ከልቢ ጆ ባይደን፡ ንኻልኣይ ግዜ ሰራሕተኛ ዋይት ሃውስ ነኺሱ

ማጆር ዝተባህለ ናይ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ከልቢ ንኻልኣይ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ማጆር ዝተባህለ ናይ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ከልቢ ንኻልኣይ ግዜ ንሰራሕተኛ እቲ ቤተ መንግስቲ ከምዝነኸሰ ተገሊጹ፡፡

እቲ ከልቢ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ንኻሊእ ሰራሕተኛ ብምንካሱ፡ ኣብ ስልጠና እዩ ጸኒሑ፡፡

እቲ ዝተነኸሰ ሰራሕተኛ፡ ብሓካይም ተራእዩ ናብ ስርሑ ከምዝተመለሰ ወሃቢ ቃል ቀዳማዊት እመቤት ጂል ባይደን ገሊጻ፡፡

ማጆር፡ ካብ ክልተ ኣኽላብ ፕረዚደንት እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ኮይኑ፡ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ፈላማይ ናይ ህይወት ምድሓን ዝሰልጠነ ከልቢ እዩ፡፡

እቲ ከልቢ ምስቲ ሓድሽ ከባቢ ይለማመድ ከምዘሎ ዝገለጸ ወሃቢ ቃል ሚካኤል ላሮዛ፡ ኣብ እዋን እግሪ ጉዕዞ ንሓደ ሰብ ከምዝነኸሰ ገሊጹ፡፡

ሲኤንኤን ድማ እቲ ዝተነኸሰ ውልቀ ሰብ ሰራሕተኛ ሃገራዊ ፓርክ ከምዝኾነን፡ ሕክምና ንምርካብ ስራሕ ኣቋሪጹ ከምዝነበረን ገሊጹ፡፡

ማጆር ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ንሓደ ሰራሕተኛ ምስ ነኸሰ፡ ምስ ካልእ ቻምፕ ዝተባህለ 13 ዕድሚኡ ከልቢ እቲ ፕረዚደንት፡ ካብቲ ቤተ መንግስቲ ወጺኦም ኣብ ዴላወር ናብ ዝርከብ ምንበሪ ገዛ ጆ ባይደን ተወሲዶም ነይሮም፡፡

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ,

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ ከልቡ (2018)

ማጆር፡ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ምስ ብዙሓት ሰባት ይለማመድ ከምዝነበረ ዝገልጸ ፕረዚደንት ባይደን፡ ሃንደበት ዘይፈልጦም ሰባት ብምርኣዩ ንምክልኸል ከምዝፈተነ ንማዕከን ዜና ኤቤሲ ገሊጹ፡፡

"ኣብቲ ቤተ መንግስቲ 85 ሚእታዊት ሰባት ይፈትዉዎ እዮም፤ ጭርኡ የወዛውዝን ይልሕሶምን እዩ፡፡ እንተኾነ ገለ ሰባት ብነብሶም ከልቢ ከምዝፈርሑ ተረዲአ" ኢሉ፡፡

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ንማጆር ኩርኩር ከሎ እዩ ኣብ 2018 ከዕብዮ ካብ ሓደ ገባሪ ሰናይ ማሕበር ወሲድዎ፡፡