ኢንዶኒዥያ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ብዝተፈጸመ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ቆሲሎም

ክሳብ ሕጂ ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደሉ ጉጅለ የለን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ,

ክሳብ ሕጂ ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደሉ ጉጅለ የለን

ኣብ ኢንዶንዝያ ኣብ ሓደ ቤት ጸሎት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 14 ሰባት ቆሲሎም።

እቲ ኣብ ማካሳራ ዝተብሃለት ከተማ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ኣመንቲ ቀዳማይ መዓልቲ ፋሲካ ኣብዒሎም ካብቲ ቤት ጸሎት እናወጽኡ እንከለዉ ሓደ ወይ ክልተ ነብሰ ቅትለት ብምፍጻም ነቶም ኣመንቲ ዕላማ ገይሮም ከምዝፈጸምዎ ፖሊስ ኢንዶንዥንያ ሓቢሮም።

እቶም ፖሊስ ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ኣካላት ናይ ሰብ ተራሕሪሑ ምንባሩ ብምሕባር፤ ናይቶም ነብሰ ቅትለት ዝፈጸሙ ድዩ ናይቶም ካብ ቤተክርስትያን ዝወጽኡ ዝነበሩ ንምፍላጥ መርመራ ከምዝጀመረ ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብታ ሃገር ዘለዉ እስላማውያን ዕጡቓት ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ይፍጽሙ እኳ እንተነበሩ፡ ነዚ ሎሚ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግን ሓለፍነት ዝወሰደ ጉጅለ የለን።

ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ዝሰርሕ ዊልሃሙስ ቱሉካ ዝተብሃለ ቀሺ ንሜትሮ ዝተብሃለት መደበር ተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ዝነበረ ሓደ ጸጥታ ዝከታተል ሰብ ንሓደ ካብቶም ነብሰ ቅትለት ዝተሓወሶ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝመጽአ ምዃኑ ዝጥርጠር ሰብ ከምዝተቓለሶ ገሊጹ።

ቀሺ ዊልሃሙስ ቱሉካ፡ እቲ ጥርጡር ብሞተር ብሽክለታ መጺኡ ናብቲ ቤት መቕደስ ብሓይሊ ክኣቱ ከምዝፈተነ ጠቂሱ።

ገለ ካብቶም በቲ ነፍሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ዝተሃረሙ ተገልገልቲ እቲ ቤት ጸሎት ኣዝዮም ዝተሃሰዩ ምዃኖም ቀሺ ዊልሃሙስ ቱሉካ ነታ መደበር ተለቪዥን ሓቢሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሓደ ብዙሕ ሰብ ዘይጥቀመሉ ኣፍደገ እቲ ቤት ጸሎት ከምዝተፈጸመን፡ ኣብቲ ከባቢ ተተኺለን ዝነበራ ናይ ጸጣታ ካሜራታት ትክን ደሮናን ነቲ ከባቢ ዓብሊኽዎ እንከሎ ዘርኢ ስእሊ ሰኒደን ይርከባ።

ከንቲባ ከተማ ማካሳር ዳኒ ፖማቶ፡ 'እቲ ሓደጋ ኣብ ቀንዲ ኣፍደገ እቲ ቤት ጸሎት እንተዘጋጥም ነይሩ፡ ብዙሓት ሰባት ምሞቱ ነይሮም' ኢሉ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስትያን ኢንዶንዥያ ጎማር ጉልቶም ብወገኑ እቲ ኣብ መዓልቲ ቀዳማይ ብዓል ፋሲካ ዘጋጠመ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቓዕቲ "ጨካን ተግባር" ብምባል ኮኒንዎ።

ንሱ ብምስዓብ ሰብ ክረጋጋእን ኣብ ልዕሊ ሰብ መዚ እታ ሃገር ዘለዋ እምነት ከበርኽን ተማሕጺኑ።

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ,

እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ

ፖሊስ በቲ መጥቓዕቲ ብውሕዱ 14 ሰባት ከምዝቆሰሉ ከምዝርከብዎም ብምሕባር፡ ካብኦም ሓደ ነቶም ነብሰ ክትለታዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝመጽኡ ናብ ቤተ ክርስትያን ከይኣትዎ ዝተኸላኸልዎም ሓለዋ እቲ ቤተ ክርስትያን ከምዝርከብዎም ገሊጹ።

ውሃቢ ቃል ፖሊስ ኢንዶንዥያ ኣርጎ ዩዎኖ፡ ሓደ ካብቶም ነብሰ ቅትለት ዝፈጸሙ ከምዝተቐተለ ሓቢሩ ኣሎ።

ኣብታ ዝበዝሑ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ዘለውዋ ሃገረ ኢንዲንዥያ፡ ሕሉፋት ተኸተልቲ እስላም ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ክርስትና ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ 2018 ኣብ ወደባዊት ከተማ ሴራባያ ኣብ ልዕሊ ቤተክርስትያንን ቤት ጽሕፈት ፖሊስን ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ዓሰርተታት ሰባት ምሟቶም ይዝከር።

ፖሊስ፡ እቲ መጥቃዕቲ ጃማት ኣንሻሩት ዳውላህ ተባሂሎም ዝጽውዑ እስላማዊ ዕጡቓት ከምዝፈጸምዎ እዮም ዝሕብሩ።

እታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ትርከብ ሃገር ኣንጻር እቶም እስላማውያን ዕጡቓት ቃልሲ ተካይድ ከምዘላ እያ ትገልጽ።

ኣብታ ሃገር እቲ ዝኸፈአ ዝብሃል ኣብ 2002 ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮይኑ፡ በቲ ኣብ በጻሕቲ ብብዝሒ ዝንቀሳቐስሉ ቦታ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ዝብዝሑ ወጻእተኛታት ዝርከብዎም 202 ሰባት ከምዝተቐተሉ ዝዝከር እዩ።

እቲ መጥቃዕቲ ብጃማህ ኢስላማህ ኢሎም ንጉጅለኦም ዝጽውዑ ሕሉፋት እስላመዊ ዕጡቓት እዩ ተፈጺሙ።