ኮሮናቫይረስ፡ ጀርመን ንትሕቲ 60 ዕድመ ክታበት ኣስትራዘኔካ ምሃብ ክትቅንስ እያ

ክታበት ኣስትራዘኔካ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ጀርመን፡ ብምኽንያት ሳሕቲ ዘጋጥም ጸገም ምርጋእ ደም፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኦክስፎርድ-ኣስትራዘኔካ፡ ንትሕቲ 60 ዕድመ ምሃብ ከምእትቕንስ ገሊጻ፡፡

ትካል ተቖጻጻሪ መድሓኒት ጀርመን፡ እቲ ክታበት ካብ ዝወሰዱ 2.7 ሚልዮን ሰባት ኣብቶም 31፡ እቲ ሓሓሊፉ ዘጋጥም ጸገም ምርጋእ ደም ከምዝተርኣየ ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡

ካናዳ ብተመሳሳሊ፡ ዕድሚኦም ትሕቲ 55 ንዝኾኑ ሰባት እቲ ክታበት ምሃብ ደው ኣቢላ እያ፡፡

ነቲ ክታበት ዘፍርይ ትካል ኣስትራዘኔካ ግና፡ እቲ ክታበት ካብ ጉድኣቱ ጥቕሙ ከምዝዛይድ ብዓለምለኻዊ ተቖጻጸርቲ መድሓኒት ተረጋጊጹ እዩ ይብል፡፡

እንተኾነ፡ እቲ ሳሕቲ ኣብ ሚልዮናት ዘጋጥም ሕማም ምርጋእ ደም፡ ካብቲ ልሙድ ብዝዛየደ የጋጥም ንምህላዉ ግን የጽንዕ ኣለኹ ኢሉ፡፡

ኣብዚ ወርሒ ገለ ሃገራት ኣውሮጳ ብተመሳሳሊ ስግኣት፡ ነቲ ክታበት ምሃብ ዘቋረጻ ኮይነን፡ ተቖጻጸርቲ ጥዕና ሕብረት ኣውሮጳን ዩናይትድ ኪንግደምን ግን ጥቕሚ እቲ ክታበት ከምዝዛይድ ብምግላጽ፡ ነቲ ክታበት ይድግፉ ኣለዉ፡፡

‘‘ክታበት ኦክስፎርድ-ኣስትራዘኔካ ውሑስን ውጽኢታውን እዩ፤ ዛጊድ ድማ ኣብዛ ሃገር ህይወት ኣሻሓት ኣድሒኑ እዩ’’ ዝብል ወሃቢ ቃል መንግስቲ ዩናይትድ ኪንግደም፡ ልዕሊ 30 ሚልዮን ሰባት ቀዳማይ ዙርያ ክታበት ከምዝወሰዱ ይገልጽ፡፡

ክታበት ኣስትራዘኔካ ካብቶም ኣብ ሃገራት ምዕራብ ብሰፊሑ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓሉ ክታበታት ኮሮናቫይረስ ኮይኑ፡ ናብ ዘይማዕበላ ሃገራት ድማ መኽሰብ መሰረት ከይገበረ ክቐርብ ዝዓለመ እዩ፡፡

ምክፍፋል እቲ ክታበት ኣብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ብምኽንያት ጸገማት ምፍራይን ምጉዕዓዝን ተጓቲቱ እዩ፡፡ ጀርመን ድማ ካብተን ሳልሳይ ዙር ማዕበል ኮሮናቫይረስ ዘስገአን ሃገራት ሓንቲ እያ፡፡

ወዲ 73 ዓመት ቀዳማይ ሚኒስተር ጥልያን ማርዮ ድራጊን በዓልቲ ቤቱን ትማሊ ሰሉስ፡ ኣብቲ ክታበት እምነት ከምዘለዎም ብዘርኣይ፡ ፈላማይ ዙር ክታበት ኣሰትራዘኔካ እንትወስዱ ተራእዮም እዮም፡፡