ኮሮናቫይረስ፡ ፖሊስ ኣየርላንድ ካብ ውሸባ ንዝሃደሙ ሰባት ይእልሹ ኣለዉ

ሰራዊት ምክልኻል ሪፓብሊክ ኣየርላንድ፡ ገያሾ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ደብሊን ምስ ኣተዉ፡ ምውሻብ ዘድልዮም እንተኾይኑ ዓጂቦምም ናብቲ ክውሸብሉ ዝተመደበ ሆቴል ክወስድዎም ሓላፍነት ተዋሂብዎም ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ,

ሰራዊት ምክልኻል ሪፓብሊክ ኣየርላንድ፡

ፖሊስ ኣየርላንድ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣብ ሓደ ሆቴል ተወሺቦም ዝነበሩ ክልተ ሰባት ብቀዳም ካብቲ ሆቴል ሃዲሞም ብምውጽኦም ንዐኦም ዝደልዩ ፖሊስ ኣዋፊሩ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ ደብሊን ተፍትሽ የካይዱ ኣለዉ።

መደበር ዜና ኣርቲኢ ከምዝሓበሮ፡ ነቶም ከልተ ሳልሳዮም ዝነበረ ካብ ክራውን ፓላዛ ሆቴል ዝተባሃለ ሆቴል ዝሃደመ ሰብ ብፖሊስ ከምዝተረኸበን ነቶም ክልተ ሰባት ንምርካብ ተፍትሽ ይቅጽል ከምዘሎን ኣቃሊሑ።

ኣየርላንድ ኣብ ዘውጽኣቶ ሓዲሽ ሕጊ፡ ካብ 33 ዝያዳ ብኮሮናቫይረስ ዝተጠቓዓ ሃገራት ካብ ዝበለተን ተመርሚሮም ነጻ ከምዝኾኑ ዝሕብር ወረቐት ዘይብሎም ገያሾ ኣብታ ሃገር ምስ ኣተዉ ን14 መዓልታት ግድን ክውሸቡ ዘገድድ ሕጊ ካብ ዓርቢ ጀሚራ ተግባራዊ ክትገብሮ ከምዝጀመረት ይፍለጥ።

ነቲ ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኾነ ሕጊ ዘየተግበረ ሰብ 2000 ኢሮ መቕጻዕቲ ወይ ንሓደ ወርሒ ክእሰር ዘገድድ'ውን ኣብቲ ሓዲሽ ሕጊ ሰፊሩ ኣሎ።

ኣብቲ እዞም ተወሺቦም ዝነበሩ ዝሃደምሉ ሆቴል ኸኣ ክልተ ሰሙን ንኽትውሸብ ኣቐዲምካ ዝኽፈል 1875 ኢሮ ክትከፍል ዘገድድ እዩ።

ሰራዊት ምክልኻል ሪፓብሊክ ኣየርላንድ፡ ገያሾ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ደብሊን ምስ ኣተዉ፡ ምውሻብ ዘድልዮም እንተኾይኑ ዓጂቦምም ናብቲ ክውሸብሉ ዝተመደበ ሆቴል ክወስድዎም ሓላፍነት ተዋሂብዎም ኣሎ።

ኣየርላንድ 'ሓደገኛታት' ኢላተን ዘላ 33 ሃገራት ብዓል መን'የን?

ሪፓብሊክ ኣየርላንድ ምስ ግዜ ክመሓየሽ ይኽእል እዩ ኣብ ዝበለቶ ምስ ኮሮናቫይረስ ዝተሓሓዝ ሓዲሽ ሕጊ ኣብ ደቡብ ኣመሪካን ኣፍሪካን ዝርከባ ሃገራት ከምኡ'ውን ኣውስትራልልያ እየን።

ኣብቲ ዝርዝር ኣትየን ዘለዋ ሃገራት ኸኣ ኣንጎላ፡ ኣርጀንቲና፡ ቦሊቭያ፡ ቦትዋና፡ ብራዚል፡ ብሩንዲ፡ ኬፕቨርደ፡ ቺለ፡ ኮሎምብያ፡ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኢኳደር፡ ፍረንች ጉዋና፡ ጉያና፡ ለሴቶ፡ ማላዊ፡ ኢስዋቲኒ፡ ሞሪሽየስ፡ ኮዛምቢክ፡ ናሚብያ፡ ፓናም፡ ፓራጓይ፡ ፔሩ፡ ሱሪናማ፡ ሲሸልስ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ታንዛንያ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኡራጓይ፡ ቬኔንዚወላ፡ ዛምብያን ዙምባቤን እየን።