"ወተሃደራት ኤርትራ ሰለስተ ጥይት ተኲሶም ወቒዖምኒ፡ ግን ድሒነ" ነባሪ ከተማ ኣኽሱም

ገለ ካብ ግዳያት ኣክሱም

ምንጪ ስእሊ, EHRC

መግለጺ ስእሊ,

ገለ ካብ ግዳያት ኣክሱም

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ወተሃደራት ኤርትራ ናብ ትግራይ ብምእታዉ ኣብ ከተማ ኣክሱም ልዕሊ 100 ሲቪላውያን ሰባት ከምዝቐተሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ገሊጹ።

እቲ ኮሚሽን፡ ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ብተጣበቕቲ ጉጅለታት ዝወጸ ጸብጻብ ጃምላዊ ቅትለት መሰረት ብምግባር ካብ 25 ክሳብ 5 ለካቲት መርመራ ከምዘካየደን፡ ናይ መጀመርታ ብርኪ ጸብጻቡ ከምዘውጽአን ሓቢሩ'ሎ። ኣብ'ቲ ሓድሽ ጸብጻቡ፡ መጥቃዕቲ ንዝበጽሖም ሰባት፣ ንስድራ ግዳያት፣ ከምኡ'ውን ንመሰኻኽር ዓይኒ ከምዘዛረበ ይገልጽ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ (28ን 29ን ሕዳር) ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣክሱም "ዘስካሕክሕ ቅትለታት" ከምዝፈጸሙ መሰኻኽር ዓይኑ ከምዝሓበርዎን፡ እቲ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ወይ ገበናት ኩናት ክኸውን ከምዝኽእል እቲ መንግስታዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣሚቱ።

ዋላ'ኳ ኤርትራ ነዚ በዚ ኮሚሽን ዝወጸ ሓድሽ ጸብጻብ ዛጊት ግብረመልሲ እንተዘይሃበትሉ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ዝወጸ ተመሳሳሊ ጸብጻባት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሁዩማን ራይትስ ዎችን "ስኑዕ" ክትብል ነጺጋቶ ምንባራ ይዝከር።

ብክልቲኦም ጉጅለታት ዝወጹ ጸብጻባት፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር 2020 ወታሃደራት ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣክሱም ብምእታዉ "ጃምላዊ ቅትለት" ኣማኢት ሰባት ፈጺሞም ክብሉ ከሲሶም ነይሮም።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገረብመስቀል ኣብ 05 መጋቢት ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ክልቲኦም "ማናቱ" ተጣበቕቲ ጉጅለታት፡ ኣብ ኤርትራ "ናይ ስርዓት ለውጢ" ንምምጻእ ክሰርሑ ዝጸንሑ'ዮም ክብል ነቶም ዘውጽእዎም ጸብጻባት ተቓዊምዎም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ኣመልኪቱ ትማሊ ሰሉስ ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝርከቡ ቦታታት ተቐጻጺሩ ከም ዝርከብ ንፈለማ እዋን ኣረጋጊጹ'ሎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ወሲኹ፡ ኣብ ትግራይ ሰራዊት ኤርትራ ዝፈጸሙዎ ግህሰት እንተሃልዩ ስጉምቲ ክውሰድ'ዩ ብምባል፡ መንግስቲ ኤርትራ'ውን ከምዝኹንኖን፡ ግፍዒ ዝፈጸሙ ወታሃደራት እንተልዮም ክሕተቱ ምዃኖም ቃል ከምዝኣተወሉን ጠቒሱ።

ዛጊት መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ'ቲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝሃቦ መግለጺ'ውን ዝኾነ ግብረመልሲ ኣይሃበን ዘሎ።

ትሕዝቶ ጸብጻብ ናይቲ ኮሚሽን እንታይ'ዩ?

ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ብብዝሒ ክረኣዩ ዝጀመሩ፡ ብኣቆጻጽራ ግእዝ ሕዳር 18 ምንባሩ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጸብጻቡ ዝገለጾም ነበርቲ ይዛረቡ።

ድሕሪ ሓደ መዓልቲ፡ ሕዳር 19 ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ናይ'ታ ከተማ ተኹሲታት ክስማዕ ከምዝጀመረ ይዛረቡ።

"ብዙሓት ሰባት መንቀሊ ናይ'ቲ ተኹሲ ከምዘይፈልጡ እዮም ዝገልጹ" ዝብል እቲ ጸብጻብ፡ ገለ ሰባት ግን ዕጡቓት ናይ'ቲ ከባቢ ናብ ወተሃደራት ኤርትራ ተኹሲ ከፊቶም ስለዝነበሩ ወተሃደራት ኤርትራ "ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት" መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ይገልጹ።

