ቅልውላው ትግራይ፡ ናይ ሓሶት ዲፕሎማት ሕቡራት ሃገራትን ዝናፈሱ ዘለዉ ስኑዕ ወረታትን

ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ምልሻ ክልል ኣምሓራ'ውን ይሳተፉ ኣለዉ፡ እዚ ስእሊ 21 ሕዳር 2020 ዝተሰኣለ እዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ብሰንኪ'ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት፡ ዝለዓለ ወጥሪ ሰፊኑ ከምዘሎን፡ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ይፍጸም ከምዘሎ ዝገልጽ ጸብጻባት ይኹን፡ ብዛዕባ'ቲ ክፍጠር ዝኽእል ዘይምርግጋእ ዝወጽኡ ዘለዉ ሓበሬታታት ይቕጽሉ ኣለዉ።

እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወለዐ ግጭት፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብቲ ክልል ዝነበረ መዓስከራት ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊኦም ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ብምኽፋት'ዩ ተጀሚሩ።

ልክዕ ከምቲ ኣብ ባይታ ዝካየድ ዘሎ ረጽሚ፡ ኣብ መርበባት ኢንተርነትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን'ውን ናይ ፕሮፖጋንዳ ኲናት ይካየድ ኣሎ።

ክልቲኦም ወገናት ድማ ስኑዕን ኣደናጋሪን ሓበሬታታት ኣብ ምንፋስ ተጸሚዶም ኣለዉ።

ኣሰሩ ክርከብ ዘይተኻእለ 'ዲፕሎማት ሕቡራት ሃገራት'

ወግዓዊ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ (EPA)፡ ሓደ ምስ ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሕ ዝነበረ ላዕለዋይ ዲፕሎማት፡ ንመርገጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ኣብ ትዊተር ክጽሕፍ ምጽንሑ ጸብጺቡ'ሎ።

ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ፡ ብሓደ ጆርጅ ቦልቶን (George Bolton) ዝተባህለ፡ @GboltonUN ዝብል ናይ ትዊተር ኣድራሻ ዘለዎ ስም ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ጠቂዕዎ'ሎ።

ንርእሱ ተንታኒ ፖለቲካን ብዓልስልጣን ሕቡራት ሃገራት ዝነበረን ምዃኑ ዝገልጽ "ሚስተር ቦልተን"፡ ንመራሕቲ ትግራይ "ጨካናት" ክብል ይገልጾም።

መራሒ ኢትዮጵያ ሽልማት ኖበል ሰላም ከምዝተቐበለ ብምጥቃስ ድማ፡ ኣመሪካ ካብቲ ግጭት ኢዳ ከተውጽእ ኣለዋ ይብል።

እቲ ርእይቶ ኣብ ናይ ኣምሓርኛን ትግርኛን ገጻት ፈይስቡክ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ተጠቂዑ'ሎ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ውልቀሰብ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ይሰርሕ ምንባሩ ዝገልጽ ዝኾነ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ክንረክብ ኣይክኣልናን።

ስእሊ ናይቲ ውልቀሰብ፡ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጋዜጣ ፋይናንሻል ታይምስ ዝምርምሮ ዝነበረ ብኪነታዊ ብልሓት (ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ) ዝተሰርሐ ናይ ሶፍትዌር ስእሊ ሓደ ኮይኑ ረኺብናዮ።

እቲ ምስሊ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ጸብጻብ ናይቲ ጋዜጣ ብኣብነት ዝቐረቡ፡ ብሓደ 'ኣድቨርሳርያል ኔትዎርክስ (GANs) ዝተፈጥሩ ስእልታት እዩ።

ኣብ ሓደ እዋን'ውን፡ ኩሉ እቲ በቲ ናይ ትዊተር ኣድራሻ ዝተጠቅዐ ጽሑፋት ለጊሱ ተዓዚብና። ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ከኣ፡ ናይ ፕሮፋይል ስእሊ ሓያሎ ግዜ ተቐዪሩ ነይሩ።

ሓንሳብ'ውን፡ ስእሊ ናይቲ ኣድራሻ ብናይ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ተተኪኡ ነይሩ- እቲ ናይ ኣድራሻ (ትዊተር ሃንድል) ግን ከምዘለዎ @GboltonUN ኮይኑ።

ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት'ውን ናይ ካልእ ስእሊ ኣትዩዎ ተራእዩ- እቲ ኣደራሻ ግን ኣይተቐየረን።

ኣደናጋሪ ስእሊ ናይ ሓደ 'ዝዓነወ ቤተክርስትያን'

እቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት፡ ኣብያተ-ከርስትያን ዝርከብዎም ብዙሓት ህንጻታት ኣዕንዩ ኣሎ።

