ን'ቀይሕ ሽብር' ምልካዊ ስርዓት መንግስቱ ሃይለማርያም ዝበድሁ ኤርትራዊ ካርዲናል

ካርዲናል ጳውሎስ ጻድዋ

ምንጪ ስእሊ, D.M

ካርዲናል ጳውሎስ ጻድዋ፡ ቀዳማይ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካርዲናል ምንባሮም ይፍለጥ።

እዞም ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝነበሩ፡ ኣብ ስርዓተ-ሕጊ ኢትዯጵያን ሰብኣዊነትን ኣሰር ገዲፎም ዝሓለፉ ምዃኖም ይንገረሎም።

ንስርዓተ-ቅዳሰ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ መበቆላዊ ልምድታት ከምዝቃዶ ኣብ ምግባር'ውን ልዋታት ነይሩዎም።

ካርዲናል ጳውሎስ ጻድዋ መን'ዮም?

ካርዲናል ጳውሎስ ኣብ 25 ነሓሰ 1921 ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ከባቢ ከተማ ሰገነይቲ ኣብ እትርከብ ዓዲ-ፍኒዕ ዝተባህለት ቁሸት ተወሊዶም።

ትምህርቲ ቅሽነት ካብ ብንእሽትኦም ጀሚሮም ኣብ ዘርኣ-ክህነት (ሰሚናርዮ) ከረን፡ ድሓር ከኣ ኣብ ናይ ጣልያን ቤት-ትምህርቲ ኣስመራ (ፈርዲናንዶ ማርቲኒ) ተማህሩ።

ኣብ 1944 ክህነት ለቢሶም ከኣ ስርሖም ጀመሩ - ፈለማ ኣብ ኣስመራ ጸኒሖም ከኣ ኣብ ምድሪ-ጕራጌ (ኢትዮጵያ) ኣገልገሉ።

ናይ ትምህርቲ ሰብ ስለዝነበሩ ኣብ 1949 ናብ ኣስመራ ተመሊሶም ትምህርቶም ቀጸሉ። ኣብ 1953 ከኣ ካብ ብዙሓት መወዳድርቶም ጸብለል ኢሎም ብምውጻእ ንትምህርቲ ዶክተርነት ንዓዲ ጣልያን ተጓዕዙ።

ምንጪ ስእሊ, D.M

ካርዲናል ጳውሎስ ኣብ ካቶሊካዊ ዩኒቨርሲቲ ሚላኖ ቀዳማይ ናይ ዶክተርነት ትምህርቶም ብፖለቲካዊ ሳይንስ ተዓወቱ፣ ኣይጸንሑን ድማ ካልኣይ ናይ ዶክተርነት ትምህርቲ ወሰኽሉ - ብመጽናዕቲ ሕጊ።

ትምህርቶም ምስ ዛዘሙ ከኣ ናብ ኣስመራ ተመሊሶም ኣብ ትሕቲ ኣቡን ናይ ኣስመራ ኣገልገሉ። ብሕሪኡ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ትሕቲ ሊቀ-ጳጳሳት ኰይኖም ኣገልግሎቶም ቀጸሉ።

ካርዲናል ጳውሎስ ካብ 1944፡ ክህነት ካብ ዝለበስሉ እዋን ጀሚሮም፡ ክሳብ ጊዜ ስንብትኦም ህይወቶም ንቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ዝወፈዩ ምሁርን ዓቢ ተመራማርን ኣላይ ምእመናንን ነበሩ።

ፈላሚ ኤርትራዊ ካርዲናል

ኣብ 24 ለካቲት 1977 ጳጳስ ጳውሎስ VI ካርዲናል ከም ሊቀ-ጳጳሳት ኣዲስ ኣበባ ኵይኖም ከገልግሉ ቀብኡዎም። ብ 25 ጉንበት 1985 ድማ ብጳጳስ ዮውሃንስ-ጳውሎስ 2ይ ማዕርግ ካርዲናል ተዋህቦም።

ካርዲናል ጳውሎስ ከም ኣባል ንጳጳስ ዝመርጽ ኣካል ኰይኖም ኣብ ዝተፈላለዩ ኮሚቴታት ብምምሕድራውን ፍርድኣውን ዘርእዩ ጕዳያት ተመዲቦም ሰሪሖም'ዮም።

እቲ ዝለዓለ ማዕርግ ክህነት ለቢሶም ድማ ካብ 1985 ክሳብ 1998 ከም ካርዲናል ኣዲስ ኣበባ፡ ከምኡ'ውን ሓለቓ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ ኰይኖም ኣገልገሉ።