ብፍላይ ድማ ንደቂተባዕትዮ ዒላማ ከምዝገበሩ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

"ወተሃደራት ኤርትራ ገዛ ንገዛ እናዞሩ 'ሰብኣይኪ ኣበይ ኣሎ? ወድኺ ኣበይ ኣሎ? ተባዕታይ እንተሎ ኣውጽዮ' እናበሉ ብትግርኛ ይሓቱ ነይሮም። ተባዕትዮ ሰላማውያን ሰባት ዕጥቂ የብልናን እናበሉ'ኳ እንተተማሕጸኑዎም፡ ንተባዕትዮ ካብ ገዛ እናውጽኡ ንኻልኦት ድማ ኣብ ገዝኦም እንተለዉ ብዘስካሕክሕ መገዲ ቀቲሎምዎም" ይብል እቲ ጸብጻብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓደ ነባሪ ከተማ ኣክሱም ድማ ከምዝስዕብ ምስክርነቲ ሂቡ ንረኽቦ።

"ሕዳር 19፡ ወተሃደራትኤርትራ ፡ ንጉሆ ኣስታት ሰዓት 4፡00 ንዓይን ንኻልኦት ኣወዳትን ከካብ ገዛናን ካብ መገድን ኣርዮም ወሲዶምና። ንዓይ ብሰለስተ ጥይት እኳ እንተወቕዑኒ፡ ግን ድሒነ። ካልኦት ምሳይ ዝነበሩ ሰባት ሞይቶም።" ይብል።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ንዛንታ ናይ'ዚ ወሃቢ ምስክር ብሰብሞያኡ ኣቢሉ ዘረጋገጾ ኾይኑ፡ ኣብ ኣካሉ ንዝበጽሐ ጉድኣት'ውን ከምዝተዓዘበ ገሊጹ'ሎ።

ብወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ኣክሱም ዝተቐተሉ ግን ተባዕትዮ ጥራይ ከምዘይነበሩ እቲ ጸብጻብ የረድእ። ካብቶም ኣብ'ቲ ጸብጻብ ዝሰፈሩ ቅትለታት ሓደ፡ ሓንቲ ኣደን ውላዳን ከመይ ከምዝተቐተሉ የብርህ።

ንኣብነት፤ ሙልጌታ ፍሰሃ ዝተብሃለ ወዲ 14 ዓመት ቆልዓ ኣዲኡ ብወተሃደራት ኤርትራ ተቐቲላ እናበኸየ ናብ'ቲ ዝወደቐትሉ ቦታ እናጎየየ እንትኸድ ንዕኡ'ውን ከምዝቐተሉዎ ናይቶም መወትቲ ኣዝማድ ይዛረቡ።

"ህረሞ ... ህረሞ"

ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ከምዘርእዮ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ'ቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፈጸምዎ ቅትለታት ብተወሳኺ፡ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ልዕሊ ትካላት ሃይማኖት'ውን ዕንወት ኣውሪዶም እዮም።

ኣብ'ቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸምሉ መዓልቲ (ሕዳር 19)፡ "ብዝሖም ዘይፍለጥ ወተሃደራት ኤርትራ፡ ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ዝርከብ ናይ መቃብር ቦታ ኮይኖም፡ ነቲ ህንጻ ቤተክርስትያን ከፍርሱ 'ህረሞ ... ህረሞ' እናበሉ ብጥይት ክወቕዕዎ ከምዝወዓሉ ኣብ'ታ ቤተክርስትያን ተዓቑቦም ዝወዓሉ መሰኻኽር ዓይኒ ነቲ ኮሚሽን ገሊጾም" ይብል እቲ ጸብጻብ።

ምንጪ ስእሊ, EHRC

መግለጺ ስእሊ,

መጥቃዕቲ ዝበጽሖ ቤተክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል

ህንጻ መንበሪ ሓካይም ዩንቨርሲቲ ኣኽሱም'ውን "ኮነ ተባሂሉ ብጠያይቲ ተወቒዑ" ኢሎም።

ቅንይ ኢሉ ድማ፡ ብኣቆጻጽራ ግእዝ ታሕሳስ 14፡ ወተሃደራት ኤርትራ ናብ ታሪኻዊ ቤተክርስትያን ማርያም ጽዮን ብምእታው ክዘምቱ ከምዝፈተኑን፡ "ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ህዝብን ተሓባቢሩ" እቲ ዘመተ ከይፍጸም ከምዝገበረን ነበርትን ኣገልገልቲ ቤተክርስትያንን ነቲ ኮሚሽን ተዛሪቦም።

እቲ ጸብጻብ ካልእኸ እንታይ ይብል?

