ማሊ፡ ፈረንሳ ኣብ ማሊ ሰለማውያን ሰባት ከምዝቐተለት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ

ሰራዊት ፈረንሳ ኣብ ማሊ ኣስታታ 10 ዓመታት ገይሮም ኣለዉ (ስእሊ 8 ሕዳር 2019 ዝተወሰደ)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ሰራዊት ፈረንሳ ኣብ ማሊ ኣስታታ 10 ዓመታት ገይሮም ኣለዉ

ሓይሊ ኣየር ፈረንሳ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ማሊ ኣብ ዘካየዶ ደብዳብ ኣብ መርዓ ዝሳተፉ ዝነበሩ 19 ሰላማውያን ሰባትን 3 ዕጡቓትን ከምዝቐተለ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ፈረንሳ ግን፡ እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥሪ ዝተኻየደ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ "ንዕጡቓት ኣሸበርቲ ዒላማ ዝገበረ'ዩ" ክብል ነጺግዎ'ሎ።

ፈረንሳ፡ ነቲ እስላማውያን ንዕጡቓት ዘካይድዎ ዘለዉ መጥቃዕትታት ንምግታእ ኣብ ዞባ ሳሕል ኣፍሪቃ ልዕሊ 5000 ወታሃደራት ኣዋፊራ ምህላዋ ይፍለጥ።

ነበርቲ ኣብ ማእከላይ ማሊ እትርከብ ባውንቲ እትብሃል ዓዲ፡ ወተሃደራት ፈረንሳ ብሄሊኮፕተር ዝገበርዎ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ከምዝዓለበ ብተደጋጋሚ ክኸሱ ምስ ጀመሩ'ዩ ሕቡራት ሃገራት ከጻርዮ ጀሚሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ,

ፈረንሳ ኣብ ሃገራት ሳሕለ ሳህራ 5100 ሰራዊት ብምውፋረ እተን ሃገራት ኣንጻር እቶም ምስ ኣልቃዒዳን ምስ ኣይሲስን ርክብ ኣለዎም ዝብሃሉ ዕጡቓት ንዝገብረኦ ቃልሲ ከምእትሕግዘን ይፍለጥ።

ኤኤፍፒ ንጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ "እቲ ደብዳብ ኣብ ዝተፈጸመሉ ኣስታት 100 ሰለማውያን ሰባት ኣብቲ መርዓ ነይሮም" ኢሉ።

እቲ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ሓሙሽተ ዝኾኑ ጅሃዳውያን ዕጡቓት'ውን ኣብቲ መርዓ ምንባሮም ብምጥቃስ "እቶም በቲ ደብዳብ ዝተሃሰዩ ዝበዝሑ ብዓለምለኻዊ ሕጊ ክሕለዉ ዝግብኦም ሰለማውያን ሰባት እዮም" ኢሉ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ፈረንሳ እቲ ደብዳብ ንዕጡቓት ጅሃዳውያን ዕላማ ገይሩ ከምዝሃረመን ኣብቲ ሕቡራት ሃገራት ዝተጠቐመሉ ናይ ምጽራይን ምምርማርን መስርሕ ዕቓበታት ከምዘለዎን ገሊጹ ኣሎ።

ሕቡራት ሃገራት ነቲ መጽናዕቲ በቶም ኣብ ማሊ ዘለዉ ኣባላት ክፍሊ ሰብኣዊ መሰላት ገይሩ ከምዘካየዶ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ መጽናዕቲ ከካይድ እንከሎ፡ ሕሉፍ ስእሊ ናይ ሳተላይት ብምዕዛብ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ናብቲ ቦታ ብምኻድን ንልዕሊ 400 ሰባት ቃለ መሕተት ብምግባርን'ዩ ጸብጻቡ ኣቕሪቡ።