ንሓንቲ ኣደ ኣብ ቅድሚ ደቃ ዓሚጾም ዝተብሃሉ ክልተ ሰባት ሞት ተፈሪድዎም

ፓኪስታን

ምንጪ ስእሊ, EPA

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሃገረ ፓኪስታን፡ ብገበን ጾታዊ ዓመጽ ንዝተኸሰሱ ክልተ ደቂ ተባዕትዮ ብሞት ክቕጽዑ ፈሪዱ።

እቶም ኣቢድ ማልሂ ከምኡ ድማ ሻፍቃት ዓሊ ባጋ ዝበሃሉ ውልቀ ሰባት፡ ነታ ኣደ ኣብ ቅድሚ ክልተ ደቃ እዮም ዓሚጾምዋ ተባሂሉ።

እቲ ፍጻመ፡ ኣብ ብዙተት ፓኪስታናውያን ቁጠዐ ፈጢሩ እዩ።

እታ ስማ ዘይተጸርሐት ኣደ፡ ምስ ደቃ እናተጉዓዘት ከላ መኪናኣ ነዳዲ ወዲኣ ጠጠው ኢላትሉ ኣብ ዝነበረት መንገዲ፡ በቶም ንመኪናኣ ሰይሮም ዝኣተዉ ሰባት ከምዝተዓመጸትን ንብረታ ከምዝተሰረቐትን ተገሊጹ’ሎ።

እቲ ኩነታት ኣብ መስከረም እዩ ኣጋጢሙ።

እታ ጓል 30 ዓመት ኣደ፡ ኣብ’ቲ እዋን ነዳዲ ወዲኣ ኣብ መገዲ ደው ኢላ ምህላዋ ናብ ቤተሰባ ደዊላ ሓቢራቶም ነይራ።

ኣብ ከም’ዚ ዓይነት ኩነታት እናሃለወት እዩ እቶም ሰባት ንመኪናኣ ሰይሮም ብምእታው ንመጋየጽታታ ምስወሰዱ፡ ንዓኣ ድማ ኣብ’ቲ ኸባቢ ናብ ዝርከብ ሜዳ ብምውሳድ ደቃ እናረኣዩ ከምዝዓመጹዋ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ሓበሬታ የመልክት።

ነቲ ኩነታት ንፖሊስ ክትሕብር ከላ ድማ “ኣብ’ዚ ቦታ ንምንታይ ነበይንኺ ኣምሺኺ?” ዝብል መልሲ ምርካባ ቁጠዐ ፈጢሩ እዩ።

ብፍላይ ድማ ሓላፊ ፖሊስ ናይታ ግዝኣት፡ ኣብ ሚድያ ቀሪቡ ‘ብውስን መልክዑ ናታ ጥፍኣት’ውን እዩ’ ኢሉ ብምዝራቡ ብዙሕ ነቐፌታታት ወሪድዎ እዩ።

“ንምንታይ እያ ጽሙው መገዲ መሪጻ፣ ምስ ደቃ በቲ ምሸት ንሱ ንበይና እንታይ ትገብር ነይራ፣ ቅድሚ ምውጻኣ ነዳዲ ኣለዋ ዶ የብላን ንምንታይ ዘየረጋገጸት” ብዝብል ናታ ጥፍኣት ኣምሲሉ ዝሃቦ ርእይቶ ኣብ ብዙሓት ቁጠዐ ፈጢሩ እዩ።

እታ መጥቃዕቲ ዝበጽሓ ፓኪስታናዊት ኣደ፡ ነባርነታ ኣብ ፈረንሳይ እዩ።

ነዚ ኣመልኪቱ’ውን፡ እቲ ሓላፊ ፖሊስ “ፓኪስታን ከም ፈረንሳይ ውሑስ መሲልዋ ከይከውን” ብዝብል ዝሃቦ ርእይቶ’ውን ሰባት ኣይፈተውዎን።

“ከመይ ገይሩ ነታ ግዳይ ይወቅስ?” ብዝብል ተቓውሞታት ኣጋጢምዎ እዩ።

ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ፓኪስታናውየዓን ናብ ኣደባባይ ወጺኦም ናይ ተቓውሞ ድምጽታቶም ኣስሚዖም እዮም።

ትማሊ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ፡ እቶም ነዚ ገበን ከምዝፈጸሙ ዝተገልጹ ክልተ ውልቀ ሰባት፡ ብጉጅለ ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻም፣ ብምጭዋይ፣ ብስርቂን ካልኦት ገበናትን ናይ ሞት ፍርዲ ተፈሪድዎም ኣሎ።

ጠበቓታቶም ግን፡ ይግባይ ክንሓትት ኢና ከምዝበሉ ወኪል ዜና ኤኤፍፒ ጸብጺቡ’ሎ።