“[ኣብ ኣጣየ] ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓደገኛን ከቢድን ገበን እዩ” መንግስቲ ክልል ኣምሓራ

ኣምሓራ

ኣብ ውሽጢ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ ዞባ ሰሜን ሸዋ፡ ኣጣየ ኣብ ዝበሃል ቦታ ከምኡ ድማ ኣብ'ቲ ክልል፡ ፍሉይ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞ፡ ጅሌ ጥሙጋ ኣብ ዝበሃል ከባብታት ‘ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት’ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ “ሓደገኛን ከቢድን ገበን እዩ” ክብል መንግስቲ'ቲ ክልል መግለጺ ኣውጺኡ።

በቲ መጥቃዕቲ ህይወት ሰባት ከምዝጠፍአን ንብረት ከምዝዓነወን ድማ ኣፍሊጡ።

ብዓርቢ፡ ብኣቆጻጽራ ግእዝ ካብ ሰዓት ሰለስተ ምሸት ጀሚሩ፡ ኣብ ከተማ ኣጣየ መጥቃዕቲ ከምዘጋጠመን ህይወት ሰባት ከምዝሓለፈን ሓደ በዓል መዚ ከምኡ’ውን ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ምክትል ኣመሓዳሪ ናይቲ ከባቢ ኣይተ ሰለሙን ኣልታየ፡ ክሳብ ቀዳም ንጉሆ ሰለስተ ሰባት ከምዝሞቱ ይገልጽ።

ቁጽሪ መወትቲ ግን ካብኡ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝግለጽ።

ነቲ መጥቃዕቲታት መንቀሊ ዝኾነ፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ መንጎ ውልቀሰባት ብሰንኪ ዘጋጠመ ጎንጺ ሓደ ሰብ ብምሟቱ እዩ ይብል መግለጺ ክልል ኣምሓራ።

ድሕሪ እዚ ኣጋጣሚ፡ ብሽማግለታት ዓድን ብኣቦታት ሃይማኖትን ዕርቂ ተፈጺሙ ነይሩ ዝበለ እቲ መግለጺ “ጉጅለ ኦነግን ንዕኡ ዝመስሉ ተሓባበርቱን፡ ነቲ ብዕርቂ ዝተወደአ ጉዳይ ምኽንያት ገይሮም መጥቃዕቲ ፈጺሞም” ክብል ይኸስስ።

እንተኾነ፡ ዛጊድ ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ዝኾነ ጉጅለ የለን።

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ “ሓረስቶት ክሕዝዎ እዩ ተባሂሉ ብዘይግመት ዕጥቅታት ተሓጊዞም ዝተወደቡ ዕጡቓት” ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸምዎ ይኸስስ።

ክልል ኣምሓራ ኣብ’ቲ ሎሚ ሰንበት ዘውጸኦ መግለጺ፡ በቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ ኣይገለጸን።