ኢትዮ-ሱዳን፡ ጠንቂ ምስሕሓብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝፈጠሮ ዞባዊ ጽልዋን

ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን

ሱዳንን ኢትዮጵያን በቲ ኣብ ምብራቅ ክፋል ዞባ ገዳርፍ ዝርከብ ኣልፋሽካ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ልሙዕ መሬት እየን ኣብ ዶባዊ ምስሕሓብ ኣትየን ዘለዋ።

እቲ እዞም ክልተ ሓይልታት ንመወዳእታ ግዜ ዝተጋጠምሉ 29 መጋቢት 2021 ምንባሩ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ።

እታ ማዕከን ዜና 200 ዝኾኑ ናይ ኢትዮጵያ ምልሻታት ነቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ናይ ዶብ ምልክት ከልዕልዎ ምስ ፈተኑ እቲ ምልውዋጥ ተኵሲ ከምዝተኸሰተን በቲ ምልውዋጥ ናይ ቶኵሲ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱን ኣቃሊሓ።

23 መጋቢት’ውን ሰራዊት ሱዳን ብዙሓት ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝቐተሉን ከምዝማረኹን ከምኡ’ውን ወተሃደራዊ ብረታትን ናይ ሕርሻ ንዋት ከምዝማረኹን ሱዳን ትሪቡን ኣቃሊሓ ነይራ።

ዋላ እኳ ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ምልውዋጥ ናይ ቶኵሲ እንተሃለወ ጸገማተን ብዘተ ንኽፈትሓ ድልውነት ከምዘለወን ግን ገሊጸን ኣለዋ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ሱዳን ኣብ ምሉእ ኵናት ከምዘይኣቱ ክገልጽ እንከሎ፡ ሱዳን ብወገና እቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሞንጎኛ ኮይና ከተላዝበን ዘቕረበቶ ዕድመ ተቐቢላቶ ኣላ።

ንዶባዊ ጸገማት ሱዳንን ኢትዮጵያን ሃህ ዘሎ ጉዳይ እንታይ እዩ?

ሱዳን፡ እቲ ኣብ 1902 ዝተኸተመ ብውዕል ኣንግሎ ኢትዮጵያ ዝፍለጥ ስምምዕ፡ ኣልፋሽጋ ናይ ሱዳን ቦታ ከምዝኾነ ዘረጋግጽ እዩ እያ ትብል፡ እተንኾነ እቲ ንሱዳን ኢትዮጵያን ዘዳውብ 1600 ኪሎ ሜተር ዝዝርጋሕ ዶብ ጽቡቕ ምልክታት ኣይተገብረሉን፡ እዚ ኸኣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ 1990ታት ነቲ ዘሰሓሕበን ዘሎ ቦታታት ንኽሕዞ ዕድል ፈጢርሉ።

ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ንሱዳን ኣብ ዝመርሓሉ ዝነበረ እዋን፡ ነቲ ካብቲ ቦታ ዝቐርበሉ ዝነበረ ‘ኢትዮጵያ መሬትና ትወሮ ኣላ፡ ንቕተል ኣለና፡ ንጭወ ኣለናን ጥሪትና ይዝመታ ኣለዋን’ ዝብል ጥርዓናት ብዙሕ ኣቓልቦ ከይሃበ ይጻወሮ ስለዝነበረ ብዙሓት ሱዳናውያን ሓረስቶት ካብቲ ልሙዕ ዝኾነ መሬት ኣልፋሽጋ ክወጽኡ ተገዲዶም።

እዘን ክልተ ሃገራት ንምንታይ’የን ሕጂ ሰራዊተን ኣብ ዶብ ዝኣኻኽባ ዘለዋ?

እዚ ሕጂ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተኸሲቱ ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ፡ ብረት ዝዓጠቑ ኢትዮጵያውያን ኣድብዮብ ብምጽናሕ ኣብ ልዕሊ ኣብ ከባቢ ኣልፋሽጋ ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ሰራዊት ሱዳን ብ15 ታሕሳስ 2020 መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣርባዕተ ወተሃደራት ሱዳን ዝለዝቐተሉ እዮም።

ብድሕሪ እዚ ክስተት እዚ ሱዳን ብዙሓት ሰራዊት ናብቲ ዶብ ኣዋፊራ።

30 ታሕሳስ 2020 ሱዳን ኣብ ዘውጽአቶ መግለጺ፡ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዳውባ ከባቢ ኩሉ እቲ ዝግብኣ ቦታታት ካብ ኢትዮጵያ ኣማሊሳ ከምዝተቆጻጸረቶ ገሊጻ።

ኢትዮጵያ ብወገና፡ ሰራዊታ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ውሽጣዊ ግጭት ተጸሚዱ እንከሎ ‘ሱዳን ኣብ ልዕለይ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣካይዳ’ ብምባል ንሱዳን ከሲሳታ።

