ኤርትራዊ ጋዜጠኛ፡ ሚልክያስ ምሕረትኣብ "ሰባር ስቕታ" መን እዩ?

ሚልክያስ ምሕረትኣብ

ምንጪ ስእሊ, MM

ሚልክያስ፡ ሓደ ካብ ኣሰናዳእቲ እተን ኣብ 1996 ብዝተኣወጀ ሃገራዊ ሕጊ ፕረስ ቆይመን፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ከሕድራ ጀሚረን ዝነበራ'ሞ ርእይቶን ሓሳብን ደለይቲ ለውጢ ፖለቲከኛታት ኣብ ዓምድታተን ስለዘአንገዳ፡ ኣብ መስከረም 2001 ዝተዓጽዋ ጋዜጣታት ብሕቲ እዩ።

ኣካያዲ ጋዜጣ ቀስተ ደበና ነበር ጋዜጠኛ ሚልክያስ ምሕረትኣብ ከኣ፡ ነቲ ዝስዕብ ዝነበረ ኩነታት ቀልጢፉ ስለዘንበቦ፡ ቀቅድሚ መሳርሕቱን ብጾቱን ምእሳሮም ኣብ 2001፡ ካብ ሃድን ማእሰርቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣምሊጡ ኣብ ኣመሪካ ተሰዲዱ ክነብር ጸኒሑ።

ኣጋጣሚ ኮይኑ ከኣ ብዝሓደሮ ሕማም፡ ኣብ ሆስፒታል ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ረቡዕ 21 መጋቢት 2021 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዓሪፉ ብ28 መጋቢት ከኣ ወለዱን አሕዋቱን ኣብ ዝነብርሉ ዘለው ኣዲስ ኣበባ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

ሕልፈት ምልክያስ ምስተሰምዐ ኣብ ፈቐዶ ዓለም ዝርከቡ ብዙሓት ፈለጥቱ፡ መተዓብይቱን አዕሩኽቱን፡ መማህርቱን መሳርሕቱ፡ እንኮላይ ኣብ ስደት ዝተላለዩዎ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝተሰመዖም ሓዘን ክገልጹ ጸኒሖም ኣለው።

ገለ ካብኦም ኤልሳ ጭሩም፡ ካለድ ዓብዱ፡ ገዛኢ ሓጎስ፡ ፔን ኤርትራ፡ ፍሪዶም ቲቪ፡ ኣዝማሪኖ ተስፋልደት መሓረና፡ ኣብራሃም ባርን ካልኦት ኣዝዮም ብዙሓት ውልቀ ሰባትን ትካላት ሚድያን ይጥቀሱ።

ንምዃኑ ሚልክያስ ምሕረትኣብ መን እዩ? እንታይ ተራን ኣበርክቶን ስለዝነበሮ'ዩ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዛዕብኡ ብዙሕ ክበሃል ቀንዩን ዝቕጽል ዘሎን? እዚ ዓንቀጽ እምበኣር ንመንነት ሚልክያስን ሞያዊ ኣበርክቶኡን ክድህስስ እዩ።

ልደትን ዕቤትን ሚልክያስ

ኣብ ኣኽርያ ተወሊዱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝዓበየ ሚልክያስ ድሕሪ ናጽነት ኣብ 1991 ኣብ ህንጸት ዝፈትዋ ሃገሩ ክሳተፍ ንኤርትራ መጺኡ። እናሰርሐን ነብሱ እናኣለየን ኣብ 1995 ብዲፕሎማ ተመሪቑ።

ኣብ ሳልሳይ ዙር ተዓሊሙ ሃገራዊ ግቡኡ ወዲኡ ተመሊሱ። ካብኡ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብዓውደ ሕጊ ናይ ዲግሪ ትምህርቲ ክህብ ምስ ጀመረ: ኣብ ዓመተ ትምህርቲ 1997 ብዓውደ ሕጊ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብዲግሪ ተመሪቑ።

ምንጪ ስእሊ, MM

ኣብ 1996፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብሕታውያን ጋዜጣታት ንክምስረታ ዘፍቅድ ሕጊ ፕረስ ምስኣወጀ፡ ብዙሓት፡ ንህዝቢ ክምህሩን ክሕብሩን ድላይ ዝነበሮም መንእሰያት ተወዳዲቦም ዝተፈለላያ ጋዜጣታት መስሪቶም።

ሚልክያስ ከኣ፡ መድሃኔን ሃብትኣብን ምስ ዝተባህሉ ብጾቱ፡ ጋዜጣ ቀስተ ደበና ኣቚሞም ዓይንን እዝንን ህዝቢ ብምዃን መስትያት መንግስቲ ብምዃን ሰሪሖም።

