ኮሮናቫይረስ፡ መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ቀረብ ክታበት ንምውሳኽ ክዘራረቡ እዮም

ኣውሮጳዊ ሕብረት ምስቲ ዓባይ ብርጣንያ ንዜጋታታ ከቲባቶ ዘላ ብምንጽጻር ዶንጉዩ ኣሎ ተባሂሉ ይንቀፍ እዩ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ,

ኣውሮጳዊ ሕብረት ምስቲ ዓባይ ብርጣንያ ንዜጋታታ ከቲባቶ ዘላ ብምንጽጻር ዶንጉዩ ኣሎ ተባሂሉ ይንቀፍ እዩ

መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ቀረብ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንምውሳኽን ኣብ ኣዘረጋግሕኡ ምሕያሽን ንምግባርን ንኽመያየጡ ክእከቡ'ዮም።

ሎሚ ሓሙስ፡ ኮምሽን ኣውሮጳ ሕብረት፤ እዞም መራሕቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝፈረየ ክታበታት ናብ ካልእ ሃገራት ዝለኣኸሉ ኣገባብ ምቁጽጻር ንኽግበረሉ ደገፎም ክህቡ ክሓቶም ከምዝክልእ ትጽቢት ይግበር።

እዚ ብማንዛ ዝግበር ኣኼባ፡ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣውሮጳ ሳልሳይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘስፋሕፋሓሉ ዘሎ እዩ ዝካየድ ዘሎ።

ኣብዚ ኣኼባ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ዝሳተፍ ኮይኑ፡ ኣብ ሞንጎ ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን ዘሎ ርክባት ዘተ ክካየደሉ ትጽቢት ተገይሩ ኣሎ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ምስቲ ዓባይ ብርጣንያ ንዜጋታታ ከቲባቶ ዘላ ብምንጽጻር ዶንጉዩ ኣሎ ተባሂሉ ይንቀፍ እዩ።

እቲ ሕብረት ክታበታት ኣብ ምክፍፋል ዘጋጥሙ ዘለዉ ምድንጓያት ቀንዲ ከም ብዓል ኣስተራዜኔካ ዝኣመሰሉ ኣፍረይቲ ክታበታት እዩም ተሓተትቲ ኢሉ እዩ ዝኣምን።

ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ግን እቲ ኣብቲ ሕብረት ዝፈረየ ክታበት ናብ ካልእ ሃገራት ክስደድ እንከሎ ጥቡቕ ምቁጽጻር ይገብረሉ ኣብ ዝብል ነጥቢ ዝተፈላለየ መርገጺ እዩ ዘለዎም።

እቶም ናብ ካልእ ሃገራት ኣይልኣኽ ዝብል መርገጺ ዘለዎም ሓለፍቲ፡ እቲ ክታበት ናብ ካልኦት ሃገራት ዘይልኣኽ እንተኾይኑ ኣብ ውሽጡ እቲ ሕብረት እኹል ቀረብ ናይ ክታበት ከምዝህሉ'ዮም ዝማጎቱ።

ቤልጁም ኣብ ዘውጽአቶ ጸብጻብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ናብ ካልእ ሃገራት ካብ ዝተለኣኸ 40 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት እቲ ሓደ ርብዒ ናብ ዓባይ ብርጣንያ ዝተለኣኸ እዩ ትብል።

ሕብረት ኣውሮጳን ዓባይ ብርጣንያን ብረቡዕ ብሓባር ኣብ ዘወጽእዎ መግለጺ፡ ኩሉ ተጠቃሚ ዝኾነሉን ቀረብ ክታበት ዝውስኸሉን ኣገባብ ከምዘማዕብሉን ድሌቶም እሱ ምዃኑን ገሊጺም።

"ንኹልና ሓደ ዓይነት ለበዳ'ዩ ኣጋጢምና ዘሎ፡ ስለዚ ሳልሳይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምምካት ኣብ ሞንጎ ሕብረት ኣውሮጳን ዓባይ ብርጣንያን ዘሎ ርክብ ወሳኒ ተራ እዩ ዘለዎ" ይብል እቲ ዝወጽአ መግለጺ።

ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ካብቲ ሕብረት ዝወጽእ ክታበታት እገዳ ዘንብር እንተኾይኑ፡ ልዕሊ እቲ ሕብረት እተን ንዜጋታተን ብብዝሒ ዝኸትባ ዘለዋ ከም ኣመሪካን ዓባይ ብርጣንያን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝያዳ ክህሰያ እየን።

እተን ክታበታት ኣፍርየን ናብ ካልእ ሃገራት ዝሸጣ ዘለዋ ከም ቤልጂምን ሆላንድን ኸኣ ነቲ ብገለ መራሕቲ ክታባት ካብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ናብ ካልእ ሃገራት ክወጽእ እንከሎ ጥቡቕ ምቁጽጻር ይገበረሉ ንዝብል ሓሳብ ብትሪ ይቃወመኦ ኣለዋ።