ሰብኣዊ መሰላት፡ 'ሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ሓያሎ ዓመጻት ፈጺሞም' ክትብል ኣመሪካ ትኸስስ

ባንዴራ ኤርትራን ኣመሪካን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኤርትራ፡ ''ዘይሕጋዊ ቅትለት፡ ምስዋር፡ ስቅያትን ዘይሕጋዊ ቀይዲን ዝርከብዎ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ብመንግስቲ ይፍጸም ኣሎ' ክትብል ኣመሪካ ከሲሳ።

ኣብቲ ትማሊ 30 መጋቢት ዝወጸ ንኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብ ሰባዊ መሰላት 2020፡ "ኣብቲ ዓመት ጥራይ ቁጽሮም ዘይተፈልጡ ሰባት ከምስተሰወሩን፡ ብመንግስቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ወይ ኣብ ማእሰርቲ ሞይቶም" ክኾኑ ከምዝኽእሉን ተገሊጹ።

ፖሊስን ሰራዊትን ዝርከቦም ኣባላት "ሓይልታት ጸጥታ ሓያሎ ዓመጻት" ፈጺሞም ክትብል'ውን ኣመሪካ ከሲሳ'ላ።

ኤርትራ፡ እቲ ብክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝወጸ ጸብጻብ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊኣ ክቐርብ ዝጸንሐ "ናይ ምክፋእ ዘመተ" እዩ ክትብል ነጺጋቶ'ላ።

"ብጸላእቲ ኤርትራ ክድርደር ዝጸንሐ ናይ ምክፋእ ዘመተ እዩ። ብዓይኒ ሓቂ ክረአ እንከሎ ድማ፡ ንኻልኦት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰባዊ መሰላት፡ ናይ ጥዕና መረጋገጺ ሰነድ ክትህብ እትኽእል ናይ ሞራል ልዕልና ዘለዋ ሃገር የላን- ዋላ ኣመሪካ ትኹን" ክብል ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ተቓውሞኡ ገሊጹ።

እቲ ጸብጻብ ካልእ እንታይ ኢሉ?

መንግስቲ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ብኣባላት ጸጥታ ዝካየድ ሰባት ብዘይሕጊ ኣሲርካ ናይ ምስዋር ተግባራት ንምክልኻል ዝኾነ ጻዕርታት ከምዘየካየደ እቲ ዓመታዊ ዝወጽእ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ብዛዕባ'ቶም፡ ኣብ 2001 ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝጠለቡ ብጉጅለ-15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሰብስልጣን መንግስቲ ነበርን ኣብቲ እዋን ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትን ዝምልከት ሓድሽ ምዕባለታት ከምዘየለ'ውን ጠቒሱ።

ላዕለዎት ሚኒስተራት፡ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ላዕለዎት ወታሃደራዊ ኣዘዝትን ዝርከብዎም ኣብ መስከረም 2001 ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም፡ ቤተሰቦም ድሃዮም ከምዘይፈልጡን፡ ኣብ ዝኾነ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡን ይፍለጥ።

እቶም ሰበስልጣን ነበር፡ ምልካዊ ኣካይዳ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ገደብ ክግበረሉን፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ክምስረትን ብዕሊ ድሕሪ ምጽውዖም'ዮም ተኣሲሮም።

"ኩነታት ማእሰርቲ ኣዝዩ ሕማቕ ምዃኑን፡ ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ከቢድ ናይ ጥዕና ጉድኣት ዘቃልዕ ምዃኑን ይግለጽ" ድሕሪ ምባል፡ ነቲ ኩነታት ብናጻ ኣካል ንምርግጋጽ ከምዘይክኣል እቲ ብክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ዝወጸ ጸብጻብ የመልክት።

ድርብ ዜግነት ዘለዎም ውልቀሰባት ከይተረፉ ኣብ ቀይዲ ከምዝርከቡን፡ ቆንስላዊ ኣገልግሎት ኤምባሲታት ክረኽቡ ከምዘይፍቀደሎምን'ውን ጠቒሱ።

ንካልኦት ተጣበቕቲ ጉጅለታት ምርኩስ ብምግባር ኣብ ዘስፈሮ ሓበሬታ ድማ፡ ዋላ'ኳ ገለ ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነቶም ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰባት እንተ ተፈትሑ፡ ልዕሊ 40 ዝኾኑ ኣመንቲ ክርስትና ተኣሲሮም ኢሉ።

እታ ሃገር፡ ሃገራዊ ምርጫ ኣካይዳ ከምዘይትፈልጥን፡ ናይ ሃይማኖት፡ ምዝራብ፡ ምንቅስቓስን ምውዳብን ናጽነታት ከምዘየሎ እቲ ጸብጻብ ዘርዚሩ ኣሎ።

እቲ ንኣስታት 30 ዓመት ነታ ሃገር ዝመርሓ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም፡ "ከይተኣወጀ ዝሞተ'ዩ" ክብል ገሊጽዎ ምንባሩ ይፍለጥ።

ነቲ ከም መሰጋገሪ ዝቖመ ሃገራዊ ባይቶ'ውን ድሕሪ 2002 ብዘይወግዓዊ መግለጺ ኣፍሪስዎ ይርከብ።

ጸብጻብ ኣመሪካ፡ ብዘይካ'ዚ፡ ሓይልታት ኤርትራ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም ኣብ ክልል ትግራይ "ዘይሕጋዊ ቅትለት" ከምዝፈጸሙ ብምጥቃስ፡ "ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምስዋርን ብሓይሊ ካብ ትግራይ ናብ ሃገሮም ኣብ ምምላስን" ኢድ ከምዘለዎም ከሲሱ።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ ትግራይ ብወታሃደራቱ ተፈጺሙ ዝብሃል ቅትለታትን ካልኦት ምግሃስ መሰላትን ክትነጽጎ ምጽንሑ ይዝከር።