ሚልክያስ ኣብ ጎድኒ ህዝብን ውጹዓትን ኮይኑ ንፖሊሲታት መንግስቲ ብድፍረት ብምንቃፉ ብተደጋጋሚ ተኣሲሩን ተፈቲሑን፤ ኣብ መወዳእታ ከኣ ኩለን ጋዜጣታት ብሕቲ ቅድሚ ምዕጻወን ሒደት መዓልታት፡ ንስክላ ካብ ማእሰርቲ ኣምሊጡ ፈለማ ንሱዳን ካብኡ ናብ ኣመሪካ ተሰዲዱ።

ሚልክያስ ብዓይኒ ፈለጥቱን መሳርሕቱን

ኣብ ቴሌቪዥን ኤሪ-ሳት ምስክርነቶም ዝሃቡ፡ መሳርሕቱን አዕሩኽቱን፡ ሳሙኤል ቢዘን፡ ምኪኤል ግርማይን ዮሴፍ ኣልኣዛርን ዘዝስመዖም ጦብላሕታ ኣካፊሎም ኣለው።

ኣብ ዩኒቨርሰቲ ኣስመራን ኣብ ሞያዊ ኣገልግሎትን ዝፈልጦን ሓቢሩዎ ዝሰርሐን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብር ሳሙኤል ቢዘን፡ "ሚልክያስ ካብ ኢዱ ዝንበብ ጋዜጣ ድዩ መጽሓፍ ዘይፈሊ፡ ንነገራት ብዝተፈልየ መኣዝን ዝርኢ፡ ንእዋናዊ ፍጻሜታት ምስ ተረኽቦ ዝተፈለላያ ሃገራት ኣገናዚቡ ከረድእ ዝኽእል፡ ክበዝሕ ኣንባቢ፡ ኪኢላ ጸሓፊ፡ መስተውዓሊ፡ ግን ከኣ ምስ ዓቃባዊ ባህልን ኣካይዳን ሕብረተሰብ ዘይሳነ፡ ስምዒቱ ክሓብእ ዘይክእል፡ ክብሎ ዝደሊ ብቓልዕ ዝዛረብ፡ ተመሳሲሉን ኣምሲሉን ክኸይድ ዘይክእል ሰጓሚ ኣተሓሳስባ ነይሩዎ" ክብል ይገልጾ።

ሚልክያስ ብዙሕ ስለዘንብብ ብዙሕ እዩ ዝፈልጥ። እቲ ዘንብቦ ከኣ ነገራት ንምግንዛብን ብኻልእ መኣዝን ክርእዮን ይሕግዞ ነይሩ። ሚድያታት መንግስቲ ኮነ ስነ-ጥበባዊ ፍርያት እታ ሃገር፡ ንመንግስቲ ኣመሪካ ይነቕፋ ብምንባረን፡ ሚልክያስ "'ንኣመሪካ ምንቃፋ'ዶ ይሓይሽ ምኽሳባ'፡ 'ወይ ጎቦ ኩን ወይ ምስ ጎቦ ተጸጋዕ' ብዝብል ዓናቕጽ ፡ [ዓቕምና ፈሊጥና፡ ንዓለም ብጥበብ ዘይንገጥማ] ዝመልእኽቱ ጽሑፋት መስ ኣቕረበ ብዙሕ ጸርፍን ምፍርራሕን ዘኒቡና" ክብል ኣብ ጋዜጣ ቀስተ ደበና መሳርሕቱ ዝነበረ ዮሴፍ ኣልኣዛር ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, MM

መንእሰይ ምኪኤል ግርማይ ከኣ "ዝተፈላለያ ጋዜጣታት ከይተረፈ፡ ከም ልኡኽ ናይ ኣመሪካ ኣምሲለን እናነቐፈኦ፡ ህዝቢ ከይፈርሐ ነጻ ኮይኑ ንኽዛረብ ኣብነት ኮይኑ" ይብል። ሚልክያስ፡ ርእይትኡ ስለዝገለጸ ጥራሕ: ሓንሳብ ንሽዱሽተ ካልኣይ ሳዕ ከኣ ንትሽዓተ ኣዋርሕን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዋጋ ዝኸፈለ ውፉይ ጋዜጠኛ እዩ ነይሩ።

ምኒስተር ዜና ነበር በራኺ ገብረስላሰ ኣብ ኣጠማምታ ጋዜጣታት ብሕቲ

ሕጂ፡ ሕቶ ለውጢ ምስ ዘልዓሉ ኣርካናት ብጾቱ ኣብ መስከረም 2001 ተቐይዱ ን20 ዓመታት ኣብ ሸላታት ዒላዒሮ ተሰዊሩ ዘሎ ገዲም ተጋዳላይ 70ታት ምኒስተር ዜና ኣብ ዝነበረሉ እዋን ጋዜጣታት ብሕቲ ዓቕመን እናመሓየሻ በብቑሩብ ንክዓብያ ሞራላዊ ደገፍን ውልቃዊ ኣቦኣዊ ምኽርን ዝልግስ ርህሩህ ቅቡል ምኒስተር ምንባሩ ኣብቲ ምኒስትሪ ዝሰርሑ ዝነበሩ ብጾቱ ይገልጹዎ።

