ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጠረ ጎንጺ 80 ሽሐ ሰባት ተመዛቢሎም

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጠረ ጎንጺ 80 ሽሐ ሰባት ተፈናቒሎም

ምንጪ ስእሊ, JILE DIMUGA FACEBOOK PAGE

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባታት ሰሜን ሸዋን ፍሉይ ዞባ ኦሮምያን፡ ዝተፈጠረ ጎንጺ ልዕሊ 80 ሽሕ ሰባት ከም ዝተዘናበሉ ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ጎንጺ ብቀንዲ ካብ ዝተኻየደሎም ከባቢታት ሓደ ኣብ ዝኾነ ፍሉይ ዞባ ኦሮምያ፡ ወረዳ ጅሌ ጥሙጋ 40 ሽሕ ሰባት ካብ መንበሪኦም ከም ዝተፈናቐሉ ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ኣቶ ጀማል ሓሰን ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡

‘‘ብመሰረት እቲ ዛጊድ ኣብ ኢድና ዝኣተወ መረዳእታ፡ 67 ሰባት ከም ዝሞቱን 114 ሰባት ከምዝቖሰሉን ከምኡ'ውን ኣብታ ወረዳ ኣብ ዝርከባ ሸሞንተ ጣብያታት 815 ገዛውቲ ከም ዝተቓጸሉን ክንፈልጥ ክኢልና ኣለና’’ ኢሉ።

ቅድም ክብል ጉድኣት ዝበጸሖም ሰባት ናብ ሆስፒታል እንትውሰዱ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ስለ ዝተፈጸሞም፡ መብዛሕተኦም ጉዱኣት ኣብ ገዝኦም ከም ዝተረፉን እኹል ሕክምና ከም ዘይረኸቡን እውን ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ሽዋ ኣቶ ታደሰ ገብረጻዲቕ ብወገኑ፡ ኣብቲ ዞባ ብዝሒ ዝተፈናቐሉ ሰባት 41 ሽሕ ከምዝበጽሕ ክገልጽ እንከሎ፡ "ክንደይ ሰባት ከም ዝሞቱ ንምፍላጥ ግን ይጽናዕ ኣሎ" ኢሉ፡፡

ክሳብ ሕዚ 41 ሽሕን 625 ሰባት ከም ዝተፈናቐሉ መረዳእታ ከም ዘለዎም ዝገለጸ ኣቶ ታደሰ፡ ናብ ኣዝማዶም ዝኸዱን ናብ ካልእ ከባቢ ዝሃደሙን ስለ ዝህልዉ፡ እቲ ቑጽሪ ካብቲ ዝተገልጸ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።

ካብ ወረዳ ጅሌ ጥሙጋ ዝተፈናቐሉ ሰባት ዛጊድ ዝኾነ ሓገዝ ከም ዘይረኸቡ ዝገልጽ ኣቶ ጀማል ብወገኑ እቶም ሓረስቶት ንሓድሕዶም ይተሓጋገዙ ከም ዘለዉ ሓቢሩ፡፡

ብተወሳኺ፡ እቶም ዜጋታት ኣብ ኣብያተ ትምህርትን መሳጊድን ተበታቲኖም ከም ዘለዉን፡ ሰበስልጣን እቲ ክልል ኮነ ፌደራል ኩነታት እቶም ተፈናቐልቲ ንምርኣይ ናብቲ ከባቢ ከም ዘይመጹን ገሊጹ፡፡

ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ሽዋ ብወገኑ፡ ካብቲ ዞባ ዝተፈናቐሉ ዜጋታት ኣብ ደብረ ብርሃን፣ ኣጣዬ፣ ኤፍራታ፣ ሸዋ ሮቢት፣ ገንደ ውሃን ካልኦትን ከም ዘለዉ ብምግላጽ ነቲ ጎንጺ ፍታሕ ንምርካብን እቶም ተመዛበልቲ ሓገዝ ክረኽቡን ይሰርሑ ከም ዘለዉ ተዛሪቡ፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ሸዋ ሮቢት፣ ኣጣየን ኤፍራታን ንተፈናቐልቲ ሓገዝ ይግበር ከም ዘሎን፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ግን ሐዚ እውን ተኹሲ ይስማዕ ስለ ዘሎ እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ስግኣት ኣሎ ኢሉ።

ብፍላይ እቲ ሕብረተሰብ ዘላቒ መፍትሒ ከም ዘድልዮ ኣቶ ታደሰ ይገልጽ፡፡

ብምክንያት እቲ ጎንጺ ተቛሪጹ ዝነበረ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ናብ ንቡር ተመሊሱ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።