ኢትዮጵያን ብምስዓብ፡ እቲ ምስ ሱዳን ዘለዋ ናይ ዶብ ጸገማት ብሳልሳይ ኣካል ዝጓሃሃር ዘሎ ምዃኑ ገሊጻ፡ ተሻፋፊኑ’ምበር ግብጺ እያ ሳልሳይ ኣካል ተባሂላ።

16 መጋቢት ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ሊተናል ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ኢትዮጵያ ኣልፋሺጋ ናይ ሱዳን እዩ ኢላ ክሳብ ትኣምን ምስ ኢትዮጵያ ምዝርራብ ከምዘይካየድ ገሊጹ።

ንሱ “መንግስቲ ኢትዮጵያ እዚ ቦታ ናይ ሱዳን እዩ ኢሉ ኣፍልጦ ከይሃበን፡ እቲ ቦታ መፍለጢ ዶብ ምልክት ከይተገበረሉን ምስዝኾነ ኣይክንዛተን ኢና” ምባሉ ተገሊጹ።

ማዕከናት ዜና ሱዳን ነቲ ዶባዊ ምስሕሓብ ከመይ የቃልሐኦ ኣለዋ?

ብመንግስቲ እትውነን ማዕከን ዜና ሱናን ወግዓዊ ገጽ ፌስቡክ ሰራዊት ሱዳንን (SAF) ዝርከብአን ወግዓውያን ማዕከናት ዜና መንግስቲ ሱዳን ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት [ሱዳንን ኢትዮጵያን] ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ ብዙሕ ኣየቃልሓን’የን።

እንተኾነ ነቲ ብናይ ግሊ ሚድያታት ሱዳን ብዛዕባ እቲ ዶባዊ ምስሕሓብ ዝጽሓፍ ጸብጻባት ኸኣ ጌጋ’ዩ ክብልኦ ኣይስምዓን’የን።

ኣብ ናይ ሰራዊት ሱዳን ናይ ፌስቡክ ገጽ፡ ሰራዊት ሱዳን ብሰውራውን ሃገራዉን ደረፍታት ተሰነዮም ብረቶም እናኣወዛወዙ ዘርኢ ናይ 1 ደቒቕን 14 ካልኢትን ንውሓት ዘለዎ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ብ11 ለካቲት 2021 ተለጡፉ።

ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ሊተናል ጀነራል ያሲር ኣል ዓጣ ናብ ኣልፋሺጋ ብምብጻሕ ነቶም ሰራዊት ኣኪቡ "ካብ መሬት ሱዳን ዋላ ሓንቲ ኢንች ኣሕሊፍና ኣይንህብን ኢና" ኢልዎም።

ብዙሓት ሱዳናውያን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ኢትዮጵያ ንልሙዕ መሬት ኣልፋሽጋ ‘ምውራራን’፤ግብጺ ነቲ ብማዕድን ሃብታም ዝኾነ ሃላብ ትርያንግል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ ‘ምጉባጣን’ ክኹንዎ ተራእዮም።

ኣል ኡር ዳውሊ ዝተበሃለ ተጠቃሚ ማሕበራዊ ሚድያ “ንሰራዊትና ጽቡቕ ዕድል ግብጽን ኢትዮጵያን ኸኣ ኣብ ግሃነም ይደቕደቓ” ክብል እንከሎ ካልእ ጣሊቕ ኣፋህ ዝተበሃለ ሱዳናዊ “ሱዳን ሓደ ህዝቢ ኮይና ኣንጻር መሬትና ዝወረሩ ደው ኢልና ኣለና፡ ግብጽን ኢትዮጵያን ጸላእትናን ገበነኛታትን ኢኽን” ኢሉ።

ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ማዕከናት ዜናኸ ብዛዕባ እቲ ግጭት እንታይ ይብላ?

ማዕከናት ዜናታት ኢትዮጵያ ነቲ ዶባዊ ምስሕሓብ ክንድቲ ማዕከናት ዜና ሱዳን ኣቓልቦ ሂበን ዘቃልሐኦ ዘለዋ ኣይቃልሓን እየን።

ኢትዮጵያውያን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ’ውን ነቲ ኣብ ማዕከናት ዜና ሱዳን ዝቃላሕ ብምጥቃስ እዮም ብዛዕባ እቲ ዶባዊ ምስሕሓብ ዝዛረቡን ዘቃልሑን።

ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኢትዮጵያን ንመንግስቲ ዝድግፋ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያን ንሰብ መዚ ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ክትዛተ እንተኾይና “ሱዳን ናብቲ ቅድሚ እቲ ግጭት ዝነበረቶ ቦታ ትመለስ” ዝብል ሓሳብ ከም ቅድመ-ኹነት ኣቐሚታቶ ከምዘላ እየን ዘቃልሓ።

መንግስታዊት ማዕከን ዜና ኤርትራ ብወገና ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምጥቃስ እቲ ፕረዚደንት ሱዳንን ኢትዮጵያን ጸገማተን “ብዓቕልን ብምሕዝነትን” ክፈትሓ ከምዝተላበወ ኣቃሊሐን።

ሱዳን፡ መንግስቲ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ኣብ ከባቢ እቲ ዘሰሓሕብ ዘሎ ቦታ ሰራዊቱ ኣዳልዩ ከምዘሎ እያ ትኸስስ።

እቲ ምስሕሓብ ናብ ኵናት ናይ ምዕራግ ተኽእሎ ኣለዎ ድዩ?