ሓደ መዓልቲ፡ ሚልክያስ ብኣባላት ጸጥታ ምስተኣስረ፡ "ነዛ ሃገር ከምዚኦም ዝኣመሰሉ፡ ተስፋ ዘለዎም ደፋራት ጋዜጠኛታት እዮም ዘድልዩዋ" ብምባል፡ ብኣካል ናብ መደበር ፖሊስ ብምኻድ ሚልክያስ ንክፍታሕ ከምዝሓተተ ሓቢሩዎ ዝነበረ ጋዜጠኛ ምኒስትሪ ዜና ነበር ሳሙኤል ገብሪሂወት ይሕብር። ኣብቲ እዋን'ቲ ከኣ፡ ልዕሊ ድፍረትን ትብዓትን ሚልክያስ፡ ንፍትሓዊ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ሚኒስተር በራኺ ከምዘድነቐ እውን ይዛረብ።

እተን ጋዜጣታት ብሕቲ ክዕምብባሉ ኣብ ዝጀመራ እዋን፡ ምኒስተር በራኺ፡ "እዞም ብሰንኪ ሕጽረታትና ክንሕግዞም ዘይከኣልና፡ ብጽፍሮም ፋሕተርተር ዝብሉ ዘለው ጋዜጠኛታት ብሕቲ፡ ዋላ እውን በብውልቂ እናረኸብኩም ኣተባብዑዎም፤ ተመኩሮኹም ብምክፋል አዕርኽትኹም ግበሩዎም፤ ጽባሕ ንግሆ ጽሩይ መስትያት ናይዛ ሃገር ክኾኑና እዮም" ብዝብል ምኽሪ፡ ምስ ሚልክያስ ዝተላለየ ሳሙኤል፡ ንሚልክያስ እናሓደረ ክርደኦን ክፈትዎን ከምዝጀመረን ብሕልፈቱ ከምዝጓሃየን ይዛረብ።

ካብ ሳንጥኡ ሬድዮ ዘይፈሊ ሚልክያስ

ሓደ ካብቶም ቀረባ አዕሩኽቲ ሚልክያስ ናስር ዓብደላ እዩ ዘዘንቱ፡

"ምስ ሚልክያስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምስተላለና፡ ዕርክነትና ናብ ስድራ ልሒሙ፡ ክሳብ ብሞት ዝፍለየና ከም አሕዋት ኢና ኔርና። ኣብ ዲፕሎማን ዲግርን ብሓንሳብ ተማሂርና፡ ብሓንሳብ ተዓሊምናነ ጉዕዞ እግሪ ፈጺምና። ሃገራዊ ግቡእና ፈጺምና ኣብ ምኒስትሪ ፍትሒ ብሓንሳብ ስራሕ ተቖጺርና ብሓባር ከኣ ተሰዲድና" ይብል ናስር።

"ሚልክያስ ኩሉ ነገሩ ፍሉይ ስለዝኾነ ብዛዕብኡ ዝዕለል መወዳእታ የብሉን" ድሕሪ ምባል ካብቲ ብዙሕ ጦብላሕታ ዝገደፈሉ ሓደ ክልተ ይጠቅስ።

"ሚልክያስ ምስ መጻሕፍትን ንባብን ዘለዎ ፍቕሪ ኩሉ ሰብ ስለዝገለጾ ክሰግሮ። ግን ሬድዮ እውን'ዩ ካብ ኢዱ ዘይፈሊ። ካብ ሳዋ ባርካ ዝጀመረ ጉዕዞ እግሪ፡ ብዛራ ሰንሒት፡ ብሓስታ ጌርና ንሳሕል ዒታሮ ኣቲና። ድኻም በሎ እዩ። ግን ኣብቲ ጉዕዞ እግሪ ኩላትና ተማሃሮ ሕጊ ጥራሕ ስለዝነበርና ሰሓቕን ወግዕን ኣይተፈልየናን።

ካብ ሳንጥኡ ሬድዮ ስለዘይፈሊ፡ ሽዑ ምሸት ኣብ ቢቢሲ፡ ኤርትራን የመንን ብደሴታት ዙቑር ሓንሽ ከምዝተዋግኣ ሰሚዑ ሰምቢዱን ተገሪሙን ንኹላትና ገያሾ እግሪ-ጉዕዞ ነጊሩና።

