ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ 'ንናጽነት ኤርትራን ኤርትራ ከም ሃገርን ዓብዪ ክብሪ ኣለኒ' ኢሉ

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ምንጪ ስእሊ, MFA Ethiopia/twitter

መግለጺ ስእሊ,

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ህላወ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሕተተሉ ዝነበረ እዋን 'ፕሮፖጋንዳ'ዩ' ዝብል መልሲ ሂቡሉ ነይሩ

ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ትማሊ ንጋዜጤኛታት ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዝሃበሉ ብዛዕባ ኤርትራ ዝሃቦ ርእይቶ ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣቑጡዑ ይርከብ።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ ንጉሆ ንቢሲሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ኣብ መንጎ ክልቴና ዘሎ ቂምታን ኲናትን ዘሕምም እዩ ንምባል እየ ከምኡ ኢለ'ምበር ናጽነቶም ኣይደልዩዎን ማለተይ ኣይኮነን፡፡ እቲ ተፈላሊና ዘሕለፍናዮ ግዘን ኣብ ኲናት ዘሕለፍናዮ ውሱን እዋንን፡ ኤርትራውያን ይኹኑ ኢትዮጵያውያን ኣይፈትዉዎን ዝብል እየ ኣቕሪበ'' ክብል ምላሽ ሂቡ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን፣ ንናጽነት ኤርትራን ዓብዪ ክብሪ ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ንሱ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘለዋ ሃገራት ዘለወን ምትእስሳር ከምዝተዛረበ ኣመልኪቱ።

"ንኤርትራውያን፣ ንናጽነት ኤርትራን ኤርትራ ከምሃገርን ዓብዪ ክብሪ ኣለኒ፡፡ ሓደ ሓደ ግዜ ሰባት ካብቲ ዝተብሃለሉ ዓውዲ ወሲዶም ስምዒታዊ ይገብሩዎ እዮም፡፡ ብድሕሪ እታ ምልእቲ ሓሳብ እኮ ብዛዕባ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘለዋ ሃገራት ዘለወን ምትእስሳር ተዛሪበ እየ፡፡ 'ኣይኮነንዶ ምስ ኤርትራ፡ ምስ ጅቡቲ፣ ኬንያ፣፣ ሶማልያን ሱዳንን'ውን ተኣሳሲርና ሓደ እንተኾንና እንታይ ኣለዎ? እቲ ዓብዪ ራእይ እኮ ንሱ እዩ' እየ ዝበልኩ'' ክብል ነቲ ንቡዙሓት ኤርትራውያን ዘቖጠዐ ዘረብኡ መልሲ ሂብሉ ኣሎ።

ኣምበሳደር ዲና ሙፍቲ ብዛዕባ ኤርትራ እንታይ'ዩ ኢሉ?

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ "ዝተፈለይሉ መዓልቲ ኣየኽብርዎን'ዮም፡ ኣይፈትውዎን'ዮም" ክብል ተዛሪቡ።

"ሰብ ኣይሓትትን እዩ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ እንተዝሕተት ኣብዚ እዋን ካብ ኢትዮጵያውያን ዝተፈለዩሉ መዓልቲ ኣየኽብርዎን እዮም፡ ኣይፈትውዎን እዮም።

"ኣብ ደገ ዘለው ይዛረቡ እዮም። ብወገን ኢትዮጵያውያን'ውን ተመሳሳሊ ስምዒት እዩ ዘሎ። ምስ ኤርትራ ኣይኮነን ምስ ዝተረፋ ጎረባብቲ ሃገራት'ውን ሓደ እንተንኸውን ጽቡቕ እዩ። ምስ ኤርትራ ዝነበረና ርክብ እኳ ሓደ ህዝቢ ሓደ ሃገር እኳ እዩ።

ብዙሓት ኤርትራውያን ብዛዕባ'ቲ መግለጺ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ግብረመልሲ ይህብሉ ኣለዉ።

"እዚ ካብ መንግስቲ ኤርትራ መልሲ ዘድልዮ እዩ። ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ክጻረፉን፡ ቁስልና ምሕካኽን ክቕጽሉ የብሎምን" ክብል ሓደ ኣማን ዝተባህለ ተጠቃማይ ትዊተር ጽሒፉ።

እቲ ግንቦት 24 ዝብዓል ሃገራዊ መዓልቲ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ዓመት መጸኣ ብኽብ ዝበለ ድምቀት ከምዝብዓል ይፍለጥ።

