ታይዋን፡ ብሓደጋ ባቡር ብውሕዱ 50 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰባት ካብታ ዝተጋጨወት ባቡር እናወጽኡ
ኣብ ሓንቲ ኣስታተ 500 ሰባት ጽዒና ዝነበረት ባቡር ተጋጭያ ካብ ሓዲድ ወጺኣ ናብ ሓደ ገለርያ ስለዝኣተወት ኣብታ ባቡር ካብ ዝነበሩ ብውሕዱ 50 ሰባት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ።
ነቶም በታ ባቡር ተጸቒጦም ዘለዉ ኣብ ምውጻእ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን እታ ሃገር ዓሰርተታት ብኸቢድን ፎኵስን ዝተሃረሙ ሰባት ኣውጺኦም ምህላዎም ብምግላጽ ናብቲ ዝያዳ ተጨፋሊቑ ዘሎ ባጎኒ ናይታ ባቡር ንምእታው ፈተነታት የካይዱ ምህላዎም ተገሊጹ።
እታ ሸሞንተ ተጎተትቲ ባጎንታት ዘለዋ ናይ ህዝቢ መጎዓዓዚት ባቡር፡ ካብ ሓዲዳ ወጺኣ ምስ ሓደ ህንጻ ድሕሪ ምግጫዋ እያ ናብ ገለርያ ኣትያ።
እታ ካብ ርእሰ ከተማ ታይፐይ ናብ ራይቱንግ ትጓዓዝ ዝነበረት ባቡር ቀዳመ ሰንበትን ዓመታዊ በዓልን ከሕልፉ ዝገሹ ዝነበሩ ሰባት እያ ሒዛ ነይራ።
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰባት ካብታ ዝተጋጨወት ባቡር እናወጽኡ
እታ ባቡር መሊኣ ስለዝነበረት ብዙሓት ሰባት ደው ኢሎም ይኸዱ ምንባሮም'ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እታ ዘመናዊት ባቡር ኣብ ስዓት ክሳብ 130 ኪሎሜተር ክትጉዓዝ ትኽእል ኮይና ሓንቲ ካብ ፈጣናትን ድሕነተን ዝተሓለወን ተሃቢለን ዝግለጻ ባቡራት ህዝባውያን መጓዓዝያ እያ።
እቲ ናይ መወዳእታ ካብ ሃገራዊ ድሕነት ባርዕ ታይዋን ተዋሂቡ ዘሎ ጸብጻብ፡ ኣብታ ባቡር 490 ሰባት ከምዝነበሩን ካብኦም 48 ከምዝሞቱን 66 ከምዝተሃሰዩን ዝገልጽ እዩ።
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰባት ካብታ ዝተጋጨወት ባቡር እናወጽኡ
እቲ ጸብጻብ ብምስዓብ ካብተን ብዙሕ ዘይተሃሰያ ዝብሃላ ኣርባዕተ ተጎተትቲ ባጎኒታት 100 ሰባት ብህይወቶም ከምዝደሓኑን ኣብተን ዝያዳ ተሃስየንን ዘለዋ ባጎኒታት ግን 200 ዝኾኑ ሰባት ኣብ ውሽጢ ከምዘለዉን ንምድሓኖም ጻዕርታት ይግበር ከምዘሎን እዩ ዝገልጽ።
እቲ ሓደጋ ብኣቖጻጽራ እቲ ኸባቢ ሎሚ ሰዓት 9 ናይ ንግሆ እዩ ኣጋጢሙ።
ፕረዚደንት ታይዋን ትሳይ ኢንግ ወን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ "ነቶም ኣብ ውሽጢ ተቓቒሮም ዘለዉ ምድሓንን ምውጻእን ቀዳምነት እንሰርዖ እዩ" ኢሉ።
ምንጪ ስእሊ, EPA
ማዕከናት ዜና እታ ሃገር መራሒ እታ ባቡር ካብቶም ዝሞቱ ምዃኑ ገሊጸን ኣለዋ።
እታ ባቡር ካብ ሓዲዳ ንኽንትወጽእ ምኽንያት ዝኾነ ነገር እንታይ ምዃኑ ኣብ ምጽራይ እዩ ዘሎ።
ሓንቲ ካብቶም ብህይወት ዝወጽኡ ጓል ኣንስተይቲ ንማዕከን ዜና ዩዲኤን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ "ሃንደበት ከምዚ ዓቢ ምፍንጃር ዘጋጠመ ኮይኑ ተሰሚዑኒ በቲ ገልጠምጠም ኸኣ ናብ ባይታ ናይታ ባቡር ወዲቐ፡ ብድሕሪ እዚ ነቲ ፊኒስተራ ናይታ ባቡር ሰይርና ናብ ልዕሊ እታ ባቡር ወጺእና" ኢላ።
እዚ ሎሚ ኣብ ታይዋን ዘጋጠመ ሓደጋ ባቡር ኣብታ ሃገር እቲ ዝኸፈአ ሓደጋ ባቡር ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ኣብ ታይዋን ኣብ 2018 ብዘጋጠመ ሓደጋ ባቡር 18 ሰባት ምሟቶም ይዝከር።
እታ ደሴታዊት ሃገር ዝኾነት ታይዋን ኣብ 1991 እውን ብሰንኪ ምግጫው ክልተ ባቡራት 30 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 112 ሰባት ቆሲሎም ነይሮም።