መካይን ቴስላ ‘ኣብ ቻይና ንስለላ የገልግላ ኣለዋ’ ንዝብል ዘረባታት ኤለን መስክ ነጺግዎ

መካይን ቴስላ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሓላፊ ኣመሪካዊ ኩባንያ ቴስላ ኤለን መስክ፡ መኪናታቶም እንተድኣ ንቻይና ንምስላል ኣገልጊለን ኮይነን፡ ዕጨአን “ምዕጻው” ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቲ ጸብጻባት ክሲ ነጺግዎ።

እቲ ሓላፊ ነዚ ክብል ዝተገደደ፡ ሓይሊ ምክልኻል ቻይና መካይን ቴስላ ናብ መዓስከራቱን ትካላቱን ከይኣትዋ ከልኪሉ’ሎ ዝብል ጸብጻብ ድሕሪ ምውጽኡ እዩ።

ሓይሊ ምክልኻል ቻይና፡ በቲ ኣብ መካይን ቴስላ ዝተገጠመ ካሜራታት ዝእከብ ሓበሬታታት ከምዘሰክፎ ገሊጹ ነይሩ እዩ።

ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ቴስላ፡ ካብ ኣመሪካ ብምቕጻል ኣብ ቻይና እዩ ዓብዪ ዕዳጋ ዘለወን።

ኣብ 2020 እቲ ኩባንያ ካብ ዘካየዶ ዓለምለኻዊ መሸጣታት፡ እቲ ርብዒ ካብ ቻይና እዩ ረኺብዎ።

ብቀዳም፡ ኣብ ሓደ ቻይናዊ ናይ ንግዲ መድረኽ ተረኺቡ ዝተዛረበ ኤለን መስክ “ሓደ ትካል እንተደኣ ንኻልእ መንግስቲ ዝስልል ኮይኑ፡ ሳዕቤኑ ከቢድ እዩ” ኢሉ።

“ንሕና ሓበሬታታት ብሚስጢር ክንዕቅብ ምኽንያታት ኣለና” ዝበለ ኤለን መስክ “ቴስላ ኣብ ቻይና ኮነ ኣብ ዝኾነ ቦታ እንተድኣ ንስላላ ዝጥቀም ኮይኑ ትካልና ክዕጾ እዩ” ክብል ተዛሪቡ።

ቻይና ዓበይቲ ኩባንያታት ኣመሪካ ኣብ ሃገራ ምህላወን ባህ ኣይብላን። ኣመሪካ’ውን ከምኡ።

ክልቲኤን ዝዓበየ ቁጠባታት ዓለምና ዝውንና ሃገራት፡ ንዓመታት ኣብ ምስሕሓብ እየን ዘለዋ።

ኣብ መፈለምታ ናይ’ዚ ሰሙን፡ ሰብ መዚ ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንፈለማ እዋን ምስ ላዕለዎት ሰብመዚ ቻይና ተራኺቦም ኣብ ዝተዛተይሉ፡ ቁጠዐ ዝተመልኦ ዝርርባት ነይሩ ተባሂሉ።

ኤለን መስክ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ቻይናን ምትእምማን ክሰፍን ኣለዎ ኢሉ።

ቅድም ክብል፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ‘ቲክቶክ’ ዝበሃል ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ካብ ተጠቀምቲ ንዝእክቦ ሓበሬታ ንመንግስቲ ቻይና ኣሕሊፉ ክህብ ይኽእል እዩ ብዝብል ስግኣት፡ ኣብ ኣመሪካ ከምዝእግዶ ኣፈራሪሑ ነይሩ።