እቲ መንግስታዊ ኮሚሽን፡ ኣብ ከተማ ኣክሱም ዝተፈጸሙ ግህሰት መሰላት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ እቶም ግህሰታት "ተራ ገበናት ዘይኮኑስ፡ ንዓለምለኻዊ ሕግታትን መትከላትን ዝጥሕሱ እዮም" ኢሉ።

ኣብ ኣክሱም፡ ኣብ ጎንጺ ተሳተፍቲ ዘይነበሩ ሰላማዊ ሰባት ኮነ ተባሂሉ ዒላማ ከምዝተገበሩ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ ወተሃደራዊ ኣገዳስነት ዘይብሎም ንብረት ሰላማውያን ሰባት፣ ትካላት ሃይማኖትን ትካላት ሕክምናን'ውን ኮነ ተባሂሎም ክዓንዉን ክዝመቱን ተገይሩ ይብል።

ካልኦት ዓለምለኻውያን ተሓለቅቲ መሰላት'ውን ኣብ ትግራይ ግህሰት መሰላት ከምዝተፈጸመ ዝገልጹ ጸብጻባት ከውጽኡ ጸኒሖም እዮም። ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ሕቡራት ሃገራትን'ውን በቲ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት መሰላትን ቅትለት ሰላማውያን ሰባት ከምዝተሻቐሉ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ከምዝበሎ፡ ብኣቆጻጽራ ግእዝ ካብ ሕዳር 19 ክሳብ 21 ሕዳር 2013፡ ኣብ ክልተ መዓልታት ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተፈጸመ ኮይኑ "ልዕሊ 100 ሰላማዊ ሰባት ኣብ ኣክሱም ብዝነበሩ ወተሃደራት ኤርትራ ተቐቲሎም"።

እዚ ብዝሒ ግን፡ ኣብ'ታ ከተማ ንዝበጽሐ ጠቕላላ መጥቃዕቲ ዝገልጽ ዘይኮነስ፡ እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝገበሮ ምጽራይ ዘረጋገጾም ብዝሒ ጥራይ ዘርእይ ከምዝኾነ ይገልጽ።

ኣብ'ቲ ጸብጻብ ዝተጠቐሱ ነበርቲ ኣክሱም፣ ስድራ ግዳያትን መሰኻኽር ዓይንን "ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ኣብ ቅድሚ ደቆም፣ ኣንሽቶምን ኣደታቶምን ብዘስካሕክሕ ኩነታት ተቐቲሎም" ይብሉ።

ኣብ'ቲ መጥቃዕቲ ዝተቐተሉ ድማ፡ ነበርቲ ኣክሱም ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ብሰንኪ እቲ ጎንጺ ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ትግራይ ተመዛቢሎም ዝመጹን ከምኡ'ውን ንበዓል ሕዳር ጽዮን ክጽንብሉ ናብ'ታ ከተማ ዝኣተዉ ኣጋይሽን ከምዝርከብዎም እቲ ጸብጻብ የርኢ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ሰብ ሞያ ናብ ከተማ ኣክሱም ብምውፋር፡ መትቃዕቲ ንዝበጽሖም ሰባት፣ ንስድራ ግዳያት፣ ንመሰኻክር ዓይንን መራሕቲ ሃይማኖትን ከምዘዘራረበ ይገልጽ።

ካብ'ቲ ብወተሃደራት ኤርትራ ዝተፈጸመ ግህሰታት ብተወሳኺ፡ ብምኽንያት ሰዓት እቶ እቶ ብሓይልታት ጸጥታ ዝውሰድ ስጉምቲታት'ውን ተመጣጣኒ ዘይምዃኑን፡ በዚ ምኽንያት ድማ ህይወት ሰባት ከምዝጠፍአን ጉድኣት ኣካል ከምዘጋጠመን ዝገለጸ እቲ ኮሚሽን "ብህጹጽ ደው ክብል" ጸዊዑ'ሎ።

ኣመዓባብላ ናይቲ ኵናት

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።

ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ዓትዒትዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ።

ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለዘይተቐበሎ ከምዝወጽእ ኣነጺሩ። ኣብ ክፍላ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ። በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ።

ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።

እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ "ዘይሕገመንግስታዊን" "ዘይሕጋውን" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ ነጺግዎ። ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከምዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ።

እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ'ውን፡ እታ ኣፈጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝነበረትን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ዝነበረት ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም እቲ ውሳነ ከይሓለፈ እንከሎ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ወሪዳ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ድሕሪ ምጽዳቑ ኸኣ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ብ12 ሰነ 2020 ወሲኑ።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ክልላዊ ምርጫ ከካይዶ'ኳ ብወገን ትግራይ ጠለብ ቀሪቡሉ እንተነበረ፡ ስለዝነጸጎ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ተገዲዱ።

ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ።

ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።

ብውገን ህወሓት፡ ዝርርብ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕን ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክፍጠርን ዝብል ቅድመ ኵነት ቀሪቡ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ እናኸረረ ዝመጸ ምትፍናንን ወጥሪን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕን ሰፊሕን ኲናት ኣምሪሑ፡ ኣብቲ ክልል ከቢድ ቅልውላዉ ፈጢሩ ይርከብ።