ይኹን እምበር፡ ሓደ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ዝዝርጋሕ ዘሎ፡ ክልተ ደቂኣንስትዮ ኣብ መንደቕ ናይ ሓደ ዝዓነወ ቤተክርስትያን ክጽልያ ዘርኢ ስእሊ፡ ኣብ ትግራይ ዝዓነወ ቤተ ክርስትያን ኣምሲልካ ምቕራብ ግን ግጉይ'ዩ።

ኣብ ትግራይ ዝርከብ ኣይኮነን።

እቲ ስእሊ ምስተመርመረ ግን፡ ብሓደ ሰብ ኣብ 2018፡ ቅድሚ እቲ ኲናት ምውልዑ ማለት'ዩ፡ ኣብ ፈይስቡክ ተጠቂዑ ተረኺቡ።

ኣብ ሓደ ናይቲ ቱሪዝም መርበብ ሓበሬታ ከምዝሰፈረ ድማ፡ እቲ ቤተክርስትያን ኣብ ኤርትራ፡ ከተማ ዓዲ-ቀይሕ ከምዝርከብ ተገሊጹ'ሎ።

ቅድሚ 20 ዓመታት፡ ኣብ 1998 ኣብታ ከተማ ሓደ ቤተክርስትያን ብሓይልታት ኢትዮጵያ ተደብዲቡ ዓንዩ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ናይ ሽዑ ቪድዮ ረኺብና ምስ ኣነጻጸርናዮ፡ ልክዕ ምስዚ ስእሊ ዝመሳሰል ዝዓነወ ህንጻ ተዓዚብና።

እዞም ማይ ዝጸምኡ ቆልዑ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኣይኮኑን

ክልተ ቆልዑ፡ ኣብ ጽርግያ ካብ ዝዓቆረ ረሳሕ ማይ ክሰትዩ ዘርኢ ስእሊ፡ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ሕማቕ ሰብኣዊ ኩነታት ብዝገልጽ ጽሑፍ ተሰንዩ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ይዝርጋሕ ኣሎ።

ኣብ ሓደ ናይ ትዊተር ኣካውንት፡ ንምስሊ ናይቲ ስእሊ ብምሕንጻጽ፡ ምስ ሓደ ንትግራይ ዝድግፍ ናይ ትዊተር 'ሃሽታግ' ቀሪቡ'ሎ። "ብዛዕባ'ቲ ዝጠሚ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ዘሎ ኣፍልጦ ንምዕባይ ክሕግዝ ዝኽእል ሓሳብ ሓድሽ ምስሊ" ዝብል ርእይቶ ድማ ኣሰንይዎ ይርከብ።

እቲ ስእሊ ኣብ ሓደ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስራሓት ተተካኢ ጸዓት ዝሰርሕ 'ግሪም ሲን ኢነርጂ' ዝተባሃል ትካል ኣብ ፌስቢኮም ብረኪክ በቀለ ዝተበሃለት ሰብ ከምዝተሰኣለ መብርሂ ሰፊርዎ ክንርኢ ክኢልና ኢና።

ንሳ ነቲ ስእሊ፡ ብጸሓያዊ ጽዓት ዝሰርሕ መጨንጉዒ ማይ ኣበይ ክትከል ከምዝኽል እናኣጽንዐት እንከላ ኣብ ጎደና ባይሉሊ እያ ስኢላቶ።

ዘይተኻየደ 'መርመራ' ኣመሪካ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ታሪኻዊት ከተማ ኣክሱም ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣውጺኡ ነይሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ክስታት "ዝተሰንዑ" ክብል ነጺግዎም ነይሩ። ኤርትራ ብወገና፡ "ግጉይ" ክትብል ነጺጋቶ'ያ።

እቲ ጸብጻብ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ሓደ 'ሄራልድ' ዝተባህለ መንግስታዊ ጋዜጣ ኢትዮጵያ፡ ሓደ ጉጅለ ትካል ዓለምለኻዊ ልምዓት ኣመሪካ (USAID) ናብ ኣክሱም ብምኻድ ነቲ ክስታት ከምዝመርመሮን፡ "ዋላ ሓደ መቓብር ይኹን ቤተሰብ [ናይቶም ብጃምላ ዝተቐትሉ ዝተባህሉ ግዳያት] ኣይረኸበን" ክብል ጸብጺቡ።

እቲ ኣመሪካዊ ትካል ግን፡ ናብ ኣክሱም ዝሰደዶ መርማሪ ጉጅለ ከምዘየለ'ዩ ዝገልጽ።

እቲ ትካል ዓለምለኻዊ ልምዓት ኣመሪካ "ዩ-ኤስ-ኤ-ኣይ-ዲ፡ ዝገበሮ መርመራ የለን፡ ነቲ ኣብ ኣክሱም ተኻይዱ ዝብሃል ፍጻሜታት ንምምርማር ዝሰደዶ ጉጅለ'ውን የለን" ክብል ብትዊተር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

መግለጺ ቪድዮ,

ካብቶም ኣብ ሓሸዋ ዝተረፉ ኣሕዋተይ ኣነ ይሓይሽ