ብዕለት 16 ነሓሰ 2003፡ ሓደ ሰሙን ድሕሪ ስንብታኦም ምዃኑ'ዩ፡ ኣብ ቫቲካን፡ ኣብ ዉሽጢ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ፡ እቲ ዝዓበየን ዝማዕረገን ቤተክርስትያን ካቶሊክ፡ ባዕሎም ጳጳስ ዮውሃንስ-ጳውሎስ 2ይ ንናይ ሓዘን ቅዳሴ ካርዲናል ጳውሎስ ጻድዋ መሪሖም ኣማዕረግዎ። ኣብ ዕሎ-ቅዳሴኦም ኸኣ ብካርዲናል ዮሴፍ ራዚንገር፡ ሓላፊ ኮሌጅ ናይ ካርዲናላት (ድሓር ብስም በነዲክት XVI ተቐቢኦም ጳጳስ ዝዀኑ) ተኻየደ።

ኣብቲ ቅዳሴ ጳጳስ ዮውሃንስ-ጳውሎስ 2ይ ከምዚ ኢሎም ብዛዕባ ካርዲናል ጳውሎስ ጻድዋ ምስርነቶም ኣቕረቡ ...

" እቲ ዝተዓደሎ ምዕቡል ባህርያቱን ፍልጠቱን- ምናዳ ናይ ሕጊ ፍልጠቱ - ኣብ ኣገልግሎት ሰቡ ኣውዓሎ። ጓሳ ህዝቢ ኰይኑ ንዘካየዶ ጻዕሪ ሰጊሩ ድማ ህይወቱ ኣብ ምስክርነት ሃዋርያዊ መንፈስ ኣውዓሎ።

"ከም ሓደ ለጋስን ንጡፍን ጓሳ ምንባሩ ኢና እንዝክሮ። ከም ሓላፊ ሊቂ-ጳጳሳትን ካርዲናል ኢትዮጵያ ኰይኑ ኣብ ንሓልዮት ኣፍሪቃ ኣብ ሲኖዶስ ኣቡናት ወኪሉ ብዕቱብ ዝመጐተ ሕፉር ካህን'ዩ ነይሩ" ክብሉ ኣመጒሶሞ።

ካርዲናል ጻድዋ፡ ብ 11 ታሕሳስ 2003 ኣብ ሮማ (ዓዲ-ጣልያን) ኣብ 82 ዕድሚኦም ዓረፉ። ሬሳኦም ከኣ ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ መቓብር ካቶሊክ ጴጥሮስ-ዎ-ጳውሎስ ዓሪፉ ይርከብ።

ንካርዲናል ጳውሎስ ጻድዋ ብቐረባ ካብ ዝፈልጥዎም ሰባት፣ ሓደ ካብኦም ኣባ ብሩኽ ወልደጋብር፡ ኣብ ሮማ ዝነብሩ ብታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ልዑል ኣፍልጦ ዘለዎም፡ ነቲ ታሪኽ'ቲ ዝስንዱ ተመራማሪ ካህን'ዮም።

"ካርዲናል ጳውሎስ ብተፈጥሮኦም በሊሕ፡ ብስነ-ምርምር ኣዝዮም ምዕቡል፡ ምስኦም ዝነበረ ዓቕሚ ምዝካር ድማ ንበይኑ ነበረ" ኢሎም ይዝክርዎም። ኣብ ስነ-ጽሑፍ ዝነበሮም ተገዳስነት ድማ ኣዝዩ ልዑል ከም ዝነበረ የዕልሉ።

ካርዲናል ጳውሎስ ጻድዋ ኣብ እዋን "ቀይሕ ሽብር"

ካርዲናል ጳውሎስ ሊቂ-ጳጳሳት ኣዲስ ኣበባ ዝተሸሙሉ እዋን ኢትዮጵያ ኣብ "ቀይ-ሽብር" ተሸሚማትሉ ዝነበረት እዋን ነበረ።

ፈለማ 70ታት (ኣውሮጳ)፡ ኢትዮጵያ ብፖለቲካዊ ናዕብታት ትህወጽ ዝነበረትሉ ወቕቲ'ዩ። ኣንጻር እቲ ብሃጸይ ሃይለስላሰ ዝምራሕ መስፍናዊ ስርዓት ብተምሃሮን ምሁራንን ዝተጀመረ ምንቅስቓስ፡ ወታሃደራዊ ጁንታ (ደርግ)'ዩ ወሊዱ።

እቲ ወታሃደራዊ ጉጅለ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ህዝባዊ ተቐባልነቱ እናማህመነ ዝኸደ ዘውዳዊ ስርዓት ዕልዋ ብምፍጻም ስልጣን ጨቢጡ።

