ፌስቡክ፡ ኣካውንት ፕረዚደንት ቬኔንዙላ ኒኮላስ ማድሮ ን30 መዓልታት ብፌስቡክ ደስኪሉ

ፕረዚደንት ቬኔንዙላ ኒኮላስ ማዱሮ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ,

ፕረዚደንት ቬኔንዙላ ኒኮላስ ማዱሮ

ፕረዚደንት ቬኔንዙላ ኒኮላስ ማዱሮ፡ "መርትዖ ከየሰነየ ካብ ዕንጨይቲ ዝስራሕ ባህላዊ መድሃኒት ካብ ኮቪድ 19 የሕዊ'ዩ" ኢሉ ኣብ ፌስቡል ድሕሪ ምጽሓፉ፡ ፌስቡክ ናይቲ ፕረዚደንት ኣካውንት ዓጽይዎ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ወርሒ ጥሪ'ውን ቆጽሊ ጠስነ (ንመማቕርቲ ዝዝውተር ዓይነት ቆጽሊ) ካብ ኮቪድ ከሕዊ ይኽእል ይኸውን'ዩ ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ'ዩ።

ፕረዚደንት ቬኔንዙላ ኒኮላስ ማዱሮ ንዝመጽእ 30 መዓልታት ኣብ ፌስ ቤክ ኣብቲ ናቱ ገጽ ኣትዩ ክልጥፍ ኮነ ዝኾነ ርእይቶ ክጽሕፍ ኣይክኽእልን'ዩ።

ትካል ፌስቡክ፡ ኒኮላስ ማዱሮ ንኮሮናቫይረስ ኣብ ዝምልከት ነገር ብተደጋጋሚ ቅኑዕ ዘይኮነ ሓበሬታታት ክዝርግሕ ጸኒሑ'ዩ ብምባል ንኣካውንት ናይቲ ፕረዚደንት ከምዘደስከሎ ገሊጹ ኣሎ።

ፕረዚደንት ቬኔንዙላ ኒኮላስ ማዱሮ እቲ እንኮ ናይ ፌስ ቡክ ገጹ ብፌስቡክ ዝተዓጽወ መራሒ ሃገር ኣይኮነን።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ከምኡ'ውን ፕረዚደንት ብራዚል ጄረ ቦልሶናሮ'ውን ብዛዕባ ኮቪድ 19 ዘይተረጋጋጸ ሓበሬታ ብምዝርግሖም ፌስ ቡክ ኣካውንቶም ኣደስኪልዎ ነይሩ እዩ።

ውሃቢ ቃል ትካል ፌስቡክ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ፕረዚደንት ኒኮላስ ማዱሮ ኣብ ፌስቡኩ ዝዘርግሓ ቪድዩ ንፖሊስና ዝጻርር ብምዃኑ፡ ብዓቢኡ ኸኣ እቲ ሓበሬታ ብዛዕባ ኮቪድ 19 ኮይኑ ጌጋን ንሰብ ናብ ሓደጋ ዘእቱን'ዩ ነይሩ" ኢሉ።

ንሱ ብምስዓብ "ንሕና ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝምጽእ ሓበሬታ ኢና ንኽተል ንሱ ኸኣ ክሳብ ሕጂ ንኮቪድ 19 ዘሕዊ መድሃኒት ከምዘየለ'ዩ ዝሕብር፡ ፕረዚደንት ኒኮላስ ማዱሮ ብተደጋጋሚ ግጉይ ሓበሬታ ከመሓላልፍ ስለዝጸነሐ ኣካውንቱ ን30 መዓልታት ኣደስኪልናዮ ኣለና"

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፕረዚደንት ብራዚል ጄረ ቦልሶናሮ፡ 'ሃይድሮክሎሮኵን ፍቱን መድሃኒት ኮሮናቫይረስ እዩ' ኢሉ ኣብ ፌስቡክ ብቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሑ ፌስቡክ ነቲ ቪድዮ ቀልጡፉ ከምዝደምሰሶ ይዝከር።

ፕረዚደንት ቬኔንዙላ ኒኮላስ ማዱሮ ኣብ ትዊተር ዝተፈላለየ ባህላዊ መድሃኒት እናጠቀሰ ንኮቪድ የሕዊ እዩ ኢሉ ዘስፈሮ'ውን ከምዝእለ ተገይሩ እዩ።

ኣብ ወርሒ ጥቕምቲ'ውን ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ፌስቡክ 'ኮቪድ 19 ልዕሊ ሰዓል ክሳብ ክንድቲ ቀታሊ ኣይኮነን' ኢሉ ዝጸሓፎ ፌስቡክ ባዕሉ ነቲ ጽሑፍ ደምሲስዎ እዩ።

ብዛዕባ ኮቪድ 19 ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዝርግሑ ግጉያት ሓበሬታ ብዙሕ ጸገማት ክፈጥሩ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ዝመደበሩ ሲሲዲኤች ዝተበሃለ ትካል ብዝገበሮ መጽናዕቲ፡ እቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ጸረ ክታበት ዝግበሩ ጎስጓሳት፡ ናብ ሚልዮናት ሰባት ድኣ ይባጽሑ'ምበር ምንጮም ካብ ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ ሰባት ከምዝኾነ እዩ ዝሕብር።

ሓደ ካብኦም ሮበርት ኤፍ ኬኔዲ ጁኔር ኮይኑ ወዲ ሓው ንፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር እዩ።

ንሱ ንሓደ ኣንጻር ክታበት ዝጉስጉስ ጉጅለ እዩ ዝመርሕ።