ዛጊት ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ'ቲ ኣምባሳደር ዝበሎ ዝተዋህበ ግብረመልሲ የለን።

ገለ ተጠቐምቲ ማሕበራዊ ሜድያ ድማ ዲና ሙፍቲ ብወግዒ ይቕረታ ክሓትት ጠሊቦም።

ካልእ ኤ-ኣድሓኖም_ጂ ዝተባህለ'ውን፡ "ኢትዮጵያውያን፡ ተቓወምቲ ኤርትራ ኣንጻር ሕማቕ መሪሕነት [ፕረዚደንት ኢሳይያስ] ኣፈወርቂ ምቅዋሞም፡ ንናጽነት ዝቃወሙ'ዩ ዝመስሎም። ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲኡ ተሳቕዮም እዮም፡ እዚ ማለት ግን ንናጽነት ሃገሮም ይጽልኡ'ዮም ማለት ኣይኮነን" ክብል ርእይቶኡ ሂቡ።

ኤርትራውያን ኣንጻር ጎበጣ ኢትዮጵያ ኣብ 1961 ዝጀመርዎ ብረታዊ ቃልሲ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታታት ደማዊ ተጋድሎ ኣብ 1991 ናጽነቶም ምጉንጻፎም ይዝከር።

ኣብ ዝመጽእ 24 ግንቦት ድማ ኤርትራ መበል 30 ዓመት ናጽነት ከተብዕል'ያ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ምስ ኢትዮጵያ ይኹን ብዞባ ደረጃ ክግበር ዝኽእል ቁጠባዊን ፖለቲካውን ውህደት ተዛሪቡ ነይሩ'ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵ ያኣብዪ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ሃገራት፡ ሓደ ባጤራ፡ ሓደ ሰራዊት፡ ሓደ ኤምባሲ ክህልወን ከምዝክኣልን፡ ዘለወን መግዛእታዊ ዶባት ትርጉም ከምዘይብሉን ክዛረብ ተሰሚዑ ነይሩ።

ብዛዕባ ምውጻእ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ'ከ እንታይ በለ?

እቲ ኣፈኛ፡ ብዛዕባ ምውጻእ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ምስ ተሓተ'ውን፡ ዝፈልጦ ነገር ከምዘየለ'ዩ ተዛሪቡ።

ኣምባሳደር ዲና ከምዝበሎ፡ "ኣብ ከባቢ ዶብ ሕጊ ናይ ምኽባር ምንቅስቓስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዶብ ሰጊሩ ዝነበረ ናይ ኤርትራ ሓይሊ ከወጽእ እዩ።"

"ግና መኣስ እዩ ክወጽእ? ክንደይ እዩ ክወጽእ? ሓበሬታ ስለዘይብለይ፡ ሓበሬታ ምስ ረኸብኩ ክንዘራረብ ንኽእል ኢና" ክብል ተሰሚዑ።

እቲ ምኩር ዲፕሎማት ምዃኑ ዝንገረሉ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ህላወ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሕተተሉ ዝነበረ እዋን 'ፕሮፖጋንዳ'ዩ' ዝብል መልሲ ሂቡሉ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ፡ ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ሰጊሩ ኣብቲ ክልል ቦታታት ሒዙ ምጽንሑን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተኣሚኑ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, MFA Ethiopia/twitter

ኣብ ዝቐጸሉ መዓልታት ድማ ናብ ኤርትራ ከይዱ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈውርቂ ድሕሪ ምርኻቡ፡ ኤርትራ ሰራዊታ ክትስሕብ ከምዝተሰማምዐት ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ይኹን እምበር፡ ነቲ ምብጻሕ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣመልኪቱ ብወገን ኤርትራ ዝወጸኣ መግለጺ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ኣይጠቐሰን።

ኣምባሳደር ዲና፡ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ኣብ ዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ፡ "ሓንቲ ሃገር ናይ ኻልእ ሃገር ሰራዊት ክዕድም ይኽእል እዩ። መሰል ኣለዎ። ግና ከይተዓደመ ብሓይሊ ክኣትው ኣይኽእልን እዩ። እዚ ድማ ኣይተገበረን ኢና ዝበልና" ኢሉ።

ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ዝርከቦም ሓያሎ ወገናት ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ክጽውዑ ምጽንሖም ይፍለጥ።

እታ ሰራዊታ ኣብቲ ክልል ከምዘይኣተወ ክትገልጽ ዝጸንሐት ኤርትራ ግን ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ኣይተኣመነትሉን ዘላ።