ኣብ ኡጋንዳ 6 ኣናብስ ‘ተቐቲሎም’ ተረኺቦም

ኡጋንዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ሓደ ፍሉጥ ሃገራዊ ሕዛእቲ፡ ሽድሽተ ኣናብስ ሞይቶም ተረኺቦም።

እቲ ቕትለት ብመርዚ ዝተፈጸመ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝጥርጠር።

እቶም ኣብ ሃገራዊ ሕዛእቲ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ሞይቶም ዝተረኸቡ ኣናብስ፡ ኢዶምን ርእሶምን ተቖራሪጹ፡ ኣካላቶም ተራሕሪሑ ከምዝተረኽበ ሰብ መዚ ተዛሪቦም።

ትካል እንስሳ ዘገዳም ኡጋንዳ፡ “ጠንቂ እቲ ክስተት፡ ዘይሕጋዊ ሃደን እንስሳት ዘገዳም ዘይኮነሉ ምኽንያት የለን” ኢሉ።

ሕዚ ሞት ናይቶም ኣናብስ ንምጽራይ፡ ምስ ተሓለቕቲ ተፈጥሮ ኾይኖም ይሰርሑ ከምዘዉ ድማ ተሓቢሩ።

እዞም ሞይቶም ዝተረኸቡ ኣናብስ፡ ዓበይቲ ኣግራብ ብምድያብ እዮም ዝፍለጡ ነይሮም።

ርክብ ህዝቢ ትካል እንስሳት ዘገዳም ኡጋንዳ፡ በሺር ሓንጂ፤ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ በቲ ቅትለት ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ገሊጹ።

ቱሪዝም ተፈጥሮ፡ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዓብዪ ጽልዋ ዘለዎን ኣስታት 10 ሚኢታዊት ከምዝሽፍንን ተዛሪቡ።

ምዕቃብ እንስሳ ዘገዳም ኣዝዩ ኣገዳሲ መደብ ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ።

“ትካልና ቅትለት እቶም እንስሳት ዘገዳም ኣዝዩ እዩ ዝኹንኖ። ምኽንያቱ ንቱሪዝም ረብሓ ስለዝጎድእ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣታዊን ማሕበራዊ ስራሕትን’ውን ኣዝዩ ብኣሉታ ዝጸልው ፍጻመ ብምዃኑ እዩ” ይብል እቲ ሓላፊ።

ቅድም ክብል፡ ኣብ'ዚ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዝበሃል ሃገራዊ ሕዛእቲ፡ ብመርዚ ኣናብስ ምቕታል ተደጋጊሙ ዘጋጠመ ፍጻመ ከምዝኾነ እዩ ዝዝረብ።

ኣብ 2018፡ ዓሰርተ ሓደ ኣናብስ ተመሪዞም ምሟቶም ዝዝከር እዩ። ኣብ 2010 እውን፡ ካልኦት ሓሙሽተ ኣናብስ ብተመሳሳሊ መገዲ ሞይቶም ተረኺቦም ነይሮም።