ብዙሕ ከይጸንሐ ግን፡ ምስቲ ዝኸይድ ዝነበረ ጸጋማዊ ጽልዋታት ዝነበሮ ምንቅስቓሳት ተምሃሮ ክቃዶ ብዘይምኽኣሉ ናብ ረጽሚ ኣትዩ።

ኣብቲ "ቀይ ሽብር" (ቀይሕ ራዕዲ) ዝሰመዮ ወፍሪ ድማ፡ ምሁራት፣ ፖለቲካዊ ባእታታት፡ ኪኢላታትን ተቓወምቲ ዝበሎም ውልቀሰባትን ዝርከብዎም ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብቲ እዋን'ቲ ብዘይ ፍርሒ ነቲ ስርዓት ብግቡእ ገጠምዎ፡ ነቲ ጽንኩር ኵነታትን ትብዓቶምን ብምስትብሃል'ዮም ጳጳስ ዮውሃንስ-ጳውሎስ 2ይ ናይ ካርዲናል ማዕርግ ዝሃቡዎም።

እቲ ማዕርግ ንቅጅልታኦም ክብ ኣበሎ፣ ንመራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምምካትን ድማ ሓገዞም። ብጊዜኦም እቲ ቤት-ክርስትያን ኣብ ኢትዮጵያ ሰፊኑ ዝነበረ ጥምየት ንምግታእ ዓቢ ተራ ተጻወቱ።

እቲ ምልካዊ ስርዓት ብቀይሕ ሽብር ተቓወምቱ ኣጥፊኡ ስልጣን ምስ ብሓተ'ውን፡ ነታ ሃገር ካብ ቅልውላዉ ናብ ቅልውላዉ'ዩ መሪሕዋ።

ሃገራት ኣብ ፖለቲካዊ ቅልውላዉ ኣብ ዝኣትዋሉ እዋን፡ ሳሕቲ ላዕለዎት መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ጎኒ ውጹዕ ብምዃን ድምጾም ከስምዑን፡ ንሰላምን ፍትሕን ክምጉቱን ይስምዑ'ዮም።

ገለ ካብቶም ክጥቀሱ ዝኽእሉ ኣብነታት፡ መራሒ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ሊቀ-ጳጳስ ዶዝመንድ ቱቱ ኣንጻር ዓሌታዊ መግዛእቲ ጸዓዱ ብዘካየድዎ ገድሊ ሽልማት ኖበል ሰላም ተቐቢሎም'ዮም።

ኣብ 1970ታት ነቲ ንሃገረ ኡጋንዳ ብዓመጽ ዝመርሕ ዝነበረ ስርዓት ወልቀ-መላኺ ኢድ-ኣሚን ዳዳ፡ ፊት ንፊት ገጢሙ መስዋእቲ ዝኸፈለ ሊቀ-ጳጳስ ኣንግሊካን ቤተክርስትያን ጃናኒ ሉዉም እውን ካልእ ኣብነት'ዩ።

ተመሳሳሊ ታሪኻት'ውን ኣብ ሓያሎ ካልኦት ሃገራት ተሰሚዖም'ዮም።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ መንጎ ገለ መራሕቲ ሃይማኖትን መንግስትን ዝተራእየ ምትፍናንን፡ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ንገለ ፖሊሲታትን ኣተሓሓዛተትን መንግስቲ ብምቅዋሞም ዝተፈጥረ'ዩ።

ፓትሪያርክ ኣርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብ ስልጣኖም ተኣልዮም፡ ኣብ ናይ "ገዛ ማሕዩር" ከምዝርከቡ ደገፍቶም ይገልጹ።

ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ'ውን፡ እቲ ብዘይቅዋምን ባይቶን ዝምራሕ መንግስቲ ፖሊሲታቱ ክቕይርን፡ ኣብታ ሃገር ቁጠባውን ፖለቲካውን ለውጥታት ክገብር ዝእምት ጸቕጥታት ክገብሩ ድሕሪ ምፍታኖም፡ መንግስቲ በታ ቤተ-ክርስትያን ዝመሓደራ ኣብያተ-ትምህርትን ትካላት ጥዕናን ክዓጹ ተራእዩ።

እተን ትካላት፡ ሃይማኖታዊ እምነት ይኹን ካልእ ማሕበራዊ መንነት ብዘየገድስ፡ ንኩሉ ህዝቢ ብቕመን ከገልግላ ዝጸንሓ ምዃነን ይፍለጥ።

ካብ 1984 ክሳብ 1985 ኣብ ኢትዮጵያ ሓያል ደርቂ ኣጋጢሙ ነይሩ። እቲ ዝተራእየ ዓጸቦ ኣብ ዓለም ዘይሃስስ ኣሉታዊ ዝኽሪ ዝገደፈ'ዩ። ብሰንኩ፡ ኣስታት 1 ሚልዮን ሰባት ከምዝረገፉ ይግለጽ።

