መረጻ 2013፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዝጅመር ምዝገባ መረጽቲ እንመን'ዮም ክምዝገቡ ዝኽእሉ?

መዝገብ መረጽቲ

ምንጪ ስእሊ, NEBE/FB

ሎሚ መዓልቲ 16 መጋቢት 2013 ዓ.ም [25 መጋቢት 2021] ንሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ምዝገባ መረጽቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ክጅመር እዩ።

ቦርድ መረጻ፡ 28 ግንቦትን 5 ሰነን ፡ 2013 ዓ.ም ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ መረጻ፡ 50 ሚልዮን ክሳተፉ እዮም ኢሉ ትጽቢት ከምዝገበር ገሚቱ ነይሩ።

ኣብቲ ሃገራዊ መረጻ ንምውድዳር ልዕሊ 47 ውድባት ፖለቲካ ክሳተፉ ምዃኖም እቲ ቦርድ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ከምኡ ድማ፤ 125 ውልቀ ሰባት ብውልቶም ክወዳደሩ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

10 ሰሙናት ጥራሕ ዝተርፎ ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ፡ ዛጊድ 8209 ሕጹያት ንክልልን ንተወከልቲ ህዝብን ተመዝጊቦም ኣለዉ።

ንመረጻ ንምምዝጋብ እንታይ የድሊ?

ሕጊ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ሓደ ሰብ ንክመርጽ ክምዝገብ ዝክእል ዜግነቱ ኢትዮጵያዊ ኾይኑ ወዲ 18 ዓመትን ልዕሊኡን ክኸውን ኣለዎ።

ከምኡ ድማ፡ ኣብቲ ንክመርጽ ዝምዝገበሉ ቦታ ብውሕዱ ን6 ወርሒ ልዕሊኡን ዝተቐመጠ ክከውን ኣለዎ።

ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንርእሶም ክኢሎም ክምዝገቡ ዘይኽእሉ ሰባት ድማ፡ በሓገዝቶም ኣቢሎም ብኣካል ተረኺቦም ክምዝገቡ ከምዝኽእሉ ሓበሬታ ሰፊሩ ኣሎ።

ኣርማ ቦርድ መረጻ

ምንጪ ስእሊ, National Electoral Board of Ethiopia

ንምምዝጋብ እንታይ ሒዙ ክርከብ ኣለዎ?

ሓደ ናብ መመዝገቢ ናቑጣ ዝኸይድ ሰብ ንመንነቱ ዝገልጽ መለለዪ ካርዲ ሒዙ ክርከብ ኣለዎ።

ናይ ቀበሌ መለለዪ ካርድ ዘይብሉ ሰብ ድማ፡ ዋላ ዘይተሓደሰ'ውን እንተኾነ ፓስፖርት ሒዙ ክቀርብ ይኽእል እዩ።

ከምኡ'ውን ናይ ቀረባ ግዜ ስእሊ ዘለዎ፡ ናይ መኪና መዘወሪ ፍቃድ፣ መንበሪ ምስክር ወረቐት፣ ካብ ወትህድርና ዝተሰናበተሉ ሰነድ ወይ ካአ ናይ ቤት ትምህርቲ ታሴራ ሒዙ ክቐርብ እኽእል እዩ።

እዚ ኩሉ ከቕርብ ዘይከኣለ ውልቀ ሰብ፡ ናይቲ ቀበሌ ነባርቲ ምዃኖም ዝተረጋገጸ ሰለስተ ሰባት እንተመስኪሮምሉ ክምዝገብ ይኽእል እዩ፤ ቃለ-ጉባኤ ግን ክተሓዝ ኣለዎ።

ኣብ ገጠር ድማ ዝኾነ ይኹን ልማዳዊ መገዲ ተጠቒሞም ብምስክርነት ምምዝጋብ ከምዝከኣል ኣብቲ ናይቲ ቦርድ ሓበሬታ መውሃቢ ድረ-ገጽ ሰፊሩ ይርከብ።

ክምዝገብ ዘይኽእል መን እዩ?

ብምኽንያት ሕማም ኣእምሮ ናይ ምውሳን ጸገም ዘለዎ ምዃኑ ስልጣን ብዘለዎ ኣካል ወይ ካኣ ብመርትዖ ዝተረጋገጸ ሰብ ክምዝገብ ከምዘይኽእል ብሕጊ ተወሲኑ እዩ።

ከምኡ ድማ፡ ብሕጊ ወይ ከኣ ኣግባብ ብዘለዎ ካልእ ሕጋዊ መሰረት ብቤት ፍርዲ ዝተኣገደ ሰብ ክመርጽን ክምዝገብን ኣይኽእልን።

ኣበይ እዩ ምዝገባ ዝካየድ?

ሓደ መረጺ ኣብ ሓደ ናይ መረጻ ናቑጣ እዩ ክምዝገብ ዝኽእል።

ካብዚ ብዝዘለለ፡ ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ኣርባሕቲ እንስሳት [ሰበኽ ሳግም] ከም ኣድላይነቱ ሓድሽ ናይ መረጻ ምዝገባ ናቑታታት ምጥያሽ ይከኣል እኡ።

ኣብዚ መረጻ፡ ኣብ መላእ ሃገር ድምጺ ዝወሃበሎም ልዕሊ 50 ሽሕ ናይ ምርጫ ናቑጣታት አለዉ።

ልዕሊ 152 ሽሕ ምዝገባ ዘካይዱ ሰብ ሞያ፡ ከምኡ'ውን ልዕሊ 254 ሽሕ ፈጸምቲ መረጻ ከምዝተዋፈሩ ተገሊጹ እዩ።

እቲ ኣብ መላእ ሃገር ሎሚ ዝጅመር ምዝገባ መረጻ፡ 15 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም ከምዝዛም ቦርድ መረጻ ኣፍለጡ ኣሎ።

መረጻ 2013

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ ሃገራዊ መረጻ፤ ብሰንኪ ኮሮናቫረስ ምንውሑ ዝዝከር እዩ።

ቦርድ መረጻ ኣድላይ ምድላዋት ከምዝገበረ ዝገልጽ ኮይኑ፡ ኣብ መጻኢ መወዳእታ ወርሒ ግንቦትን መጀመርታ ወርሒ ሰነ ክካየድ እዩ መደብ ሒዙ ምንቅስቓስ ዝገብር ዘሎ።

ካብቶም ኣብቲ መረጻ ከምዝሳፉ ዘፍለጡ ፖለካዊ ውድባት፡ ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግና፡ 2432ሕጸያት ተወዳደርቲ ብምቕራብ ብበዝሒ ዝመርሕ ዘሎ ኾይኑ፡ ካብኡ ቀጺሉ ኢዜማ 1385 ሕጹያት፤ ከምኡ ድማ 'እናት ፓርቲ' 573 ሕጹያት ብምረቅራብ ይመራርሑ ኣለዉ።

ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ኣብ'ታ ኣብ ኩናት ዘላ ክልል ትግራይ ኣብ ወርሒ ግንቦት/ሰነ መረጻ ከም ዘይካየድ ኣፍሊጡ እዩ።

እቲ ቦርድ፡ ኩነታት ተራእዩ መረጻ ዝካየደሉ እዋን ከም ዝውስን'ውን ገሊጹ እዩ።

ኣብ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ህጹጽ ኣዋጅ ምስ ተላዕለ መረጻ ክካየድ ከም ዝኽእል'ውን ተአንፊቱ።