"ጀምዓት በዚኣ ኣቢልና ናብ ዙቑር ሓንሽ ኢና!" እናበለ የስሕቐና ነይሩ" ክብል ዝኽሩ የዘንቱ።

"ናይ ሚልክያስ ትገርመኒ ነገር ኣላ" ብምባል ዝኽሩ ይቕጽል ናስር ዓብደላ "ሚልክያስ ኣብ 1994 ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ ፈቲኖም ዝተባህሉ ኣካለ ስንኩላን ማይ ሓባር ብጥይት ተሃሪሞም ምስ ሰምዐ ኣዝዩ ሰንቢዱን፡ ኣብ መንግስቲ ዝነበሮ እምነት በብቑሩብ እናጎደለ እናጎደለ ከይዱ፡ ኣብ መጨረሻ ገና ማንም ሰብ ከይነቅሐ፡ ዓው ኢሉ፡ 'እዚ ስርዓት'ዚ ነዚ ህዝቢ ዝኸውን ኣይኮነን - ኢፍትሓውን ጨካንን እዩ'" ይብል ምንባሩ ይዛረብ።

ሓደ ካብ ኣድነቕቲ ሚልክያስ ፕሮፌሰር ዮውሃንስ ሃይለ እውን፡ ሚልክያስ፡ "እቶም ዝርካቦም ምሁራት ኤርትራ፤ እንኮላይ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ምስከተቱ፤ ነቲ ዝኽሰት ዝነበረ ሃገራዊ ብርሰት ንምንጽብራቕ፡ ብሓውሲ ቀልዲ፡ "ኤርትራ ዕድለኛ እያ! BBC [english] ክሰምዕ ዝኽእል ሰራዊት ኣለዋ" ንዝበላ ዘረባ ብምዝካር ብሃንደበታዊ ሕልፈትን እቲ "በዓል ተስፋ" ዝበሎ ጋዜጠኛ ዝተሰመዖ ጓሂ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, MM

ሚልክያስ ኣብ 2001 ካብ ሃድን ማእሰርቲ ኣምሊጡ ንኣመሪካ ምስ ኣተወ፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኣትላንታ ብዝገበረሉ ዕድመ፡ ምስ ካልኣዩ መጺኡ፡ ብድፍረት እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት፡ "ብሕጊ ዘይግዛእ ጨካን ምልካዊ ስርዓት ብምዃኑ፡ ዜጋታት ኤርትራ ድምጺ ኩሎም እሱራትን ግፉዓትን ክንከውን ይግባእ" ክብል ኣትሪሩ ከምዝተማሕጸነ ገዲም ነባሪ ኣትላንታ ስዩም ተስፋይ ይዝክር።

በታ ኣጋጣሚ ዝፈለጦ ስዩም ተስፋይ፡ ካብኡ ንደሓር ክሳብ ዕለተ ሕልፈቱ ኣብ ኩሉ ጉዕዘኡን ህይወቱን መኻፍልቲ ጽቡቕን ሕማቑን ከምዝነበረ ፍቕርን ክብርን ሓድሕዶም ዝፈልጥ ሳሙኤል ቢዘን ይገልጽ።

ካብቲ ዘይተርፎ ማእሰርቲ ኣምሊጡ ንኣመሪካ ምስ ኣተወ፡ ነቶም ዕስራ ዓመቶም ኣብ ንቡር መስርሕ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ኣብ ሸላታት ዒላዒሮ ተኣሲሮም ዘለው መሳርሕቱ ጋዜጠኛታትን ኣርካናት መራሕቲ ሃገርን ኣብ ዝተፈላለየ መጋበኣያታት ብምቕራብ ድምጺ ክኾኖም ጽዒሩ።

ኩሎም ፈለጥቱ፡ ሚልክያስ፡ ሕሉፍ ኣንባቢ፡ መዕለልን መስሓቕን፡ ዝተራእዮን ዝተሰመዖን ዝዛረብ፡ ወትሩ ምስ ውጽዑን ጽጉምን ዝውግን ተባዕ ምንባሩ እዮም ዝዛረቡ። ሳሙኤል ቢዘን፡ "ሕብረሰተሰብና፡ ብመዓት ልምድን ባህልን ስለዝቕየድ፡ ንዝኾነ ክብሎ ዝደሊ ነገር ኣለሳሊሱ እዩ ዝብሎ። ሚልክያስ ግን ዝተራእዮን ዝተሰመዖን ዝዛረብ ተባዕ ብምንባሩ፡ ሰባር ስቕታ እዩ" ክብል ይገልጾ።

እቲ ዘሕዝን ግን ይብል ኣሚር ዮሃንስ "ሚልክያስ ኣብ ጽባሕ ናጽነታ ከገልግላ ዝመጽአን ብዓቕሙ ዘበርከተላን ዘፍቅራ ሃገሩ ሓመድ ኣዳም ዘይምልባሱ" ብዙሕ ከምዘሕዘኖ ይገልጽ።