ኣብዚ እዋን እዚ'ውን እንተኾነ፡ ካርዲናል ጳውሎስ ጻድዋ፡ እቶም ብዓጸቦን ጥምየትን ዝተጠቕዑ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ሰብኣዊ ረዲኤት ክበጽሖም ሓያል ጻዕሪ ከምዘካየዱ ይንገረሎም።

ምሁራዊ ኣበርክቶ ካርዲናል ጳውሎስ ጻድዋን ፍትሓ-ነገስትን

ካርዲናል ጳውሎስ ኣብ ቋቋንታት ዝነበሮም ፍሉይ ፍልጠት ዘገርም ነበረ። እዞም ናይ ግእዝን ላቲንን ልዑል ኣፍልጦ ዝነበሮም፡ ካብ ቋንቋታት ኢትዮጵያ ሓሊፎም ድማ (ትግርኛን ኣምሓርኛን) ቋንቋታት ኤውሮጳ ዝመልኩ - ጣልያንኛን እንግሊዘኛን፡ ምስኡ ኸኣ ቋንቋ ዓረብ ዝዛረቡ ፍልይ ብልሂ ዝነበሮም ሰብ'ዮም ነይሮም።

ቅድሚ ካርዲናል ምዃኖም፡ ኣብ ዓውደ ትምህርቲ ተገዳስነት ስለዝነበሮም፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበርሉ እዋን ምዃኑ'ዩ - ካብ 1961 ክሳብ 1973 - ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብትግሃት ምሂሮም።

ኣብ 1968፡ ብዙሓት ግዱሳት ኣህጕራውያን ተመራመርቲ ብሕጊ ኢትዮጵያ እኹል ሓበሬታ ኣይረኽቡን ከም ዝነበሩ ኣስተብሂሎም እቲ ብግእዝ ዝተጻሕፈ ዓቢ መጽሓፍ ፍትሓ-ነገስት ናብ እንግሊዘኛ ንክትርጕምዎ ተታሓሓዝዎ።

ምንጪ ስእሊ, D.M

ፍትሓ-ነገስት መጽሓፈ-ሕግታት ኢትዮጵያ'ዩ፣ እቲ መጽሓፍ ኣብ እምነት ክርስትና ብምምርኳስ ብ16'ዊ ክፍለ ዘመን ዝተጻሕፈ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ኣብ ህይወት ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ጽልዋ ዜሕደረ'ዩ።

ብተኸታታሊ ነገስታት ዝሰዓቡዎም ሕግታት ሒዙ ይርከብ ክበሃል ይከኣል።

ፍትሓ-ነገስት ዋላ'ኳ ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዝለዓለ ሕጋዊ ተራ ክጻወት እንተኸኣለ ምንጩ ግን ኢትዮጵያ ከም ዘይኰነ ይግለጽ።

እቲ መጽሓፍ ካብ ዓረብኛ'ዩ ከምዝተወርሰን፡ ቅብጡ አቡል ፋዳዒል እብን አል አሳል ዝበሃሉ ግብጻዊ ክርስትያን ብ1235-43 ብዓረብኛ ዝጸሓፍዎ ሕገ-መንግስቲ'ዩ።

ብቋንቋ ዓረብ ድማ "ማጅሙዓት ኣል-ቃዋኒን" ይበሃል (ጥሙር ቀኖና)። ንኵነታት ኢትዮጵያ ብምርዓም ድማ ብግእዝ ክጸሓፍ በቕዐ።

እቲ መጽሓፈ-ሕግታት ኣብ ክልተ'ዩ ተኸፊሉ - 1ይ ክፋል ኣብ መንፈሳዊ ሸነኻት ዝተመርኰሰ ዀይኑ እቲ 2ይ ድማ ኣብ ምድራዊ።

እዚ መጽሓፍ'ዚ ናብ ቋንቋ ግእዝ ተተርጒሙ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 1450 - ዘመነ ንግስነት ዘርአ-ያዕቆብ - ከም ዝኣተወ ይንገር። ከም ሕገ-መንግስቲ ኰይኑ ከገልግል ዝጀመረሉ እዋን ድማ ብዘመነ ንግስነት ሰርጸ ድንግል'ዩ (1563)።

ፍትሓ-ነገስት ምንጪ ፍልጠት ኰይኑ ካብ ዘመናት ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ብሕጊ ዘርእዩ ጕዳያት ተመራማርትን ናይ ሕጊ ሰባትን ይጥቀምሉ'ዮም። ኣብ 1960 መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሃገራዊ ሲቪላዊ ስርዓት ምስ ኣወጀ ንፍትሓ-ነገስት ከም መሰረትን መምርሕን ዝተጥቕመሉ ዝዝከር'ዩ።

ንፍትሓ-ነገስት ካብ ግእዝ ናብ እንግሊዘኛ ኣብ 1968 ዝተርጐምዎ ካርዲናል ጳውሎስ ጻድዋ ምዃኖም ይፍለጥ።