሪፈን ነይረን። ብሓፈሻዊ ውጽኢት ከኣ ሊቨርፑል 5 ን 0 ስዒራ ነይራ።

ንፕሪምየርሊግ እንግሊዝ ትመርሕ ዘላ ማንቸስተር ሲቲ ብወገና ምስ ዶርትመንድ ክልተ ጊዜ ጥራይ ተራኺባ ነይራ። እዋኑ ኣብ 2012 ኮይኑ ኣብ ቻምፒዮንስሊግ ናይ ጉጅለ መጻረዪ ግጥማት እዩ። ሲቲ ኣብ ሜዳኣ ሓደ ማዕረ ክትፈላለ ከላ ካብ ሜድኣ ወጻኢ ናብ ጀርመን ከይዳ ግን 1 ን 0 ተሳዒራ።

“ቁጽርታት ይዛረቡ እዮም” ጋርዲዮላ

ኖርወጂያዊ ኣጥቃዓይ ኤርሊንግ ብራት ሃላንድ [ ወዲ ተጻዋቲ ማንቸስተር ሲቲ ነበር ኣልፍ ሃላንድ] ንዶርትመንድ ወኪሉ ክጻወት’ዩ። ኣብ ዝተጻወተሎም ግጥማት ቻምፒዮንስሊግ ድማ 14 ሸቶታት ከምዘቑጸረ ይፍለጥ።

“ቁጽርታት ባዕሎም ይዛረቡ እዮም” ዝብል ኣሰልጣኒ ሲቲ ጋርዲዮላ “ኣብዚ እዋን ኣብ ዓለምና ካብ ዘለዉ ብሉጻት ኣጥቃዕቲ እዩ” ክብል ይገልጾ።

“ንብቕዓታት እዚ ተጻዋቲ እፈልጦ እየ፤ ኩሉ’ውን ዝፈልጦ ይመስለኒ” ብምባል ይዛረብ።

ሲቲ ነቲ ወዲ 20 ዓመት ተጻዋቲ ክተዘዋውሮ ከምእትደልይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝቐርብ ሓሳባት ርእይትኡ ክህብ ዝተሓተተ ጋርዲዮላ መልሲ ንምሃብ ፍቓደኛ ከይኮነ ተሪፉ እዩ።

ዶርትመንድ ኣብዚ እዋን ኣብ ቡንደስሊጋ መበል ሓምሻይ ደረጃ ትርከብ።

ችልሲ ብወገና ምስ ፖርቶ ሸሞንተ ጊዜ ዝተራኸበት ኮይና፡ ሓሙሽተ ጊዜ ተዓዊታ፤ ክልተ ጊዜ ድማ ተሳዒራ።