ኮሮናቫይረስ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን፡ ክታበት ምስ ድኻ ሃገራት ተኻፊሎም ክጥቀሙ ሓቲቱ

ክታበት ኣስትራዜኔካ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ገለ ትካላት ገበርቲ ሰናይ፤ ንቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ሃገሩ ንድኻ ሃገራት ክንደይ ዝኣክል ብልቃጥ ክታበት ክትልግስ ከምዝተለመት ክንጽር ሓቲቶምዎ።

እቶም 'ሴቭ ዘ ቺልድረን'ን 'ዌልካም ትረስት'ን ዝርከብዎም ትካላት ገበርቲ ሰናይ፤ በቲ ሃብታም ሃገራት ንድኻ ሃገራት ክታበት ኮሮናቫይረስ ዘልግስሉ መደብ 'ኮቫክስ'፡ እንግሊዝ ምልጋስ ክትጅምር'ውን ሓቲቶም።

ዋና ጸሓፊ ባህሊ ኦሊቨር ዳውደን፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሪጣንያ ካብ ዜጋታታ ዝተረፈ ክታበት ከምዘየሎን፡ ምስዝህሉ ግን ንምልጋስ ድልውቲ ምዃና ተዛሪቡ።

ብርጣንያ ኣብዚ ሕዚ እዋን፤ ልዕሊ 400 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ካብ ኣፍረይቲ ትካላት ጠሊባ ኣላ፡ ንዜጋታት ምስ ከተበት ብዙሕ ከምዝተርፋን ንድኻ ሃገራት ከምእተውዕሎን እዩ ዝግመት።

በቲ መስርሕ ኮቫክስ፡ ቀዳሞት ተረባሕቲ እቲ ክታበት ዝኾና ሃገራት፤ ኣፍጋኒስታን፣ ሃይቲ፣ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ ኢትጵያን ሶማልያን ይርከበአን።

ዛጊድ ልዕሊ 29 ሚልዮን ዜጋታት እንግሊዝ ክታበት ከምዝረኸቡ እዩ ዝግለጽ።

እቶም ትካላት ገበርቲ ሰናይ፡ ኣብ'ቲ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ ካብተን ሃብታም ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ብሪጣንያ፤ ካብቲ ዝኣዘዘቶ ብልቃጥ ልዕሊ 100 ሚልዮን ትርፊ ከምዝኸውን እዮም ዝገልጹ።

"ሰብ ሞያ ድኻ ሃገራት ሕዚ ነቲ ሕማም ኣብ ዝተቃልዕሉ እዋን፤ እንግሊዝ ግን ውሑድ መጠን ክታበት ጥራሕ ከይትልግስ ስግኣት ኣሎ" ይብል እቲ ደብዳበ።

እቶም ትካላት ገበርቲ ሰናይ፤ እታ ሃገር እቲ ዘለዋ ብበዝሒ ብልቃት ክታበት ናይ ምልጋስ ዓቅሚ ኣብ ግምት ኣእትያ፤ በቲ መደብ ኮቫክስ ሓገዝ ምግባር ክትጅምር ተላብዮም።

ዳይሬክተር ዌልካም ትረስት፤ ሳይንትስት ሰር ጀርሚ ፋራር፡ " እዚ እዋን ካብ ዶብ ኣርሒቅና ንርኤሉ እዋን እዩ። ሓንቲ ሃገር በቲ ለበዳ እናተቓለሰት ዓለም ነጻ ክትከውን እያ ማለት ዘበት እዩ" ኢሉ።

"ዝገደደ ኮይኑ ክስፋፋሕ ይኽእል። ምናልባሽ'ውን መልክዑ ቀይሩ፡ በዚ ናይዚ ሕጂ ክታበት ክንከላኸሎ ናብ ዘይክእል ደረጃ በጺሑ ተመሊሱ ክመጽእ ይክእል እዩ። እዚ ናይ ሕልና ጉዳይ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ሳይንሳውን ቁጠባውን መሰረት ዝገበረ ተበገድሶ እዩ" ድማ ኢሉ።

ካብተን ነቲ ደብዳበ ዝፈረማ ገበርቲ ሰናይ፡ ዋን ኤንድ ግሎባል ሲቲዝን፣ ዘ ሪዛልትስ፣ ፓንደሚክ ኣክሽን ኔትወርኽ ይርከበኦም።

ሚስተር ዳውደን ከምዝበሎ ግን፤ ሃገሩ ነቲ መደብ ኮቫክስ ተግባራውነት ናይ 548 ሚልዮን ዶላር ልገሳ ሓዊሱ፡ ኣብ ጎስጓስ ብዘሕ ከምዝሰርሐት፤ ሕዚ ግን ንግዚኡ ቀዳምነት እትህቦ ንዜጋታት ምክታብ ከምዝኾነ ንስካይ ኒውስ ኣረዲኡ።

እቲ ዓባይ ብርጣንያ ዝገበረቶ ልገሳ፤ ዳርጋ 20 ሃገራት ክረበሓ ከምዝሓገዘ እቲ በዓል መዚ መንግስቲ ገሊጹ።