ሰሜን ኮርያ፡ ክልተ ባላስቲክ ሚሳኤል ናብ ባሕሪ ጃፖን ተኲሳ ብምባል ጃፓንን ኣመሪካን ከሲሰን

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጁንግ ኡን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሰሜን ኮርያ ክልተ ባላስቲክ ሚሳኤል ናብ ባሕሪ ጃፓን ቶኵሳ ክብላ ኣመሪካን ጃፓንን ሓቢረን፡ እዚ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንመጀመርታ ግዜ ዘጋጥም ዘሎ ክስተት እዩ።

ባላስቲክ ሚሳኤል ሓደ ካብቶም ኣስጋእቲ ኣጽዋራት ኮይኖም፡ ሰሜን ኮርያ ኣቀዲማ ዝኾነ ፈተነ ባላስቲክ ሚሳኤል ከይትገብር ብሕቡራት ሃገራት ተኣጊዳ'ያ።

ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ነቲ ብሰሜን ኮርያ ዝተኻየደ ፈተነ ባላስቲክ ሚሳኤል ኮኒነንኦ ኣለዋ።

ሰሜን ኮርያ ቅድሚ ክልተ መዓልታት'ውን ባላስቲክ ሚሳኤል ዘይኮነ ሚሳኤል ኣብ ብጫ ባሕሪ ፈተነ ኣካይዳ ነይራ እያ።

ጃፓን ዋላ እኳ ነቲ ብሰሜን ኮርያ ዝተኻየደ ፈተነ ባላስቲክ ሚሳኤል እንተኾነነቶ፡ ኣብ ክሊ ማያ ዝኾነ ንጣር ናይቲ ባላስቲክ ሚሳኤል ከምዘይዓለበ ሓቢራ ኣላ።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ እዚ ሓይሊ ኣመሪካ፡ ሰሜን ኮርያ ፈተነ ባላስቲክ ሚሳኤል ድሕሪ ምክያዳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ሰሜን ኮርያ ትገብሮ ዘላ ፈተነ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ንጎረባብታን ንማሕበረሰብ ዓለምን ዘተሓሳስብ እዩ" ኢሉ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነቲ ሰሜን ኮርያ ዘካየደቶ ፈተነ ባላስቲክ ሚሳኤል ኣመልኪቱ ብሕጂ እዩ ወግዓዊ መግለጺ ክህብ።

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ሰሜን ኮርያ ብሰሉስ ዘይባላስቲካዊ ሚሳኤል ፈተነ ምስ ኣካየደት፡ እቲ ዝተጠቐመትሉ ዓይነት ሚሳኤል ካብቲ ዝተኣገደ ስለዘይኮነ፡ ነቲ ፈተነ ከም ቶኵታኲ ተግባር ከምዘይሓስቦ ገሊጹ ነይሩ።

ሰብ መዚ ጃፓን፡ ሰሜን ኮርያ ነቲ ባላስቲክ ሚሳኤል ብኣቆጻጽራ ሰዓት እቲ ከባቢ ልክዕ ሰዓት ሸውዓተ ናይ ንግሆ ከምዝተኰሰቶ ገሊጸም።

መግለጺ ስእሊ,

ሰሜን ኮርያ ካብ ትውንኖ ዓይነት ሚሳኤላት

እቲ ባላስቲክ ሚሳኤል ሚሳኤል ናብ ባሕሪ ጃፓን ቅድሚ ምዕላቡ ብቅደም ተኸተል 420 ኪሎ ሜተር ከምኡ'ውን 430 ኪሎሜተር ብምውንጫፍ ካብ ክሊ ማይ ናይ ጃፓን ወጻኢ ኣብ ዝኾነ ቦታ ዝኾነ ጉድኣት ከየስዓበ ከምዝዓለበ ተፈሊጡ።

ሰሜን ኮርያ ቅድሚ ሓደ ዓመት ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕን መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጁንግ ኡንን ርክባቶም ምምሕያሽ ኣብ ዘርእየሉ ዝነበረ ተመሳሳሊ ፈተነ ኣካይዳ ምንባራ ዝዝከር እዩ።

ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ ሰሜን ኮርያ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ንምፍጣር ዝገበርዎ ፈተነ ዕውት ከምዘይኮነ ኣቐዲሞም ገሊጾም ነይሮም።