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሱዳንን ኢትዮጵያን ናብ ቅሉዕ ኵናት ክኣትዋ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ።

ክልቲአን ሃገራት ብውሽጣዊ ዕግርግር ተወጢረን’የን ዘለዋ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ኣብቲ ምስ ሰራዊት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ( ህወሓት) ዘካይዶ ዘሎ ኵናት’ዩ ተጸሚዱ ዘሎ፡

ካልእ’ውን ኢትዮጵያ በቲ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ቤንሻጌል ጉምዝን ዘሎ ዓሌታዊ ግጭታት ኣትክሮኣ ተገማሚዑ’ዩ ዘሎ።

ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ናብ ኵናት እንኣምሪሓ፡ ሱዳን ነቶም ኣብ ትግራይ ኮይኖም ቃልሲ ዘካይዱ ዘለዉ ሰራዊት ትግራይ ደጀን ክትኮኖምን ወተሃደራዊ ስንቂ ከተዕጥቆምን ትኽእል እያ ዝብል ፍርሒ ኣለዋ።

ሱዳን ልዕሊ 67000 ካብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝሃደሙ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት የዑቒባ ምህላዋ ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ 23 መጋቢት 2021 “ኣብዚ ግዜ ሱዳን ኣንጻር ጎሮቤታ ሃገር ኣብ ውግእ እትገጥመሉ ኩነታት ኣይኮነትን ዘላ፡ ኣዝዩ ብርቱዕ ጸገማት ኣለዋ፡ ኢትዮጵያ’ውን ኣንጻር ሱዳን ክትቃለስ ብዙሕ [ውሽጣዊ] ጸገማት ኣለዋ” ኢሉ ነይሩ።

ሱዳን መራሒኣ ነበር ዑመር ኣልበሽር ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣን ካብ ዝወርድ፡ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት’ያ ዘላ።

እታ ሃገር፡ ኣብ ኣዝዩ ዝኸፈአ ቁጠባዊ ኩነታት እያ ትርከብ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንወሰኽ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ንምቅዋም ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ዳርፉር ዘሎ ዘይረገአ ዓሌታዊ ግጭትን ህሉው ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ተደራሪቡ ነታ ሃገር ናብ ጥርዚ ሓደጋ እዩ ዝደፍኣ ዘሎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብቲ ዞባ ዘሎ ኩነታትከ እንታይ የመላኽት?

ኢትዮጵያ ብምኽንያት ዓቢ ግድብ ህዳሰ’ውን ምስ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ታዕታዕ እያ ተጸሚዳ ዘላ።

እዘን ሰለስተ ሃገራት በቲ ኢትዩጵያ ኣብ ምንጪ ፈለግ ኒል ዝኾነ ሩባ ኣባይ ትሃንጾ ዘላ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ካብ 2011 ጀሚረን ኣብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሓ ኣይከኣላን ዘለዋ።

ሱዳን ኣብ ልዝብ ዓቢ ግድብ ህዳሰ መርግጺኣ ከየርኣየት እያ ክትከይድ ጸኒሓ፡ እንተኾነ ድሕሪ ዶባዊ ምስሕሓብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብቲ ልዝብ ኣንጻር ኢትዮጵያ ደው ኢላ ኣለ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፡ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ነቶም ኣታዊታቶም ካብቲ ፈለግ ዝምርኮስ 20 ሚልዮን ሱዳናውያን ስግኣት ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።

ግብጺ፡ ነቲ ሱዳን ጉዳይ ልዝብ ዓቢ ግዳብ ህዳሰ ብሞንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣመሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን ክካየድ ኢላ ዘቕረበቶ እማመ ደጊፋቶ ኣላ፡ ኢትዮጵያ ግን ነቲ ብሱዳን ዝቐረበን ብግብጺ ዝተደገፈን እማመ ተቓዊማቶ።

ግብጽን ሱዳንን ብ2 መጋቢት 2021 ኣብ ሞንጎ ክልተአን ወተሃደራዊ ስምምዕ ክገብራ ተፈራሪመን ኣለዋ።

እዚ ወተሃደራዊ ስምምዕ እዚ ኸኣ ብዋጋ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ምዃኑ ዘአንፍት እዩ።