ግጭት ትግራይ፡ ሃገራት ጉጅለ-7 ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ከምዘሻቐለን ገሊጸን

ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀልን ወለንተኛታት ኣብ ትግራይ ዝበጽሐ ረዲኤት ቀይሕ መስቀል እናራገፉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ,

ሃገራት ጉጅለ-7 ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብቲ ክልል ክበጽሕ ጸዊዖም ኣለዉ

ብጉጅለ-7 (G-7) ዝፍለጣ ብቁጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ዓለም፡ በቲ ካብ ትግራይ ዝወጽእ ዘሎ ጸብጻባት ግህሰት ሰባዊ መሰላት "ኣዝየን ከምዝተሻቐላ" ገሊጸን።

እቲ ብሪጣንያ፡ ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ዝርከብኦ ጉጅለ፡ እቶም ተፈጺሞም ዝብሃሉ ገበናት ክምርመሩን፡ ፈጸምቶም ክሕተቱን ጸዊዑ'ሎ።

ኣብ ጎኒ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰሊፎም ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝዋግኡ ዘለዉ ወተሃደራት ኤርትራ ክወጽኡ'ውን እተን ሃገራት ተማሕጺነን።

ወተሃደራት ክልቲአን ሃገራት ሓያሎ ከበድቲ ምግሃስ መሰላት ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ።

ገለ ካብቶም ክስታት፡ ጃምላዊ ቅትለት ሲቪላውያን ሰባት፣ ጾታዊ ዓመጽ፣ ዝምታን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝተኻየደ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ይርከብዎም።

ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝቐርብ ክስታት "ስኑዕ'ዩ" ብምባል ክትነጽጎ እንከላ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ድማ፡ እቲ ፈለማ ዝኾነ ዝተቐትለ ሲቪላዊ ሰብ የለን ዝብል ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ምግሃስ መሰላት ከም ዝተፈጸመ ኣብዚ ቀረባ እዋን ተኣሚኑ'ሎ።

'ቢቢሲ ኣይ' ዝተባህለ መደብ ቢቢሲ ብዘካየዶ መርመራ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ 15 ብረት ዘይነበሮም ሰባት ጃምላዊ ቅትለት ከም ዝፈጸሙ ዝእምት መርትዖ ከም ዝረኸበ ጸብጺቡ'ሎ።

እቲ ኲናት፡ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዝነበሩ መዓስከራት ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኽፋቶም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ኣብቲ ክልል ዝመርሕ ዝነበረ ክልላዊ መንግስቲ ህወሓት ንምእላይ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ከፊቱ።

ህወሓት ንኣስታት 29 ዓመት ንትግራይ ከመሓድር ምጽንሑ ይፍለጥ።

ይኹን እምበር፡ ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምድያቡ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝነበሮም ርክብ ሻሕኪሩ ናብ ረጽሚ ዓሪጉ።

ኣብቲ ኲናት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሲቪላውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉን፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ከም ዝተመዛበሉን ይግለጽ።

"ቅትለት ሲቪላውያን፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣልማማ ደብዳባት፡ ግዱድ ምፍንቓል ነበርቲ ትግራይን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ንኹንን" ክብል ጉጅለ-7 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣነጺሩ።

"ነቲ ዝብሃል ዘሎ ገበናት ንምፍላጥን፡ ነቶም ነቲ ግህሰታት ሰባዊ መሰላት ዝፈጸሙ ንምሕታትን፡ ናጻ፣ ግሉጽን ዘይሻራውን መርመራ ምክያድ ኣገዳሲ'ዩ" ድማ ኢሉ።

እቲ ብሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ናይተን ሃገራትን ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣውሮጳን ዝወጸ መግለጺ፡ ብዛዕባ'ቲ "እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ሓደጋ ስእነት መግቢ" ከም ዝተሻቐለ ብምጥቃስ፡ "ህጹጽ፡ ዘይተገደበን ሰብኣዊን" ረዲኤት ናብቲ ክልል ክኣቱ ጸዊዑ።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝተዋህበ፡ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ከምዝወጹ ዝሕብር መግለጺ፡ ብሓጎስ ከም ዝቕበልዎ ግን እቶም ሰበልጣን ገሊጾም ኣለዉ።

ወተሃደራት ኤርትራ መዓስ ከም ዝወጽኡ ግን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብንጹር ኣይገለጸን። ኤርትራ'ውን ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ዝሃበቶ መግለጺ የለን።

ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍሉይ ነቐፌታ ዘስዓበ'ዩ።

ኣብ መንጎ ትግራይን መንግስቲ ኤርትራን ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ቅርሕንቲ ምህላዉ ይፍለጥ።

ክልቲአን ሃገራት መሪር ዶባዊ ኲናት ኣካይደን ብምንባረን፡ እቲ ካብ 1998 ኣትሒዙ ዝነበረ ምትፍናን ኣብ ሓምለ 2018 ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ስልጣን ምስ መጽአ'ዩ ኣኽቲሙ።

ብሰንኩ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ሽልማት ኖበል ሰላም 2019 ምርካቡ ይዝከር።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ንዓሰርተታት ዓመታት ክቕጽል ዝኽእል ግዱድ ዕስክርናን ካልኦት ጠንቅታትን ካብታ ሃገር ከምዝሃድሙ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረዲኤት ሕቡራት ሃገራት ናብተን ኣስታት 20 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝነበርወን መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን በጺሖም ነይሮም።

እንተኾነ ግን፡ ክልቲአን መዓስከራት ፍጹም ዓንየን፡ ኣብአን ዝነበረ መሳለጥያታት'ውን ኩሉ ዓንዩን ተዘሚቱን ከም ዝረኸብዎ ኣረጋጊጾም።

መግለጺ ቪድዮ,

ብከቢድ ብረት ክልተ እግራ፣ ኣዲኣ፣ ሓዋን ዓባያን ዝሰኣነት ህጻን ቤቲ