ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንምክትሉ ካማላ ሃሪስ ጉዳይ ስደተኛታት ክትከታተል ሸይሙ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ምክትሉ ካሚላ ሃሪስን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ምክትሉ ካሚላ ሃሪስን

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ምክትሉ ኾይና ዝተመርጸት ካሚላ ሃሪስ ጉዳይ ስደተኛታት ክተከታተል ሸይሙ።

ባይደን፡ ንካማላ ሃሪስ 'ከቢድ ሰራሕ እየ ሂበኪ ግን ከኣ ነቲ ሓላፍነት እትምጥኒ ትኽኽለኛ ሰብ ንስኺ ኢኺ' ክብል ንኢዱዋ።

ናቱ ምምራጽ ስዒቡ ብፍላይ ብዶብ ደቡባዊ ኣመሪካ ኣቢሎም ካብ ሜክሲኮ ናብ'ታ ሃገር ዝኣትዉ ብዝሒ ስደተኛታት ኣዝዩ ወሲኹ ከምዘሎ ይዝረብ።

ካብ መንጎኦም ኣላዪ ዘይብሎም ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ህጻውንቲ ዝርከብዎም ኮይኖም፡ ኣብ መጽንሒ 'ኢሚግሬሽን' እዮም ዝርከቡ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ዘይህጋዊ ስግረ -ዶብ ሜክሲኮ-ኣመሪካ ዝኽተሎ ብዝነበረ ተሪር ፖሊሲ ኣዝዩ ይንቀፍ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ,

ኣብ ዶብ ሜክሲኮ-ኣመሪካ

ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ግና፡ ምምሕዳር ጆ ባይደን ነቲ ዝጸንሓ ፖሊሲ ብምእራም፡ ህጻናት ምስ ወለዶምን ካልኦት ኣብ ኣመሪካ ምስ ዝቕበልዎምን ክራኸቡን ክኣትዉ ክፈቅድን ይሰርሕ ኣሎ።

እንተኾነ፤ ባይደን ዝክተሎ ዘሎ ፖሊሲ ብዙሓት ስደተኛታት ዶብ ጥሒሶም ንክኣትዉ ዘበረታትዕ እዩ ዝብል ነቐፌታ ይበጽሖ ኣሎ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት ጥራይ፡ ሓለፍቲ ጉምሩክ ኣመሪካ ልዕሊ 100 ሽሕ በቲ ዶብ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝሰገሩ ሰባት ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ ዝገበረ ኾይኑ፤ እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ወርሒ፡ ናይ 28 ሚኢታዊ ወሰኽ ኣለዎ ተባሂሉ።

ባይደን ነዚ ጸገም ክትፈትሕ ሓላፍነት ዝህባ ዘሎ ሃሪስ ኣብ ዝሸመሉ እዋን፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋይት ሃውስ ንዝርከቡ ሰብ ስልጣንን ንጋዜተኛታትን፤ "እዚ ኩሉ ዝውሕዝ ዘሎ ስደተኛ ጠጠው ንምባል ዓብዪ ተኽእሎን ዓቕምን ዘለዋ ሰብ እያ" ክብል ተዛሪቡ።

ኣመሪካ ሕማም ርእሲ ኮይኑዋ ዘሎ ጉዳይ ስደተኛታት ብፍላይ ካብ ሃገራት ሜክሲኮ፣ ሆንዱራስ፣ ጓቴማላን ኢልሳልቫዶርን ዝበሃላ ሃገራት ዝውሕዙ እዮም።

ካማላ ሃሪስ ቅድም ክብል ዋና ዓቃቢት ሕጊ ግዝኣት ካሊፎርንያ ኮይና ምስራሓ ነዚ ዕላማ ክሕግዛ እዩ ዝበለ ኾይኑ፡ "ክትዛረብ እንከላ ናይ ልበይ እያ ትዛረበለይ" ድማ ኢሉ።

ካማላ ሃሪስ ብወገና፡ "ርግጽ እቲ ስራሕ ቀሊል ኣይክኸውንን'ዩ፤ ግን ድማ ግድን ክስራሕ ዘለዎ እዩ" ዝብል ምላሽ ሂባ።

ዝበዝሑ ካብቶም ስደተኛታት ካብ ድኽነትን ጎንጽን ንምምላጥ እዮም ናብ ኣመሪካ ዝውሕዙ ዘለዉ።

ሃሪስ ምስ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ኣብ ዝነበራ ጻንሒት፤ ኣብቲ 'ሰሜናዊ ትርያንግል' እናተብሃለ ዝጽዋዕ፡ ሱር ናይቲ ጸገም ፈሊጥካ ኣብኡ ኣድሂብካ ምስራሕ ከድሊ እዩ ኢላ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ኣብ ግዝኣት ቴክሳስ ካብ ብዶብ ሜክሲኮ ኣቢሎም ዝሰገሩ ህጻውንቲ ኣብ ጸበብቲ ክፍልታት ተኣጒዶም ዘርእዩ ምስለልታት ወጺኦም ነይሮም።

እቶም ዝተጸቓቐጡ ህጻውንቲ ዘርኢ ምስልታት ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝተኣሳሰር'ውን ሕቶ ከልዕሉ ምክንኣት ኮይኖም ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ,

ዶና [ቴክሳስ] ኣብ ዝተብሃለ ኣብ ዶብ ከባቢ ዝርከብ ብፕላስቲክ ዝተፈላለዩ ህጻናት

ሓላፊ ፕሬስ ቤት ጽሕፈት ዋይት ሃውስ ኣመሪካ፡ ጄን ፕሳኪ፡ እቲ ምምሕዳር ብግልጽነት ከምዝሰርሕን ሚድያ ኮነ ተሻረኽቲ ኣካላት ናብቲ ከባቢ ከይዶም ክርእዩ ከምዘጣጥሕን ተዛሪቡ።

ባይደን ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ፡ ነቲ ብፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ብፕረዚደንት ኣብ ዶብ ሜክሲኮ ክስራሕ ተጀሚሩ ዝነበረ ሓጹር ጠጠው ዘበለ ኾይኑ፡ ትራምፕ ዓጺፍዎ ዝነበረ ፖሊሲ መደብ ስደተኛታት ድማ መሊሱ ክረአ ይግብር ኣሎ።